ኣብ ኢትዮጵያ ብጽኑዕ ንዝሓመሙ ዝውዕል ናይ ኦክሲጅን ቨንቲሌተር ሕጽረት ኣጋጢሙ

ኣብ ኢትዮጵያ ብዝሒ ብኮሮናቫይረስ ዝልከፉ ሰባትን ናብ ናይ ጽኑዕ ሕሙማት ክፍሊ ዝኣትዉን እናወሰኸ ብምምጽኡ፡ ሕጽረት ሰብ ሰርሖ መተንፈሲ መሳርሒን ኦክሲጅንን ከምዘጋጠመ ትካል ጥዕና ማሕበረሰብ ገሊጹ።
እቲ ትካል ከምዝብሎ፡ ብዝሒ መልከፍቲ እናወሰኸ ብምምጸኡ፡ ማእከላት ሕክምና ልዕሊ ዓቕሚ ኣገልግሎት ኣብ ምሃብ ይርከባ።
ብዚ ምኽንያት ድማ፡ ኣብ ትካላት ሕክምና ድጋፍ ክረክቡ ንዝመጽኡ ዝውዕል ቨንቲሌተርን ኦክስጅንን ሕጽረት ከምዘጋጠመ ወሲኹ ሓቢሩ።
ኣብ ኢትዮጵያ ክሳብ ትማሊ ብዝተገብረ ናይ ላብራቶሪ ምርመራ፡ 175,467 ሰባት ብኮሮናቫይረስ እንትተሓዙ፣ 2,550 ሰባት ድማ ብሰንኩ ህይወቶም ሓሊፉ ተባሂሉ።
ኮቪድ-19 ብፍላይ ንመተንፈሲ ኣካላት ዘጥቅሕ ሕማም እንትኸውን፡ በቲ ሕማም ኣዝዮም ናይ ዝተጠቕዑ ሰባት ህይወት ንምድሓን: ቬንቲሌተርን ኦክስጅንን ኣዝዩ ኣድላይ መሳርሒ እዩ።
ኣብ'ዚ እዋን፡ ኣብ ኢትዮጵያ፡ ኣገልግሎት ኣብ ምሃብ ዝርከቡ ብዝሒ ቬንቲለተራት ካብ 500 ዝበዝሕ ኣይኮነን።
ስለዝኾነ ድማ፡ ብዝሒ ድጋፍ ሕክምና ዘድልዮም ሰባት ስለዝወሰኸ፡ ኣብ ልዕሊ ትካላት ሕክምናን ሰብ ሞያን ጸቕጢ ብምፍጣር: ልዕሊ ዓቕሚ ከይኸውን ተሰጊኡ ኣሎ።
ብዚ ምኽንያት፡ ነፍሲ ናይ ምድሓን ኣገልግሎት ናብ ዘይወሃበሉ ብርኪ ወሪዱ፡ ብዝሒ ሞት'ውን ክውስኽ ከምዝኽእል ይግመት።
እቲ ትካል፡ ኣብዚ እዋን ኣብ መላእ ሃገር ብዝሒ መልከፍቲ ኮሮናቫይረስ እናወሰኸ ምዃኑ ዝገለጸ ኾይኑ፡ ብፍላይ ብጽኑዕ ዝሓመሙ ሰባት ህይወቶም ንሓደጋ እናተሳጠሐ ይርከብ ኢሉ።
ኮሮናቫይረስ ኣብ ኢትዮጵያ ካብ ዝረአ ኣብ ዝሓለፈ ቀዳም ሓደ ዓመት ዝመልኦ ኾይኑ፡ ዛጊድ ብሰንኪ እቲ ሕማም ህይወቶም ዝሰኣኑ ብዝሒ ሰባት፡ 2,550 በጺሑ ኣሎ።
ብሰንኪ እቲ ለበዳ ህይወቶም ዝሰኣኑ ሰባት፡ 74 ሚኢታዊት ኣብ ማእከላት ሕክምና ኮይኑ፡ ዝተረፉ ድማ ካብ ኣስከሬን ብዝተገብረ ምርመራ ቅምሶ ዝተፈልጠ ምዃኑ ምፍላጥ ተኻኢሉ።
ኣብ ዝሓለፈ ሒደት መዓልታት ብዝሒ ሞት ልዑል እንትኸውን፡ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ድማ ዝለዓለ ከምዝኾነ ምፍላጥ ተኻኢሉ።
ኣብ ኣዲስ አበባ ብዝሒ ሞት 1,852 ዝተመዝገበ ኾይኑ፡ ካብ ጠቕላላ ብዝሒ ሞት 73 ሚኢታዊት ከምዝኾነ እዩ ዝንገር።
ካብኡ ድማ፡ ኣብ ኦሮምያ 256 ሰባት [10 ሚኢታዊት] ፡ ኣብ ክልል ኣምሓራ 105 ሰባት [4 ሚኢታዊት] ፣ ኣብ ክልል ሲዳማ ድማ 73 [3 ሚኢታዊት] ይሕዝ።
ቬንቲሌተር እንታይ እዩ?
