ስለምንታይ እየን ደቀንስትዮ ዝያዳ ንሕጻናት ዝሕብሕባ?

ምንጪ ስእሊ, Fiona Freund/Motherworks
ካርሊን ጃክሰን፡ ዓዲ-እንግሊዝ፡ ለበዳ ኮቪድ ንምክልኻል ንሰለስተ ሳዕ ኣብ ዝተኣወጀ ዕጽዋ፡ ከም ሓለቓ ቤት ትምህርትን ኣደ ስድራን ንዘሕለፈቶ ተመኩሮ ብምስትንታን፡ ኣቦታት ኣብ ኣልያን ክንክንን ሕጻናትን ቖልዑን ንኣዴታት ክሕግዙወን ትምሕጸን።
ዋና ኣካያዲ ብራይተን-ተክኖሎጂካል ኢንሳይት፡ "ኣብ መወዳእታ ደቒቕ፡ ኣብ ልዕሊ'ቲ ከቢድን ጽዑቕን ስራሕካ፡ ከማኻ ብስራሕ ናይ ዝተጸምደ መሳርሕትኻ መዝገበ ዕለት ክትመልእ ክትሕትተ እንከለኻ [ዝስመዓካ ጸቕጢ] ሕስብ እሞ ኣብሎ" ትብል'ሞ፡ "ኣብ ሓደ እዋን ኣብ ክልተ ዝተፈለላየ ኣኼባ ኽትርከብ ዘይከኣል እዩ። እቲ ኩነታት ግን ከምኡ እዩ ዘሎ" ክትብል እቲ ጸገማት ትሕብር።
በዓል ቤት ካርሊን ጃክሰን፡ ኣብራሪ መገዲ ኣየር ብሪቲሽ እዩ። ሕጂ ግን ብሰንኪ ዕጽዋ ኮቪድ ሓሓሊፉ እዩ ዝበርር። ብዓቕሙ'ውን ኣብ ምእላይ ሕጻናት ይሳተፍ እዩ ግን ኣይከም ኣደን። ኣብ ዝሓለፈ ዓመት፡ ኣብታ ቀዳመይቲ ወርሒ ብዝተገብረ መጽናዕቲ ደቀንስትዮ ሰለስተ ዕጽፊ ደቂ ተባዕትዮ ዕዮ ክንክን ቖልዑ ከምዝፍጽማ ኣረጋጊጹ'ዩ።
ሕጂ፡ ድሕሪ 12 ወርሕን ሰለስተ ዕጽዋታትን ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ዝተኻየደ መጽናዕቲ እውን እንተኾነ እቲ ሰኸም ገና ኣብ ልዕሊ ደቀንስትዮ ከምዘሎ እዩ ዘረድእ።

ምንጪ ስእሊ, Andrew Hasson
ኣብ መወዳእታ ወርሒ ለካቲት ኣብ ልዕሊ 1,000 ሰባት ዝተገብረ ጸብጻብ ከም ዘመልክቶ፡ 71% ደቂ-ኣንስትዮ፡ ኣብ ምእላይ ሕጻናት ዝያዳ መጻምደተን ይሰርሓ። እቲ መጽናዕቲ ዘካየደ ትካል ከኣ ብፍላይ ክልቲኦም ወለዲ ካብ ገዛ ኣብ ዝሰርሕሉ እዋን እቲ ኣልያ ሕጻናት ብማዕረ ክማቐሉዎ ከምዘለዎም ይምሕጸን።
ካብ 8% ዘይውሕዱ ሰባት ግን ዋላ እውን ኣብቲ መባእታዊ ሓላፍነት ወለዲ ዘድልዮ እዋን ምስ ደቀንስትዮ ብማዕረ ይሰርሑ።
ዋና ኣካያዲ ስራሕ ካንታር ሚሸል ሃሪሰን፡ እቲ ምርምር፡ "ናይ ትግባረ ጋግ ዘለዎ፡ ግን ከኣ ክብሪ ክወሃቦ ዝግበኦ ኣገዳሲ ዛዕባ" ምዃኑ ይገልጽ።
"8% ሰብኡት፡ ምእላይ ህጻናት ናይ ሰበይቲ ስራሕ ኰይኑ ከምዝስመዖም ምፍላጥና ልቢ ዝትንክፍ እዩ ። ኣብ ዝሓለፈ 20 ዓመታት ኣዝዩ ዓቢ ለውጢ ተራእዩ እዩ። ቅልውላው ኮቪድ ዘምሃረና ግን ገና እቲ ተባዕታዊ ኣተሓሳስባ ገና ዘይምቕያሩ እዩ" ትብል።
ብምቕጻል፡ ሰብኡት ብዝረኽቡዎ ዝያዳ ኣታዊታት ኣብ ስድራ ቤት ብዝድርኹዎ ቊጠባዊ ክውንነትን ንማዕርነታዊ እምነትን ኣተሓሳስባን ከምዝጎቶ ኣብ ግብሪ ንኸየውዕልዎ ከምዝዓግቶም፡ ኤምስ ሃሪሰን ትገልጽ። ለበዳ ኮቪድን ዕጽዋን፡ "ሕጂ እውን እንተኾነ ኣልያ ሕጻናት ካብ ዝባን ደቂ ኣንስትዮ ኣይተኣልየን" ከኣ ትብል።
"ብዙሓት ሰባት፡ ንመነባብሮ ስድራ-ቤታቶም ኣብ ግምት ብምእታው ካብ ናይ ሰብኣይን ሰበይትን ናይ መን ስራሕ ምዕቃብ ነቲ ጾታዊ ፍልልይ ይግምግምዎ።"

