መረጻ 2013፡ ቤት ፍርዲ ምዝገባ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዘለው ፖለቲከኛታት ብዝምልከት ዘሕለፎ ውሳነ እንታይ'ዩ?

ምንጪ ስእሊ, Mark Metcalfe
መጋባእያ ሰበር ቤት ፍርዲ ፌደራል ብ13 ግንቦት 2013 ዓ.ም [ኣቆጻጽራ ግእዝ] ኣብ ትሕቲ ሕጊ ዘለው ሰባት ኣብ መረጻ ናይ ምውድዳር መሰል ኣለዎም'ዶ የብሎምን ብዝብል ንኣዋርሕ ዝቐጸለ ክትዕ ዓጺዩዎ።
ኣብዚ በዓል ሸሞንተ ገጽ ውሳነ ከኣ፡ ፓርቲ ባልደራስ ንሓቀኛ ዴሞክራሲ ዘቕረቦ ጥርዓን መሰረት ገይሩ "ብሕጹይነት ከይምዝገቡ ዝኽልኸልሉ ሕጋዊ ምኽንያት የለን" ክብል እቲ መጋብኣያ ወሲኑ።
መስራትን ፕሬዝደንትን እቲ ፓርቲ ኣቶ እስክንድር ነጋን ኣባል እቲ ሰልፊ ዝኾነ ስንታየሁ ቸኮል ከምኡ'ውን ቀለብ ስዩም ቅድሚ ሓደ ዓመት ብምኽንያት ቕትለት ኣርቲስት ሃጫሉ ሁንዴሳ ብዝተፈጥረ ዘይምርግጋእ ብዝተኣሳሰር ኣብ ቀይዲ ከም ዝኣተው ይፍለጥ።
እዞም ውልቀሰባት፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ነቑጣታት መረጻ ንባይቶ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ንክወዳደሩ ብሕጹይነት ክምዝገቡ ሕቶ ኣቕሪቦም ነይሮም።
ካልኦት ፖለቲካዊ ውድባት'ውን ተመሳሳሊ ሕቶ ከቕርቡ ዝጸንሑ ኮይኖም፡ ብፍላይ ኣብ ኦሮሚያ ዝንቀሳቐስ ግንባር ሓርነት ኦሮሞ [ኦነግ]ን ኦሮሞ ፌደራሊስት ኮንግረስን [ኦፌኮ] ብዙሓት ኣባላትን ሕጹያትን ከም ዝተኣሰሩዎም ከልዕሉ ጸኒሖም።
ኣካቢት ቦርድ መረጻ ብርቱኳን ሚዴቅሳ ግን ኣብ ማእሰርቲ ዘለው ሰባት ብሕጹይነት ክምዝገቡ ሕገ መንግስቲ እታ ሃገር ኣይፈቅድን ዝብል መልሲ ሂባ።
"እዚ በሪ እንተኸፊትናዮ፡ ኣባላት ኦነግ ጥራሕ ዘይኮነ ብቕትለት ዝተኸሰሱ'ውን ከይተፈረዶም ብሕጹይነት ክንቀርብ ኢና ክብሉ'ዮም። ገለ ሃገራት ብዘይተለመደ መልክዑ እዚ ሕጊ የፍቅዳ እየን፤ ናትና ሕጊ ግን ኣየፍቅድን። ስለ ዝኾነ ኣብ ማእሰርቲ ዘለው ኣባላት ፖለቲካዊ ውድባት ሕጹያት ኮይኖም ኣይቐርቡን" ክትብል ንኦነግ ኣብ ዝተውሃበ መልሲ ኣብሪሃ።
ኣብ ኔዘርላንድስ ኣባል ትካል ዴሞክራስን መረጻን ዝኾነ ሙሁር ሕጊ ዶክተር ኣደም ካሴ፡ ኣብ ዓለም እሱራት ንመረጻ ሕጹያት ኮይኖም ዝቐርብሉ መስርሕ ዝፈላለ እንተኾነ'ውን ክሲ ዘይተመስረቶም ሰባት ግን ሕጹያት ኮይኖም ክምዝገቡ ይኽእሉ'ዮም ይብል።
"ከም ህንዲ ዝበላ ሃገራት ተኸሲሶም ዘይተፈረዶም ሰባት ኣብ ምርጫ ክሳተፉ ዘፍቅድ ሕጊ ኣለወን። ዝተፈረዶ ሰብ ግን ወጺኡ ህዝቢ ከገልግል ስለ ዘይኽእል እንተተኸልከለ'ውን ግቡእ እዩ ኢለ እሓስብ" ኢሉ።
