መረጻ 2013፡ ኣብ ኢትዮጵያ ንመረጽቲ ምስ ፖለቲካዊ ውድባት ዘራኽብ መተግበሪ

ምንጪ ስእሊ, Warka
ኣብ እዋን መረጻ ኢትዮጵያ መድረኻት ክትዕ ብምድላው ዝፍለጥ ኢንተር ኣፍሪቃ ጉሩፕ ምስ ክልተ ትካላት ብምትሕብባር መረጽቲ ምስ ፖለቲካዊ ውድባት ዘራኽብ ‘ዋርካ’ ዝተባህለ መተግበሪ (ኣፕሊኬሽን) ኣላልዩ’ሎ።
ትካል ተራድኦ ጀርመን ዝኾነ ፍሬድሪክ ኤበርት እስቲፍቱንግን ኣይስ ኣዲስን ብቴክኖሎጂ ዝተሳተፉሉ እቲ ኣፕሊኬሽን ን19 ሃገራዊ ውድባት’ዩ ዝሓቁፍ።
ምስ ድሩትነት ጊዜ ብዝተሓሓዝ ንክልላዊ ውድባት ከካትት ከም ዘይከኣለ ኢንተር ኣፍሪቃ ይገልጽ።
ኣማኻሪ ኮሚዩኒኬሽን እቲ ትካል ሰይፉ ቦኽረጽዮን [ዶ/ር] ንቢቢሲ ከም ዝሓበሮ፡ እቲ መተግበሪ ናይ ፖለቲካዊ ውድባት ማኒፌስቶ፣ ፕሮግራምን መርገጺታትን ብቐሊሉ ኣብ ሓደ ቦታ ዝሓዘ’ዩ።
ዛጊት ናይ 7 ውድባት ሓበሬታታት ዝሓዘ ኮይኑ ኣብ ቀረባ እዋን ድማ ናይ ካልኦት 3 ክውስኽ ምዃኑ ገሊጹ።
ዕላማ ናይቲ መተግባሪ ፖለቲካዊ ውድባት ብቐሊሉ ንመርገጺታቶም ኣብ ስልኪ ምቕራብ ክኽእሉ ምግባር ከም ዝኾነ ሰይፉ ኣረዲኡ።
ብኸመይ ይሰርሕ?
ካብ ዝህልውዎ ዓበይቲ ረብሓታት እቲ ሓደ ነቲ መተግበሪ ዝጥቀሙ ሰባት ዘለዎም መርገጺን ድልየትን ብቐሊሉ ምስ ውድባት ፖለቲካ ክነጻጸር ምግባር’ዩ።
ዋርካ ዘዳለዎም 25 ሕቶታት ኣብቲ መተግበሪ ስለ ዘለዉ ሰባት “እሰማማዕ”፤ “ኣይሰማማዕን” ወይ “ኣይወገንኩን” ዝብሉ ኣማራጺ መልሲታት ክወስዱ ይኽእሉ።
ካብ ሞንጎ እቶም ሕቶታት ከኣ
- እቲ ሕዚ ዘሎ ንብሄር መሰረት ዝገበረ ፌደራላዊ ኣወዳድባ ክቕጽል ኣለዎ’ዶ?
- ብደረጃ ሃገር ዝተሓተ መጠን ደሞዝ ክንጸር ይግባእ’ዶ?
- መሰል ምግንጻል (ምንጻል) ካብ ሕገ-መንግስቲ ይውጻእ’ዶ?
- ኣዲስ ኣበባ ክልል ኮይና ትጣየሽ’ዶ? ዝብሉ ይርከብዎም።
ምስ ዋንነት መሬት፣ ፌደራላዊ ቋንቋ፣ ገደብ ዕድመ ስልጣን ቀዳማይ ሚንስተርን ምንጻል ጥንስን ዝምልከቱ ሕቶታት’ውን ሒዙ’ሎ።
ነቲ መተግበሪ ዝጥቀም ሰብ መልስታቱ ኣቐሚጡ ምስ ወደአ ከኣ ምስ ዝመሳሰሎ ወይ ዝደልዮ ውድብ ዘነጻጽር ኮይኑ ምስቲ ብዝያዳ ምስ መልስታቱ ዝቀራረብ ውድብ ከኣ ውጽኢቱ ብሚኢታዊት ይህቦ።
ውድባት ፖለቲካ ኣብቶም 25 ሕቶታት ናይ ባዕልቶም መርገጺ የረድኡ’ዮም።
ኣብዚ እዋን እቲ መተግበሪ ብዛዕባ’ተን ውድባት ምሉእ ሓበሬታ ኣይሓዘን ዘሎ፤ ናይዚ ምኽንያት ከኣ ካብተን ውድባት እኹል ሓበሬታ ምርካብ ስለ ዘይተኸኣለ ምዃኑ ሰይፈ ይሕብር።
እቲ ኣገልግሎት ናብ ህዝቢ ወግዓዊ ተገይሩ ኣገልግሎት ምሃብ ካብ ዝጅምር ገና ሓደ ወርሑ’ዩ።
ብድሕሪ መረጻ’ውን እቲ ኣገልግሎት ከም ዝቕጽልን ‘እንታይ ኢሎም ነይሮም? እንታይከ ሰሪሖም?’ ዝብሉ ነገራት ብምክትታል ናብቲ መተግበሪ ክኣትው ከም ዝግበር እቲ ኣማኻሪ ንቢቢሲ ተዛሪቡ።
ምስ ኢንተርኔት ዝተሓሓዝ ኣግልግሎት ብምዃኑ ምናልባት ምቁርራጽ ኢንተርኔት እንተሃልዩ ቀንዲ ብድሆ ከም ዝኸውን ገሊጹ።
ኣብዚ እዋን ብቋንቋ ኣምሓርኛ ጥራሕ ዝቐረበ እቲ መተግበሪ ኣብ ቀጻሊ ብዝተፈላለዩ ቋንቋታት ከም ዝመጽእ ሓቢሩ።






![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







