ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ሓደ መዓልቲ ልዑል መልከፍቲ ኮሮናቫይረስ ተመዝጊቡ

ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ሓደ መዓልቲ፡ ልዑል መልከፍቲ ኮሮናቫይረስ ተመዝጊቡ

ምንጪ ስእሊ, EPHI

ለበዳ ኮሮናቫይረስ ኣብ ኢትዮጵያ ካብ ዝኣቱ ንነጀው፡ ንፈለማ ግዜ ኣብ ሓደ መዓልቲ ልዑል መልከፍቲ ኮሮናቫይረስ ከምዝተመዝገበ ኢንስቲትዩት ጥዕና ሕብረተሰብ ኣፍሊጡ።

ኣብቲ ትማሊ ሓሙስ ካብ ዝተኻየደ ምርመራ 8,055 ሰባት፡ 25.5 ሚእታዊት ማለት’ውን 2,057 ሰባት በቲ ቫይረስ ምልካፎም ከምዝተረጋገፀ እቲ ኢንስቲትዩት ገሊፁ።

ኣብዚ ሰሙን “ብዘደንግፅ መልክዑ” ምውሳኹ’ዮም መግለፅታት ሚኒስትር ጥዕና እታ ሃገርን ኢንስቲትዩት ጥዕና ሕብረተሰብን ዝሕብሩ።

እንተኾነ እቲ ለበዳ ዘስዕቦ ዘሎ ከቢድ ሓደጋ ኣብ ግምት ብምእታው፡ “ግቡእ ጥንቃቐ ኣብ ክንዲ ምውሳድ ሸለልትነት ከምዝረኣ” ቢቢሲ ዘዘራረቦም ሰብሞያ ሕክምና ይገልፁ።

ብዙሕ ህዝቢ ዝሳተፈሎም ምድላዋትን ኣኼባታት ዝተዓዘቡ እዞም ሰብሞያ፡ እቲ ፀገም ኣብ ሕብረተሰብ ጥራሕ ዘይኮነስ፡ ሚኒስተር ጥዕና ዘቐምጦም መምርሕታት መከላኸሊ ኮሮናቫይረስ “ንምፍፃም ተበግሶ ከምዝጎድሎ” ይገልፁ።

ነዚ ስዒቡ ድማ፡ ለበዳ እቲ ሕማም ካብ ግዘ ናብ ግዘ እናዛየደ፡ ኣብቶም ዝሓለፉ ሰሙናት፡ ቁፅሪ በቲ ቫይረስ ዝልከፉን፡ ብፅኑዕ ዝሓሙን ሰባት ኣብ ዘሻቕል ደረጃ በፂሑ፡ ትካላት ጥዕና’ውን ሕሙማት ንምትእንጋድ ይብደሃ ኣለዋ።

ኣብ መላእ እታ ሃገር ሕፅረት ኦክስጅንን መሳርሒ መተንፈሲን (ቬንትሌተር) ስለዘጋጠመ ድማ፡ ብዙሓት ብኮቪድ-19 ዝሓመሙ ሰባት ክሞቱ እዮም ዝብል ስግኣት ተፈጢሩ ኣሎ።

“ብዙሓት ኦክስጅን ዘድልዮም ሕሙማት ብሓደ ግዘ ናብ ሆስፒታል ይመፁ” ዝብል ዶክተር ብሩክ ኣለማዮ፡ ኦክስጅን ስለዘየለ ግና ናብ ገዝኦም ክምለሱ ይግደዱ ኣለው ኢሉ።

“ብዙሓት ሰባት ብውልቀኦም ናይ ኦክስጅን ሲሊንደር ዓዲጎም እዮም ናብ ገዝኦም ዝኸዱ ዘለዉ” ብምባል፡ ኣብ ሆስፒታል ዓራት ሒዞም ዝሕከሙ ከኣ፡ ቬንትሌተር ንምርካብ ነዊሕ ሪጋ ከምዝፅበዩ ገሊፁ።

ብኮቪድ-19 ተለኺፎም ንርእሶም ኣብ ገዝኦም ካብ ዝውሸቡ ብተወሳኺ፡ ናብ ማእኸላት ሕክምና ዝመፅኡ ሕሙማት ናይ ምቕባል ዓቕሞም የብቅዕ ከምዘሎ’ውን ዶክተር ብሩክ ሓቢሩ።

ዶክተር ሕሩይ ኣርኣያ፡ ኣብ ሓፈሻዊ ሆስፒታል ኤካ ኮተቤ ማእኸል ሕክምና ኮቪድ-19 ሓላፊ ክፍሊ ሕክምና ብፅኑዕ ዝሓመሙ እዩ።

ካብ ቀረባ እዋን ናብዚ ማእኸል ዝመፅኡን ናብ ክፍሊ ብፅኑዕ ዝሓመሙን ዝኣትዉ ቁፅሪ በቲ ቫይረስ ዝተለኸፉ ሰባት ከምዘወሰኸ ይገልፅ።