ቬንቲሌተር፡ ናይ ሰውነትና ስርዓተ ምትንፋስ ተኪኡ ዝሰርሕ መሳርሒ እዩ። ሳምባ ሕሙማት ሰባት ጸገም እንተጋጥሞ፡ ቬንቲሌተር ናይ ምትንፋስ ተግባር ስለዝትክእ፡ ህይወት ክድሕን ይሕግዝ።
ብኮቪድ-19 ብጽኑዕ ካብ መንጎ ዝሓሙ 6 ሰባት፡ ብውሕዱ ሓደ ናይ ምትንፋስ ጸገም የጋጥሞ ተባሂሉ።
እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት እቲ ቫይረስ ንሳምባ ስለዘጥቅዕ እዩ። ኣብ ከምዚ ዓይነት እዋን፡ ቨንቲሌተር እንተዘይሃልዩ፡ ናይቲ ውልቀሰብ ህይወት ምትራፍ ከቢድ እዩ ዝኸውን።
ክልተ ዓይነት ቬንቲሌተራት ከምዘለዉ እዩ ዝዝረብ፡ እቲ ሓደ መካኒካል ቬንቲሌተር ዝበሃል ኮይኑ እቲ ካልእ ድማ፡ በዘይ-ቱቦ ዝሰርሕ መሳርሒ እዩ።
መካኒካል ቬንቲሌተር፡ እቲ ቱቦ ብኣፍ ክኣቲ ምስተገብረ እቲ ሕሙም ካርቦን ዳይኦክሳይድ ከምዘውጽእን ኦክስጅን ከምዘእቱን ዝሕግዝ እዩ።
እቲ ካልእ ድማ፡ ብዘይ ቱቦ ዝሰርሕ ቬንቲለተር ግን ናብ ሳምባ ዝኣቱ ቱቦ ዘይብሉን ኣብ ኣፍን ኣፍንጫን ብዝጣበቕ መሳርሒ እዩ ዝሰርሕ።
እቶም ቬንቲለተራት፡ ሂሙዲፋየር ዝበሃል ራሕሲ ዝፈጥር ዘለዎም ኮይኑ፡ እቲ ናብ ሰውነት ዝኣቱ ኣየር ንሰውነት ከምዝስማማዕ ክኸውን ዝገብር እዩ።
ኣብዚ እዋን ሕሙማት መተንፈሲ ኣካላቶም ክዝናነዩ ዝሕግዙ መድሓኒት ይወሃቦም።
ኣዝዮም ዘይተጎድኡ ሕሙማት ግን፡ እቲ ኣብ ኣፍን ኣፍንጫን ጥራይ ዝግበር ቬንቲሌተር እዩ ዝወሃቦም።
እዚ ድማ፡ ብኣፍን ኣፍንጫን ኣቢሉ ኣየር ተደፊኡ ንውሽጢ ንክኣቱ ዝሕግዝ እዩ።






![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







