እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ጓል ሸውዓተ መዓልቲ ሕጻንን ጓል 30 ኣዋርሕ ኤርትራዊት ቖልዓን ካብ ባሕሪ ሜዲተራንያንን ድሒነን
ብሓሙስ 09 ሚያዝያ ካብ ገማግም ሊብያ ዝተበገሱ ኣስታት 60 ኤርትራውያን፡ ኢትዮጵያውያንን ሱዳናውያንን ዝርከቡዎም ስደተኛታት ጃልበኦም ነዳዲ ወዲኣ፡ ረድኤት ሓቲቶም ንሓሙሽተ መዓልታት ምላሽ ክጽበዩ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ዓቕሎም ዝጸበቦም ሸውዓተ መንእሰያትን ብጽምእን ሜትን ዝተሰነፉን ኣብ ባሕሪ ከምዝሞቱ ካብቶም ዝደሓኑ መጓዕዝቶም ንቢቢሲ ሓቢሮም።
ሓያሎ ካብቶም ስደተኛታት ንሓያሎ ዓመታት ኣብ ሊብያ ኣብ ፈቐዶ ኣብያተ ማእሰርትን መዳጎኒ መዓስከራትን ዝኸርተቱ እዮም።
ካብቶም ውጻዕ መዓት ስደተኛታት ዓቕሎም ምስ ጸበቦም ኣብዚ ሕማቕ ናይ ኮሮናቫይረስ ለበዳ እዋን ዝረኸበ ይርከበና ኢሎም ንጥልያን ክኣትው ከምዝነቐሉ፡ "እንታይ እሞ ክንገብር ዓቕልና ጸቢቡና ኣብ ሊብያ ተሳቒና ካብ ንመውት ዕድልና ክንርኢ ኢልና ተበጊስና" ክትብል ውጻእ መዓት ጸጋ ኤፍሬም ትዛረብ።
ኣብቲ ጭንቅን መከራን መኻፍልቲ ሽግራ ዝነበረት ራህዋ ገብረ እውን ብተመሳሳሊ መንፈስ፡ "ኣብቲ ባሕሪ ዝረድኣና ስኢንና ንሰሙን ከርቲትና ዘዝረኣያና መራክብ ረረጊጸናና ክኸዳ ምስ ጀመራ ሰለስተ ካብ ብጾተን፡ ሓምቢሶም ነተን መራክብ ክሕብሩወን ኣተስፍዮመን ናብቲ ባሕሪ ከምዝኣተው ትሕብር። እንተኾነ ብርቱዕ ማዕበል ስለዝነበረ እቶም ናብተን ዓበይቲ መራክብ ኣውያት ከብጽሑ ዝተላእኩ ልኡኻት ድሕነት ኣይተመልሱን።
ብኡ ኣቢሎም ጥሒሎም። ብድሕርዚ ኩሉ ሰብ ነቶም ብጥሜትን ጽምእን ኣብታ ጃልባ ዝሞቱ ክልተ መንእሰያት እናረኣየ ተስፋ ቖሪጹ ተጨናኒቑ። ነቲ ኹነታት ክጻወርዎ ዘይከኣሉ ኣርባዕተ መንእሰያት ከኣ ብለይቲ ዘዘሊሎም ናብቲ ባሕሪ ብምእታው ከምዝጠሓሉ እተን ናይ ዓይኒ ምስክር ይዛረባ።
ተጣባቒ ሰብኣዊ መሰላት ኣብርሃም ተስፋይ ካብ ዓዲ ጥልያን፡ እተን በሪ ባሕሪ ሜዲተራንያን ዝኾና ሃገራት ጥልያንን ማልታን ብሰንኪ ሕማም ኮሮና ቫይረስ ዶባትና ውሑስ ስለዘይኮነ ሓገዝ ክንህብ ኣይንኽእልን ብማለት ወደባተን ስለዝዓጸዋ ንዝኾነ ረድኤት ይምልሳ ከምዘየለዋ የረድእ።
እታ ብሓሙስ 09 ሚያዝያ ኣስታት 60 ዝኾኑ፡ ኤርትራውያን፡ ኢትዮጵያውያንን ሱዳናውያንን ጽዒና ናብ ባሕሪ ዝኣተወት ናይ ጎማ ጃልባ ካብ ዓርቢ 10 ሚያዝያ ገና ኣብ ባሕሪ ሊብያ እንከላ ኣትሒዛ ረድኤት እኳ እንተሓተተት ክሳብ ሰምበት ኣብ ባሕሪ ማልታ እትበጽሕ ምንም ምላሽ ከምዘይረኸበት ይሕብር።
ሰምበት ሰዓት 14፡35 ቀትሪ ግን ምስ ናይ ድሕነት ኣካላት ከምዝተራኸቡን ግን ቴሌፎኖም ባትሪ ብምውድኣ ርክብ ስለዝተቓረጸ እታ ጃልባ ዝኾነ ሓገዝ ከይረኸበት ንሓሙሽተ መዓልታት ኣብቲ ባሕሪ ከምዝንሳፈፈት ይነግር።
ዝሞተ ምስ ሞተን ሰብ ምስተሰነፈን ሓንቲ ሓላፊት መገዲ ናይ ማልታ መርከብ መጺኣ ኣድሒናቶም። ግን ናብ ማልታ ኣይወሰደቶምን ናብታ ከም ሲኦል ዝፈርሑዋን ክሃድሙላ ዝፈተኑን ሊብያ መሊሳቶም።
ሕጂ እቶም 51 ውጻእ መዓት ስደተኛታት ኣብ ቤት ማእሰርቲ ሊብያ ተዳጒኖም ዩኤንኤችሲኣርን ማሕበረሰብ ዓለምን ክረድኦም ምሕጽንታኦም የቕርቡ ኣለው።
ካብቶም 51 ዝደሓኑ ሰባት ከኣ ጓል ሸውዓተ መዓልቲ ሕጻንን ጓል 30 ኣዋርሕ ኤርትራዊት ቖልዓን ይርከበኦም።