ፓርቲ ባልደራስ ንሓቀኛ ዴሞክራሲ፡ ፕሬዝደንቱ ኣቶ እስክንድር ነጋ ሓዊሱ ሰለስተ ኣባላተይ ሕጹያት ኮይኖም ይመዝገቡለይ ክብል ንኣፈጸምቲ መረጻ: ሕቶ ኣቕሪቡ ነይሩ።
ኣብ ዝተፈላለያ ክፍለ ከተማታት ኣዲስ ኣበባ ዘለው ኮሚቴታት ቅርታ ሰማዒ: ኣብ ትሕቲ ሕጊ ዘሎ: ሕጹይ ውድድር መረጻ ኮይኑ ክምዝገብ ኣይኽእል ኢሎም ከኣ ነዚ ጥርዓን ነጺጎምዎ።
ነዚ ጉዳይ ይግባይ ዝርኣዮ ቤት ፍርዲ ፌደራል'ውን "ኣብ ማእሰርቲ ዝርከብ ሰብ ናይ ምንቅስቓስ መሰሉ ወይ'ውን ነጻነቱ ስለ ዝግደብ ጎስጓስ መረጻ ክገብር ኣይኽእልን፤ እንተተመረጸ'ውን ህዝቢ ከገልግል ኣይኽእልን" ብምባል ነቲ ሕቶ ከም ዘይቕበሎ ገሊጹ።
ውሳነ እቲ ቤት ፍርዲ "ኣብ ቤት ህንጸት ዘሎ ሰብ ኣይኮነን'ዶ ዴሞክራሲያዊ መሰላቱ ሰብኣዊ መሰላቱ'ውን ብፍላይ ናይ ነጸናት መሰላቱ ዝተገደቡ'ዮም። ኣብ ትሕቲ ሕጊ ዘለው ሰባት ካብቲ ኣብ ደገ ዘሎ ሰብ ዝተሓተ መሰል'ዩ ዘለዎም" ይብል ውሳነ እቲ ቤት ፍርዲ።
ኣብቲ ቤት ፍርዲ ካብ ዝነበሩ ዳያኑ ካልኣይ ኮይኑ ዝተቐመጠ ሙሉሰው ድረስ ዝተባህለ ዳኛ፡ በቲ ውሳነ ከም ዘይተሰማምዐ ብምግላጽ ኣብቲ ጉዳይ ናይ ሓሳብ ኣፈላላዩ ሒዙ ወጺኡ።
"ሕጊ ግልጺ ኣብ ዝኾነ ነገር ትርጉም ኣየድልዮን፡ ዝብል መትከል ኣተረጓጉማ ሕጊ መሰረት ገይሩ ኣፈላላዩ ኣስፊሩ።
ሕጊ መረጻ ዓንቀጽ 31 ረቋሒታት ሕጹይነት ከም ዘስፈረ ዝጠቐሰ እቲ ዳኛ፡ ካብዚኦም እቲ ሓደ ብሕጊ ወይ ብፍርዲ ናይ ምምራጽ መሰል ምኽልኻል ተጠቒሱ ይርከብ ኢሉ።
እቲ ዳኛ ከም ዝበሎ፡ ቦርድ መረጻ ናይ ሕጊ ወይ'ውን ቤት ፍርዲ ምኽልኻል ኣየቕረበን፣ እቲ ሕጊ'ውን ኣብ ትሕቲ ሕጊ ዘለው ሰባት ብሕጹይነት ክምዝገቡ ኣይኽእሉን ዝብል እገዳ ኣየቐመጠን ክብል ተኻቲዑ።
እቲ ቦርድ ብሕጊ ወይ ብቤት ፍርዲ መሰል ምምራጽ እዞም ውልቀሰባት ተገፊፉ'ዩ ዝብል መረዳእታ ኣየቕረበን ዝብል ከኣ ቀንዲ ምኽንያት ኣፈላላይ እዚ ዳኛ ከም ዝኾነ ተዛሪቡ።
ውሳነ ሰበር ቤት ፍርዲ
መጋባእያ ሰበር ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ማለት ብመሰረት ሕገ መንግስቲ ዓንቀጽ 80 ካብቲ ሕገ መንግስቲ ወጻእ ዘለው ሕግታት ናይ መወዳእታ ትርጉም ክህብ ስልጣን ዘለዎ መጋባእያ እዩ።
እቲ መጋባእያ ብውሑድ ሓሙሽተ ዳያኑ ኣለውዎ። ኣብዚ ዝወሃቡ ውሳነታት ይግባይ ዘይሕተተሎም'ዮም።
እቶም ውሳነታት ካብ ዝተመሓላለፍሉ መዓልቲ ጀሚሩ ብደረጃ ክልል ኮነ ፌደራል ዘለው ኣብያተ ፍርዲ ክትግብሩዎ ይግደዱ።
ክትዕ ባልደራስን ቦርድ መረጻን'ውን ኣብዚ መጋብኣያ ቐሪቡ ናይ መወዳእታን ይግባይ ዘይብሃሎን ገዛኢ ውሳነ ተዋሂቡዎ ኣሎ።