ምንጪ ስእሊ, Carlene Jackson
ኣብ ከም ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝኣመሰላ ዝደኸያ ኣብ ምምዕባል ዝርከባ ሃገራት ሳልሳይ ዓለም'ከ፡ ሰብኣይን ሰበይትን ማዕረ ክንደይ ንኣልያ ቖልዑን ሕጻናትን ይሻረኹዎ ዝብል፡ ሰላም ብርሃነ ካብ ኖቲንግሃም፡ " እትረፍ ኣብ ገጠራትን ከተማታትን ሃገርና ኣብ ኤውሮጳን ኣመሪካን ንዓሰርተታት ዓመታት ዝተሰዱ ደቂ ተባዕትዮ ኣሕዋትናን ሰብኡትናን ካብቲ ኣብ ምትሕግጋዝ ደቀንስትዮ ኣቐዲሙ ዝሰጎመ ሕብረተሰብ ገና ኣይተማህሩን ዘለው" ክትብል ርእይቶኣ ትህብ።
ኣስቴር ሃይለ ግን ኣጋጣሚ ኮይኑ በዓል ቤታ ኣብ ኤርትራ እንከለው እውን ደቆም ገና ቖልዑ ኣዋርሕ እንከለው ባዕሉ ይሓጽቦምን ብጥጦ ይምግቦምን ምንባሩን፡ ኣብ ዕዮ ክሽነ'ውን ከይተረፈ ናይ ሰበይቲ ስራሕ እዩ ከይበለ ከምዝደጋገፋን ብኣብነት ከምእትርእዮን ብልዑል ምስጋና ትገልጾ።
ብፍላይ ኣብ ሃገራት ምዕራብ፡ ዕጽዋ ኮቢድ ንኹሉ ሰብ በዳሂ እኳ እንተነበረ ልዕሊ ኩሉ ግን ነቶም ተመሃሮ መዋእለ ሕጻናትን መባእታን ቖልዑ ዘለዉዎም ስድራቤታት ከቢድ ምንባሩ እዚ መጽናዕታዊ ጸብጻብ ይገልጽ።
ቖልዑ ንሓያሎ ኣዋርሕ ንትምህርቲ ስለዘይከዱን ኣብ ገዛ ክመሃሩ ስለዝግደዱን ብፍላይ እቶም ክልተ ሰለስተ ካብ ቀዳማይ ክሳብ ሓምሻይ ዝመሃሩ ቖልዑ ዘለውዎም ስድራ ኩሉ ዋኒኖም ገዲፎም ደቆም ኣብ ምምሃር ስለዝሳተፉ ብፍላይ ኣዴታት ካልእ ተወሳኺ ጾር እየን ተሰኪመን።እዚ መጽናዕቲ እውን ከምኡ እዩ ዝምስክር።ስለዝኾነ ከኣ ነብሲ ወከፍ ኣቦን ወላድን ኣብ ምእላይ ሕጻናት ንመጻምድቶምን ኣንስቶምን ክደጋገፍ ይጽውዕ።








![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







