ኤርትራን ሶማልያን ዲፕሎማስያዊ ዝምድና ክምስርታ ተሰማሚዐን

ምንጪ ስእሊ, YEMANE G.MESKEL/TWITTER
ኤርትራን ሶማልያን ዲፕሎማስያዊ ዝምድንአን ክምስርታን ኣምባሳደራት ክለዋወጣ ምኻነን መራሕተን ሎሚ ኣብ ኣስመራ ኣብ ዝፈረምዎ ስምምዕ ኣፍሊጦም።
ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂን ኣብ ኤርትራ ምብጻሕ ክገብር ዝቐነየ ፕረዚደንት ፈደራላዊት ደሞክራስያዊት ሶማልያ መሓመድ ዓብዱላሂ ፋርማጆን ሎሚ ንግሆ "ሓበራዊ ኣዋጅ ኤርትራን-ሶማልያን ንሕውነታዊ ዝምድናን ሓፈሻዊ ምትሕግጋዝን" ከም ዝፈረሙ ሚኒስተር ዜና ኤርትራ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል ብትዊተር ሓቢሩ።
ፕረዚደንት መሓመድ ዓብዱላሂ ናይ ሰለስተ መዓልቲ ምብጻሕ ፈጺሙ ሎሚ ንሃገሩ ከም ዝተመልሰ'ውን ጠቒሱ።

ምንጪ ስእሊ, YEMANE G.MESKEL/TWITTER
እቲ ዝተበጽሐ ስምምዕ፡ ክልቲአን ሃገራት "ጥቡቕ ፓለቲካዊ፡ ቁጠባዊ፡ ማሕበራዊ፡ ባህላዊ፡ ናይ ምክልኻልን ጸጥታን" ዝምድና ከምስርታ ከም ዝተሰማምዓ ኣቶ የማነ ገሊጹ።
ብዘይካ'ዚ ክልቲአን ሃገራት ዞባዊ ሰላም፡ ርግኣትን ቁጠባዊ ውህደትን ንምድንፋዕ ከም ዝጽዕራ እውን ተሰማሚዐን ኣለዋ።
ኤርትራ ብወገና፡ ንፓለቲካዊ ናጽነት፡ ልዑላውነትን መሬታዊ ሓድነትን ሶማልያ ከም እትድግፍ ኣብቲ ዝተበጽሐ ስምምዕ ሰፊሩ ከም ዘሎ ተገሊጹ።
ፕረዚደንት መሓመድ ፋርማጆ ኣብ ኤርትራ ኣብ ዝጸንሓሉ እዋን፡ ናይ ድራር እንግዶት ከም ዝተገብረሉን ኣብ ዝተፈላለዩ ቦታት ዝተሰርሑ ዲጋታት ከም ዝበጽሐ'ውን ተፈሊጡ።
ኣብ 1991 ኤርትራ ሓርነታ ኣብ ዝተጓነጸፍትሉ እዋን፡ ስርዓት ሰይድ ባረ ብምውዳቑ ሶማልያ ናብ ኲናት ሓድሕድን ምብትታትን ኣምሪሓ'ያ።

ምንጪ ስእሊ, YEMANE G.MESKEL/TWITTER
ኤርትራ ድማ ብወግዒ ጸኒሓ ኣብ 1993 ናጽነታ ብምእዋጃ፡ እቲ ኩነታት ክልቲአን ሃገራት ልሙድ ዲፕሎማስያዊ ዝምድና ክምስርታ ዕድል ኣይበንን።
እቲ ኣብታ ሃገር ዝተፈጥረ ዘይምርግጋእ ሂወት ኣሻሓት ዜጋታት ዝበልዐን ንኣማኢት ኣሽሓት ናብ ስደት ከም ዘምርሑ ዝበረን'ዩ።
ክሳብ ሕጂ'ውን መዕለቢ ኣይረኸበን ዘሎ።
ምፍራስ ማእከላይ መንግስቲ፡ ኣብታ ክፍተት ብምፍጣሩ፡ ከም በዓል ኣልሸባብ ዝበሉ ኣሸበርቲ ጉጅለታት ይኹኑ፡ ቀርሰንቲ ክፍጠሩ ዕድል ሂቡ'ዩ።
ካብዚ ሓሊፉ'ውን፡ እታ ሃገር ክትመቓቐል ዝገብር ክስተታት ተፈጢሩ'ዩ። ሓደ ካብ'ዚ ድማ ኩነታት እታ ባዕላ ከም ሃገር ዝኣወጀት ሶማሊላንድ'ዩ። ብተመሳሳሊ ፑንትላንድ እትበሃል ርእሳ ባዕላ እተመሓድር ኣካል'ውን ኣላ።

