ኣብ ሻምፕዮን ኣፍሪቃ፡ ኤርትራን ኤርትራውያን 'ደቂ ደበሳይን' ሻምፕዮን ኣፍሪቃ ኮይኖም

ብግዜ ናይ ጋንታ ዝተዓወተት ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ

ምንጪ ስእሊ, Yemane Gebremesekel/twitter

መግለጺ ስእሊ, ብቐዳም፤ ናይ ግዜ ብጋንታ ዝተዓወተት ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ

ካብ 15 መጋቢት ኣትሒዙ ኣብ ከተማ ባህርዳር ክካየድ ዝቐነየ መበል 14 ቻምፕዮን ቅድድም ብሽክለታ ኣፍሪቃ፡ ሎሚ ኣብ ሓምሻይ መዓልቱ ብናይ 'ኢሊትን' ትሕቲ 23 ዓመትን ብናይ ደቂ ኣንስትዮን ደቂ ተባዕትዮን ውድድር ብምክያድ ተዛዚሙ።

ኣቐዲሙ ኣብ ዝተኻየደ ናይ ጋንታ፡ ናይ ውልቅን ናይ "ሚክሲድ ሪለይ" ውድድር፡ ሃገራዊት ጋንታ ኢትዮጵያ ሸውዓተ ወርቂ፡ ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ሰለስተ ወርቂ፡ ሃገራዊት ጋንታ ርዋንዳ ክልተ ወርቂ ከምኡ ከኣ ሃገራዊት ጋንታ ደቡብ ኣፍሪቃ ሓንቲ ወርቂ ብምርካብ እየን ናብዚ መዛዘሚ ውድድር ኣትየን።

ኣብዚ ናይ ሎሚ ናይ ጽርግያ ውድድር 14 ሃገራት ኣፍሪቃ ይሳተፋ ምህላወን ክፍለጥ እንከሎ፡ ኣብዚ ናይ ሎሚ ናይ ደቀ ኣንስትዮ ውድድር 104.4 ኪሎ ሜትር ዝሸፈነ ኮይኑ፡ ኣብ ናይ ኤሊት ደቂ ኣንስትዮ ኤርትራዊት ሞሳና ደበሳይ ንተቐዳደምቲ ኢትዮጵያን ደቡብ ኣፈሪቃን ኣኸቲላ ቀዳመይቲ ክትወጽእ እንከላ፡ ኣብ ናይ ትሕቲ 23 ዓመት ኤርትራዊት ደሴት ኪዳን ቀዳመይቲ ብምውጻእ ንኣዋርቅ ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ናብ ሓሙሽተ ክብ ኣቢለንኦ።

ኣብ ናይ ደቂ ተባዕትዮ ናይ ኢልትን ናይ ትሕቲ 23 ዓመትን ውድድር ክልተ ወርቂ መዳልያ ዘውህብ ውድድር ኮይኑ፡ 174 ኪሎ ሜተር ዝሽፍን እዩ ነይሩ።

ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ብዳኒኤል ተክለሃይማኖት፡ ዕውት ዜር ርዋንዳ መርሃዊ ቅዱስ፡ መኽሰብ ደበሳይ፡ ያቆብ ደብሳይ፡ ኣማኑኤል ገብረእግዝኣብሄር፡ ሄኖክ ሙሉብርሃን፡ ሜሮን ተሾመ፡ ቢንያም ግርማይን ሲራክ ተስፎምን እያ ተወኪላ።

ንጸወታ ካብ መጀመርታ ክቕልስዎ ዝጀመሩ ኣባላት ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ መጀመርታ ብዕዉት ዙር ርዋንዳ መርሃዊ ቅዱስን ኣማኑኤል ገብረእግዝኣብሄርን ናይ ምሙላቕ ፈተነ ኣካይዶም፡ ድሒሩ'ውን መኽሰብ ደበሳይ ምስ ኣልጀርያዊ ዑዘዲን ብምህዳሞም ምስ ዓበይ ጉጅለ ዝነበሮም ፍልልይ ካብ ዙር ናብ ዙር እናገፈሐ ከይዱ።

ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ዕውትቲ እዚ ዙር ኮይና ንኽትወጽእ ምስታ ድሮ ሸውዓተ ወርቂ መዳልያ ረኺባ ዝነበረት ሃገራዊት ጋንታ ኢትዮጵያ ንኽትመዓራረ ኣብዚ ናይ ደቂ ተባዕትዮ ውድድር ብኢሊት ከምኡ'ውን ብናይ ትሕቲ 23 ወርቂ ክትረክብ ነይርዋ።

ኣብ መወዳእታ ኣብ ሞንጎ መኽሰብ ደበሳይን ኣልጀርያዊ ዑዘዲን ዝተገበረ ቅጽበታዊ ውድድር፡ መኽሰብ ደበሳይ ቀዲሙ ናይ መወዳእታ ሕንጻጽ ብምርጋጽ ንኤርትራ ሻዱሸይቲ ወርቂ ኣግዚምዋ።

ኣብ ናይ ትሕቲ 23 ዓመት'ውን ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ዓወት ኣይተፈለያን ብመንገዲ ሄኖክ ሙሉብርሃን ኣቢላ ወርቂ መዳልያ ብምርካብ ሎሚ ተዳልዩ ዝነበረ ኩሉ ኣዋርቕ ተዓዊታትሉ።