በዚ መሰረት ኣብ ትሕቲ ሕጊ ዘለው ሰባት ብሕጹይነት ከይምዝገቡ ዝኽልኽል ሕጋዊ መስርሕ የለን፤ ውሳነ ቤት ፍርዲ ፌደራል ሕጋዊ መሰረት የብሉን፤ እቲ ውሳነ ሰባት ብሕጊ ንጹሃት ኮይኖም ናይ ምርኣይ መሰሎም ዝጻባእ እዩ ዝብሉ ውሳነታት ሂቡ።
"እቲ ሕጹይ መሰሉ ስለ ዝተገደበ ጎስጓስ መረጻ ሓዊሱ ካልኦት ተግባራት ከካይድ ኣይኽእልን" ዝብል ካብ ቦርድ መረጻ ንዝቐረበሉ ጥርዓን'ውን መልሲ ሂቡሉ'ዩ።
"እቶም ሕጹያት ኮይኖም ዝቐርቡ በቲ ሰልፊ ስለ ዝኾነ እቲ ጎስጓስ መረጻ በቲ ውድብ ዝምራሕ ምዃኑ ምርዳእ ዘጸገም ስለ ዘይኾነ፡ ኣብዚ ጉዳይ ዝቐረበ ጥርዓን ግቡእ ኣይኮነን" ክብል ነጺጉዎ።
ብተወሳኺ እቲ ሕጊ መረጻ ብምጥቃስ ናይ ምምራጽ መሰሎም ዘይተኸልከለን ኣብ ትሕቲ ሕጊ ዘለው ሰባት ናይ ምምራጽ መሰሎም ንክሕሎ ዘፍቅድ ፍሉይ ስርዓት ተዘርጊሑ'ዩ ብምባል "እዚ ድማ ዜጋታት ንፖለቲካዊ ተሳትፎ ፍሉይ ትኹረት ምሃቡን ዘተባብዕ ምዃኑን ዘርኢ'ዩ" ኢሉ።
ስለ ዝኾነ ድማ እቲ ውሳነ ናይ ሕጊ ስሕተት ዝተፈጸመሉ'ዩ ብምባል ንክእረም ውሳነ ሂቡ።
ቅድም ኢሉ ኣብ ማእሰርቲ ዘለው ኣባላቶም ዝምልከት ቅርታ የቕርቡ ካብ ሞንጎ ዝነበሩ ፖለቲካዊ ውድባት ኦሮሞ ፌደራሊስት ኮንግረስ ሓደ ኮይኑ፡ ኣቦ መንበር እቲ ውድብ ፕሮፌሰር መረራ ጉዲና ብመሰረት እዚ ውሳነ እነቕርቦ ሕቶ የለን ኢሉ።
"ብሓፈሻ ፖለቲካዊ ምህዳር እታ ሃገር ስለ ዝተበላሸወ እዚ ውሳነ ንዓና ብዙሕ ጥቕሚ የብሉን። ልዕሊ 200 ኣብያተ ዕዮና ተዓጽዮም'ዮም። እቲ ዝሓለፈ ዓመት ሚሊዮናት እንእክበሉ ዓመት'ዩ ነይሩ። ንሕና እቲ መረጻ፡ መረጻ ክኸውን ስለ ዘይኽእል ኢና ወጺእና" ኢሉ።
ወሲኹ "ናተይ ስግኣት ኣብ ቤት ፍርዲ ነጻነት ዘሎ ንክመስል ዝስራሕ ዘሎ ከይኸውን ዝብል'ዩ። ነቶም ቖልዑት ግን [ንኣባላት ባልደራስ] ሞራል ይህቦም'ዩ" ክብል ንቢቢሲ ተዛሪቡ።
ካብዚ ዝፍለ ሓሳብ ዘለዎ ዶክተር ኣደም ብወገኑ እቲ ውሳነ እምነት ኣብያተ ፍርዲ ክውስኽ ዝገብር እዩ ይብል።
እቲ ውሳነ ኣብ ኦሮሚያ ዝንቀሳቐሳ ውድባት ሕጋዊ ሕቶ ከልዕላ ዕድል ዝህብ'ዩ ክብል እንከሎ "እዘን ውድባት ሕጹያተን ብምእሳሮም ኣብ ፍትሓውነትን ተኣማንነትን ዘልዕልኦ ዝነበራ ሕቶ ናብ ሕጋዊ ሕቶ ክወስድኦ ዘፍቅድ'ዩ" ብምባል ኣብሪሁ።
ኣብዚ ሕጂ እዋን ሃገራዊ ቦርድ መረጻ ቤት ፍርዲ ዝሃቦ ትእዛዝ ብዝኾነ ምኽንያት ኣይፍጽምን ክብል ከም ዘይኽእል ዝገልጽ ዶክተር ኣደም፡ እንተዘይኮይኑ ግን መንግስቲ ብተደጋጋሚ ዝንቀፈሉ ትእዛዝ ቤት ፍርዲ ዘይምኽባር ዝመሳሰልን ዘተሓትትን ክገብሮ'ዩ ኢሉ።







![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