ምንጪ ስእሊ, AFP
ሶማልያ ግዳይ ናይ ወጻኢ ወታሃደራዊ ምትእትታው ክትከውን ተገዲዳ'ያ። እዚ ሕጂ ኣብ መቓዲሾ ዘሎ መንግስቲ ንባዕሉ፡ ብኣሚሶን ዝተባህለ ሰራዊት ኣፍሪቃዊ ሕብረት ዝድገፍ ምዃኑ ሓደ መርኣያ'ዩ።
ኣሚሶን፡ ካብ ኬንያ፡ ዩጋንዳ፡ ቡርንዲን ኢትዮጵያን ዝተዋጽኡ ወታሃደራት ዝቖመ ሓይሊ'ዩ።
ኣብ 2006 ኢትዯጵያ ካብ ሶማልያ ዝምንጩ ናይ ጸጥታ ስግኣት ኣሎኒ ብምባል፡ ወታሃደራታ ናብ ሶማልያ ብምእታው ኣንጻር ኣብቲ እዋን እስላሚክ ኮርትስ ዝተባህለ ምንቅስቓስ ኮነ ኣልሸባብ መጥቃዕትታት ፈጺማ ነይራ።
ኣብ 2007 ኤርትራ ንዝተፈላለዩ ኣንጻር ናይቲ ብኢትዮጵያ ዝድገፍ ዝነበረ ማእከላይ መንግስቲ ዝኾኑ ጉጅለታት ኣብ ኤርትራ ክተኣኻኸቡ ትድግፍ ነይራ'ያ።
ናይ ኢትዮጵያን ናይ ኤርትራን ምትእትታው ኣብ ጉዳያ ሶማልያ ድማ ከም ናይ 'ኢድ ኣዙር ኲናት' (ፐሮክሲ ዋር) ተባሀሉ ክግለጽ ጸኒሑ'ዩ።
ኤርትራ ኣብ ሶማልያ ፓለቲካውን ወታሃደራውን ምትእትታው ክትክሰስ ምጽንሓን ብሰንኪ'ዚ ድማ ኣብ 2009 ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ልዕሊኣ ማዕቀም ከም ዝገበረን ይፍለጥ።
እንተኾነ ግን ኤርትራ ነቲ ንኣልሸባብ ትድግፍያ ዝብል ክሲ ክትነጽጎ ጸኒሓ'ያ።
እታ ነቲ ማዕቀብ ክግበር ቀንዲ ተዋሳኢት ዝነበረት ኢትዮጵያ፡ ምስ ኤርትራ ስምምዕ ሰላም ድሕሪ ምፍራማ፡ እቲ ማዕቀብ ክለዓል ብወግዒ ንውድብ ሕቡራት ሃገራት ሓቲታ'ላ።
ብተመሳሳሊ፡ ፕረዚደንት ሶማልያ መሓመድ ዓብዱላሂ፡ ኣብቲ ኣብ ኣስመራ ዝተገብረሉ ናይ ድራር እንግዶት ኣብ ዘስመዖ መደረ፡ እቲ እገዳ ክለዓል ጸዊዑ።

ምንጪ ስእሊ, YEMANE G.MESKEL/TWITTER
ምምሕያሽ ዝምድና ክልቲአን ሃገራት ድማ፡ ኣብታ ሃገርን እቲ ዞባን ኣወንታዊ ተራ ክህልዎ ምዃኑ ትጽቢት ይግበር።
እዚ ሓድሽ ምዕባለ'ዚ ድሕሪ'ቲ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝጸንሐን ን20 ዓመታት ዝኸደ ግጭትን ኩነተ-ኲናትን ምብቅዑን ናብ ንቡር ዲፕሎማስያዊ ዝምድና ምምላሰንን ዝረአ ዘሎ'ዩ።
ሶማልያ ንሰውራ ኤርትራ ብዙሕ ደገፍ ዘበርከተት ሃገር ብምዃና ይንገረላ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