ኣብዚ ሎሚ ዓመት ዝካየድ ዘሎ መበል 14 ቻምፕዮን ቅድድም ብሽክለታ ኣፍሪቃ ዕውታት ናይ ጽርግያ ውድድር ኣብ ኦሎምፒክ ቶክዮ ብቐጥታ ክሳተፉ ዕድል ዝፈጥር ብምዃኑ፡ ኤርትራ ብመንገዲ ሞሳና ደበሳይን ደሴት ኪዳነን ንመጀመርያ ግዜ ብብሽክለታ ብደቂ ኣንስተዮ ኣብ ቶክዮ ኣብ ዝካየድ ኦሎምፒክ 2020 ክትሳተፍ እያ።

መኽሳብ ደበሳይን ሄኖክ ሙሉእብርሃንን'ውን ናብ ቶክዮ ዘሳትፎም ተኬት ረኺቦም ኣለዉ።

ፕረሲደንት ፈደረሽን ቅድድም ብሽክለታ ኤርትራ ኣቶ ተወልደ ዮሃንስ ነዚ ውድድር ኣመልኪቱ ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበሮ ዕላል፡ እቲ ውድድር ኣዝዩ በዳሂ ከም ዝነበረ ገሊጹ። ብፍላይ ኣብ ናይ ትሕቲ ዕድመ ናይ ግዜ ውድድር ብኽልቲኡ ጾታ ኢትዮጵያ፤ ኣብ ናይ ልዕሊ ዕድመ ድማ ደቡብ ኣፍሪቃን ኣልጀርያን በዳህቲ ከም ዝነበራ ኣቶ ተወልደ የረድእ።

ኣብ ናይ ትማሊ

ተማሊ ናይ 'ጁንየር' ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ውድድር ኣሰላሲሉ።

ኣብዚ ውድድር፡ ንደቂ ተባዕተዮ ናይ 110 ኪሎ ሜትር፡ ደቂ ኣንስትዮ ከኣ 46 ኪሎ ሜትር እዩ ተሰሊዕሎም።

ብሰንብት ዓወት ዘይቀንዓ ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ኣብ ጁንየር ደቂ ኣንስትዮ፡ ብመንገዲ ዳናይት ጸጋይን ዳናይት ማርቆስን ወርቅን ነሓስን መዳልያ ረኺባ፡ ኣብዚ ውድድር ዳናይት ጸጋይ ንሩዋንዳዊት ተቐዳዳሚት ብቅጽበታዊ ውድድር ረቲዓ'ያ ቀዳመይቲ ወጺኣ።

110 ኪሎ ሜትር ኣብ ዝሸፈነ ናይ ጁንየር ደቂ ተባዕትዮ ውድድር፡ ሩዋንዳዊ ተቐዳዳማይ ቀዳማይ ክወጽእ ከሎ፡ ኤርትራዊ ዩኤል ኣስመሮም ካልኣይ: ገብሪሂወት ዩውሃንስ ከኣ ሳልሳይ ወጽዮም።

ብሰንበት ኣብ ዝተኻየደ ወድድር

ብሰንበት ብውልቂ ናይ ግዜ ውድድር ኣብ ዝተኻየደሉ ሃገራዊት ጋንታ ኢትዮጵያ ዓብሊላ ውዒላ።

46 ኪሎ ሜትር ዝሸፈነ ናይ ዓበይቲ (ሲንየር)፡ ድቡብ ኣፍሪቃዊ ስቴፍን ዶቡት ቀዳማይ፡ ኤርትራዊ ሲራክ ተስፎም ካልኣይ ድቡብ ኣፍሪቃዊ ሪያን ጊብስን ካብ ቀዳማይ ክሳብ ሳልሳይ ብምዃን ውድድሮም ዛዚሞም።

30 ኪሎ ሜትር ዝሽፍን፡ ናይ ደቀ ኣንስትዪ ናይ ሲንየር ውድድር ኢትዮጵያውያን ሰላም ገረፍኤል፡ እየሩስ ገብሩን ቀዳመይትን ካልኣይትን ብምውጻእ ንሃገራዊት ጋንታ ኢትዮጵያ ወርቅን ብሩሩን ከግዝምኣ እንከለዋ ኤርትራዊት ደሲት ኪዳነ ሳልሰይቲ ብምውጻእ ነሓስ መዳልያ ተሸሊማ።

ናይ ጁንየር ደቂ ተባዕትዮ ውድድር፡ 30 ኪሎ ሜትር ዝሽፍን ኮይኑ፡ ኢትዮጵያውያን ሓጎስ በርሀን ገዛኢ ረዳን ቀዳማይን ሳልሳይን ኮይኖም ክዛዝሙ እንከለዉ፡ ኤርትራዊ መትከል ምስጉን ካልኣይ ብምውጻእ ብሩር ተሸሊሙ።

ቅድድም ጁንየር ደቀ ኣንስትዮ ድማ፡ 15 ኪሎ ሜተር ዝሸፈነ ኮይኑ፡ ኢትዮጵያዊት ትርሓስ ተኽለሃይማኖት ቀዳመይቲ ኮይና ክትዛዝም እንከላ፡ ኤርትራውያን ዳናይት ጸጋይን፡ ብርኽቲ ፍስሃየን ካልኣይትን ሳልሰይትን ብምዃን ውድድረን ዛዚመን።

መግለጺ ቪድዮ, ጽጋቡ ብሕታዊ ኣብ ቱር ደ ፍራንስ ዝተጸምበረ ኢትዮጵያዊ ተቐዳዳሚ ብሽክለታ።