እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ብዘጋጠመ ሓደጋ ምግልባጥ ጃልባ ልዕሊ 40 ስደተኛታት ሞይቶም
ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ብዘጋጠመ ሓደጋ ምግልባጥ ጃልባ ልዕሊ 40 ስደተኛታት ከም ዝጠሓሉ ሰብመዚ ሕቡራት ሃገራት ሓቢሮም።
እታ ጃልባ ኣብ ገማግም ባሕሪ ሊብያ ከም ዝተገምጠለትን፡ ድሕሪ ናይ 15 ሰዓታት ጒዕዞ ማይ ክኣትዋ ከም ዝጀመረን እቶም ሰብመዚ ኣፍሊጦም።
ኣስታት 80 ዝኾኑ ካልኦት ብሓገዝ ሓንቲ ናይ ንግዲ መርከብ ከምዝደሓኑ'ውን ተፈሊጡ'ሎ።
ካብቶም ዝደሓኑ ሓደ ኣዲኡ ኣብቲ ሓደጋ ዝጠሓለት ህጻን ይርከቦም። እቶም ስደተኛታት ካብ ሊብያ ናብ ኣውሮጳ ዝሰግሩ ዝነበሩ'ዮም።
ብኣሻሓት ዝቑጸሩ ስደተኛታት ንማእከላይ ባሕሪ ኣቋሪጾም ናብ ኤውሮጳ ንኽበጽሑ፡ ሊብያ ቀንዲ ዝብገሱላ ሃገር እያ።
ብሊብያ ኣቢሎም ንኤውሮጳ ካብ መንጎ ዝጓዓዙ ስደተኛታት፡ ዜጋታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ከምኡ'ውን ካልኦት ሃገራት ኣፍሪቃ ብብዝሒ ይርከቡዎም።
ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ከምኡ'ውን ትካል ዓለምለኻዊ ፍልሰት (አይ.ኦ.ኤም ) እቲ ስደተኛታት ናይ ምድሓንን ተፍትሽን ንጥፈታት ክሕይል ብምጽዋዕ፡ ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ብዙሕ ህይወት ክሃልቕ ከም ዝኽእል ኣጠንቂቖም ኣለው።
ሊብያ፡ ኣብ 2011 ብኪዳን ሓይልታት ኣትላንቲክ ዝተደገፈ ህዝባዊ ተቓውሞ ንስርዓት ሙዓመር ቃዛፊ ካብ ስልጣን ድሕሪ ምዕላዉ፡ ክሳብ ሕጂ ድልዱል መንግስቲ ክትምስርት ኣይከኣለትን ዘላ።
ዝተፈላለየ ኩርናዓት ናይታ ሃገር ድማ፡ ብዝተፈላለዩ ዕጡቓት ጉጅለታት ክሕቖን ጸኒሑ ኣሎ።
ኣብዚ እዋን ብሰንኪ ኣብ ሊብያ ዝካየድ ዘሎ ወግእ ሓድሕድ ብዙሓት ስደተኛታት ኣደዳ ሞትን ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ኮይኖም ከም ዘለው ትካል ስደተኛታት ይሕብር።