ዳይሬክተር ማእኸል ሕክምና ኮቪድ-19 ሚሊንየም ዶክተር ውለታው ጫኔ፡ ናብ ማእኸሎም ካብ ሞንጎ ዝመፅኡ ሕሙማት፡ ልዕሊ 75 ሚእታዊት ኦክስጅን ዘድልዮም ምዃኑ ተዛሪቡ።

ኣብቲ ማእኸል ቁፅሪ ድጋፍ ቬንትሌተር ዝጠልቡ ሰባት ከምዝወሰኸ ዝገለፀ ዶክተር ሕሩይ፡ “ብሰንኪ ሕፅረት መካኒካል ቬንትሌተር፡ ዘይንቕበሎም ሕሙማት ይህልዉ’ዮም'' ኢሉ።

ካብዚ ብተወሳኺ ሕፅረት ኦክስጅን ስለ ዘጋጠሞም፡ ሓገዝ ደልዮም ንዝመፅኡ ኩሎም ሕሙማት ከተኣናግዱ ከምዘይከኣሉ ሓቢሩ።

ቁፅሪ ብፅኑዕ ዝሓመሙ ይውስኽ ኣሎ

ዶ/ር ብሩክ ኣለማየሁ፡ ካብቶም ዝሓለፉ ክልተ ኣዋርሕ ኣብዚ እዋን ለበዳ ኮሮናቫይረስ ይውስኽ ምህላዉ ከምዘስተውዓለ ይዛረብ።

ውለታው ጫኔ ብወገኑ፡ ብፍላይ ኣብቶም ዝሓለፉ ክልተ ሰለስተ ሰሙናት፡ ብኮቪድ-19 ሓሚሞም ናብ ማእኸሎም ዝመፅኡ ሰባት ከምዝወሰኹ ተዛሪቡ።

ኣብ ትካላት ጥዕና መደቀሲ ዓራት ብምጥፍኡ ኣፀጋሚ ኩነታት ከምዝተፈጠረ ዝገልፅ ዶክተር ብሩክ፡ እዚ ድማ ኣብ ሰብሞያ ጥዕና ከቢድ ፀገም ከምዝፈጠረ ኣብሪሁ።

ቁፅሪ ሕሙማት ኮቪድ-19 እናበዝሐ ብምምፅኡ፡ ኣብ ካልእ ትካል ጥዕና ዘሎ ዓራት ናብ ምግዓዝ ከምዝተበፅሐ ከኣ ገሊፁ።

ዶክተር ብሩክ፡ ንሱ ኣብ ዝሰርሐሉ ትካል ጥዕና፡ ቅድሚ ሕዚ ሓደ ተሓካሚ ብኮቪድ-19 ተለኺፉ ዋላ’ኳ ኦክስጅን እንተዘየድለዮ፡ ሕክምና ክረክብ ይግበር ከምዝነበረ ብምዝኽኻር፡ ኣብዚ እዋን ግና ኣደቂስካ ንምሕካም፡ እቶም ሕሙማት ኦክስጅን የድልዮም ‘ዶ ኣየድልዮምን ብዝብል እዩ ዝውሰን ኢሉ።

“ሕዚ ነድቅሶም ሕሙማት ኩሎም ኦክስጅን ዘድልዮም’ዮም”

ዶክተር ብሩክ፡ ኣብዚ እዋን ኣብ ትካላት ጥዕና ደቂሶም ዝሕከሙ ሰባት ኩሎም ኦክስጅን ዘድልዮም ምዃኖምን ቁፅሪ ሓገዝ ኦክስጅን ዝጠልቡ ሰባት ከምዝወሰኸን ሓቢሩ።

“ልዕሊ ሓሙሽተን ዓሰርተን ሊትሮ መጠን ዘለዎ ኦክስጅን፣ መሳርሒ መተንፈሲ (ቬንትሌተር) ዝጠልቡ ቁፅሪ ሕሙማት ወሲኹ እዩ” ዝብል ዶክተር ብሩክ፡ እዚ ብፍሉይ ሕሙማት ኮሮናቫይረስ ኣብ ዝሕከምሉ ሆስፒታል ኤካ ኮተቤን ሚሊንየምን ከምዘጋጠመ ሓቢሩ።

