መዓልቲ ሰማእታት ኤርትራ ብሰንኪ ለባዳ ኮቪድ-19 በቲ ዝተለምደ ኣገባብ ክበዓል ኣይተኻእለን

ምንጪ ስእሊ, Yemane G/meskel
ፕረዚደንት ኤርትራ ኣቶ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ብምኽንያት 20 ሰነ መዓልቲ ሰማእታት ኤርትራ፡ ኣብ መቃብር ሓርበኛታት ሕቋፍ ዕንባባት ከምዘንበረ ሚኒስተር ዜና ኤርትራ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል ኣብ ትዊተር ጽሒፉ።
ለብዘበን ለበዳ ኮቪድ ብዘስዓቦ ዕጽዋ እቲ ኣብ ውሽጢ ሃገርን ወጻእን ብዓቢ ድምቀት ዝበዓል ዝኽረ በዓል ሰማእታት ከምቲ ዝተለምደ ክበዓል ኣይተኻእለን።
ይኹን እምበር እቲ ኣብ ስደት ዝነብር ኤርትራዊ ብቕንያቱ ብመራኸቢ ብዙሓን ኣቢሉ ንሰማእታቱ ዘለዎ ክብርን ዝኽርን ክገልጽ ቀንዩ ኣሎ - ሎሚ እውን ይቕጽል ኣሎ። ብዙሓት ገዳይም ተጋደልትን ዋርሳይን ኣብ ምርግጋጽ ናጽነትን ኩናት ዶባትን ብቐረባ ንዝፈልጥዎን ዝረኣዩዎም ጀግንነት ብጾቶም ምስክርነቶም ክህቡ ቀንዮም ኣለው።
ዕስራ ሰነ ኣብ ኤርትራ ሓንቲ ካብተን ብድምቀት ዝኽበራ ሃገራዊ በዓላት እያ።
ኤርትራ፡ ንናጽነት ኣብ ዝተኻየደ ብረታዊ ተጋድሎ 30 ዓመት 65ሽሕ ስውኣት ኣብ ኩናት ዶባት ኢትዮ ኤርትራ ከኣ ልዕሊ 19ሽሕ ስውኣት ከም ዝኸፈለት ሰነታት የረጋግጹ።
መዓልቲ ሰማእታት ኤርትራ ዳርጋ ንነብሲ ወከፍ ስድራ ቤት ኤርትራ ዝትንክፍ ኮይኑ፡ ብፍላይ ገሊአን ስድራታት ክሳብ ሓሙሽተ ሽዱሽተ ደቀን ስለዝኸፈላ፡ ኣብ ነብሲ ወከፍ ዓመት፡ ድሮ እዛ ዕለት ኣብ ኩሉ ኩርናዕት ኤርትራን ወጻእን ብድሙቕ ሰልፊ ሽምዓ፡ ንጽባሒቱ ልክዕ ከምዛ ሎሚ ከኣ ንርዝነት እታ ዕለት ብዘንጸባርቕ ብዝተፈላለየ ስነ-ጥበባዊ ፍርያት ትበዓል ነይራ።
ለብዘበን ኣብ ቅንያት ዝኽሪ ሰማእታት፡ ብማሕበራዊ መራኸቢታት ክግበር ኣብ ዝቐነዩ ሰፊሕ ዝኽሪ፡ ገሊኦም ከኣ መንግስቲ ኤርትራ ሕድሪ ሰማእታቱ ኣኽቢሩ ሃገሩን ልዑላውነትን ዓቂቡ ናብ ምዕባለ ይግስግስ ከምዘሎ ክዛረቡ እንከለው፡ ገሊኦም ግን እቲ ንናጽነቱ ልዑል ዋጋ ዝኸፈለ ህዝቢ ኤርትራ ብሰንኪ ዘይብቑዕ ምልካዊ ምሕደራ እታ ሃገር፡ ኣደዳ ስደትን ውርደትን ኮይኑ ኣብ መዓስከር ስደተኛታት ፈቐዶ ሃገራት ተበቲኑ የሕልፎ ብምህላው ድርብ ቃንዛ ከምዝስመዖም ይገልጹ።

![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







