ኣብ ገማግም ሊብያ ጃልባ ብምጥሓላ 74 ስደተኛታት ሞይቶም

ካብ ሊብያ ናብ ኣውሮጳ ትጉዓዝ ዝነበረት ጃልባ ኣብ ገማግም ባሕሪ ሊብያ ብምጥሓላ ኣስታት 74 ስደተኛታት ከምዝሞቱ ሕቡራት ሃገራት ገሊጹ።

ካብቲ ምጥሐል ዝደሓኑ 47 ስደተኛታት ናብ ደንደስ ባሕሪ ወጺኦም ከምዘለው ትካል ዓለምለኻዊ ፍልሰት (አይ.ኦ.ኤም) ሓቢሩ።

ሊብያ፡ ብማእከላይ ባሕሪ ኣቢሎም ንኤውሮጳ ክኣተው ንዝደልዩ ስደተኛታት ቀንዲ መሰጋገሪት ኮይና ትርከብ።

ኣብዚ ዓመት፡ ንማእከላይ ባሕሪ ሰንጢቖም ንኤውሮጳ ክኣተው ዝፈተኑ ኣስታት 900 ስደተኛታት ጥሒሎም ሞይቶም ክኾኑ ከምዝኽእሉ ጸብጻብ ላዕለዋይ ተጸዋዒ ስደተኛታት ይእምት።

ካልኦት 11,000 ስደተኛታት ንኤውሮጳ ክኣተው ዝፈተኑ ድማ ካብ ባሕሪ ተወሲዶም ኣብ ዝተፈለለዩ መዳጎኒ ስደተኛታት ይሳቐዩ ከምዘለው እቲ ትካል ይገልጽ።

ትማሊ ሮቡዕ ጥራይ 5 ስደተኛታት ኣብ ገማግም ሊብያ ጃልባኦም ጥሒላ ክሞቱ እንከለው፡ ካልኦት 100 ሰባት ድማ ድሒኖም።

ዝሓለፈ ወርሒ ካብ ምዕራብ ኣፍሪቃ ተበጊሶም ንስጳኛ ክኣትው ዝፈተኑ 140 ስደተኛታት፡ መርከቦም ብሓዊ ተቓጺላ ምስ ጠሓለት ከምዝሞቱ ይፍለጥ።

እቲ ሓደጋ ኣበይ እዩ ኣጋጢሙ?

ትካል ዓለምለኻዊ ፍልሰት ከምዝሕብሮ እታ መርከብ ኣብ ገማግም ከተማ ኩሙስ ከምዝጠሐለት ይገልጽ።

እታ ጃልባ ልዕሊ 120 ሰባት ተሰኪማ ከምዝነበረትን፡ ኣብ ማእከሎም ቖልዓ ሰበይቲ ከምዝነበሩ እቲ ትካል ጠቒሱ።

እቶም ዝደሓኑ ድማ ብገፍፍቲ ዓሳን ሓይሊ ባሕሪ ሊብያን ናብ ደንደስ ባሕሪ ከምዝተወስዱ ይግለጽ።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ጥራሕ፡ ኣብ ማእከላይ ባሕሪ 9 ጃልባታት ከምዝጠሓላ አይ.ኦ.ኤም ሓቢሩ።

ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ከምኡ'ውን ትካል ዓለምለኻዊ ፍልሰት (አይ.ኦ.ኤም ) እቲ ስደተኛታት ናይ ምድሓንን ተፍትሽን ንጥፈታት ክሕይል ብምጽዋዕ፡ ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ብዙሕ ህይወት ክሃልቕ ከም ዝኽእል ኣጠንቂቖም ኣለው።

ኣብ 2011 ብኪዳን ሓይልታት ኣትላንቲክ ዝተደገፈ ህዝባዊ ተቓውሞ ንስርዓት ሙዓመር ቃዛፊ ካብ ስልጣን ድሕሪ ምዕላዉ፡ ክሳብ ሕጂ ሊብያ ድልዱል መንግስቲ ክትምስርት ኣይከኣለትን ዘላ።

ዝተፈላለየ ኩርናዓት ናይታ ሃገር ድማ፡ ብዝተፈላለዩ ዕጡቓት ጉጅለታት ክሕቖን ጸኒሑ ኣሎ።

ኣብዚ እዋን ብሰንኪ ኣብ ሊብያ ዝካየድ ዘሎ ወግእ ሓድሕድ ብዙሓት ስደተኛታት ኣደዳ ሞትን ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ኮይኖም ከም ዘለው ትካል ስደተኛታት ይሕብር።