ኣብ ናይ ውልቀ ሆስፒታላት የረር፣ ቤተዛታን ሃሌሉያን ዝሰርሑ ሰብሞያ’ውን ተመሳሳሊ ነገር ምስትውዓሎም፡ ከምዝሓበርዎ ገሊፁ።

ዶክተር ብሩክ ባዕሉ ዝሰርሐሉ ማእኸል ጥዕና’ውን ኦክስጅን ዝጥቀሙ ሕሙማት ኣብ ዘየተኣናግደሉ ደረጃ ከምዝበፅሐ ገሊፁ።

እዚ ሕፅረት ኣብ ከተማ ኣዲስኣበባን ኣብ ክልላትን ኣብ ዝርከባ ሆስፒታላት ከምዘጋጥም ዝገልፅ ዶክተር ብሩክ፡ ነዚ ፀገም ንምፍታሕ፡ ሚኒስተር ጥዕና ዝተፈላለዩ ስጉምትታት ንምውሳድ ይንቀሳቐስ ከምዘሎ ኣብሪሁ።

ንለበዳ ኮሮናቫይረስ ንምንካይ ካብ ሞንጎ ዝተቐመጡ መምርሕታት እንተውሓደ መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን (ማስክ) ምጥቃም ዓብይ ለውጢ ከምዘምፅእ ይምዕድ።

ምልባዕ እዚ ቫይረስ ካብዚ ንላዕሊ ከይውስኽ፡ ብብርኪ ውልቀሰባት መከላኸሊ ስጉምትታት ካብ ምውሳድ ብዝዘለለ፡ ብዙሓት ሰባት ዝእከብሎም ምድላዋት ኣመልኪቶም ዝወፅኡ መምርሕታት ተግባራዊ ክኸውን ኣገንዚቡ።

ሓድሽ ዓሌት ኮቪድ-19 ኣጋጢሙ’ዶ ይኾን?

ዶክተር ብሩክ፡ ኣብዚ እዋን እዚ ሕማም ንክላባዕ ዝገበረ ካልእ ምኽንያት ክህሉ ከምዝኽእል ጥርጣረ ኣለዎም። ኣብ ሃገራት ኬንያን ደቡብኣፍሪቃን ከምዝተገበረ፡ ኣብቲ ቫይረስ መፅናዕቲ እንተዝግበር፡ ሓድሽ ዓሌት ኮሮናቫይረስ ክህሉ ከምዝኽእል ይሰግእ።

ነዚ ስግኣቱ ከም መራጎዲ ዘቐምጦ ድማ፡ ኣብ ፈለማ ብኮሮናቫይረስ ተለኺፎም ናብ ሕክምና ካብ ሞንጎ ዝመፅኡ ሰባት፡ ቁፅሪ እቲ ሕማም ዝብርትዖም ውሑዳት ከምዝነበሩ፤ ኣብ ሓደ ስድራ፡ ሓደ ኣባል ስድራ በቲ ቫይረስ እንክሓምም፡ ካልኦት ከይሓመሙ ዝርከብሉ ግዘ ከምዝነበረን፡ ቁፅሪ ምልክት እዚ ሕማም ዘርእዩ ሰባት ብዙሕ ኔሩ ዝብልን እዩ።

ሕዚ ግና ብዙሕ ቁፅሪ ዘለዎም ሰባት ምሕማሞም፣ ብመንፅር ዕድመ ክረአ ከሎ ድማ ብዙሓት መናእሰይ በቲ ቫይረስ ከምዝተለኸፉን፡ ናብ ማእኸል ሕክምና መፅዮም ዓራት ከምዝሓዙን ይገልፅ።

ቅድሚ ሕዚ ብኮሮናቫይረስ ዝልከፉ ሰባት ብዝወሃቦም ሕክምና ብቕልጡፍ ይሓውዩ ከምዝነበሩ ዝገልፅ ዶክተር ብሩክ፡ ኣብቲ እዋን ዓራት ሒዞም ይሕከሙ ዝነበሩ ሰባት ውሑዳት ኔሮም ይብል።

ኣብዚ እዋን እዚ ቫይረስ ናይ ምልባዕ ኮነ ናይ ምቕታል ዓቕሙ ልዑል ከምዝኾነ ዝገልፅ ዶክተር ብሩክ፡ “ብርግፅ ኣብ መደምደምታ ንምብፃሕ መፅናዕቲ ዘድልዮ እዩ፤ ብናተይ ርድኢት ግና፡ ሓድሽ ቫይረስ ከይኮነ ኣይተርፍን ዝብል ግምት እዩ ዘለኒ” ኢሉ።

ካብዚ ብተወሳኺ፡ ካብ ሓደ ስድራ ክልተ ወይ ሰለስተ ሰባት ብኮሮናቫይረስ ዝሓምሉን፡ ዓራት ዝሕዝሉን ኩነታት ተደጋጋሚ ምዃኑ፡ እቲ በዓልሞያ ይዛረብ።

ምኽንያት ምልባዕ እዚ ለበዳ ድማ፡ ኩሉ ሰብ ዘድሊ ጥንቃቐ ብዘይምትግባሩ ምዃኑ እዞም ሰብሞያ ዝሰማምዕሉ ጉዳይ እዩ።