ኮሮናቫይረስ፡ ሚልዮናት ዝቐዘፈ ለበዳ ኢንፉሉዌንዛ ምስ ኮሮና ቫይረስ እንታይ ዝምድና ኣለዎ?

ዓለምና ብዘይተኣደነ ዝርግሐ ኮሮናቫይረስ ትሕመስ ኣላ። እቲ ዝርግሐን መጥቃዕትን ኣብ ሰለስተ ቀንዲ ማእከላት (ኤፒሰንተርስ) - ቻይና፡ ኤውሮጳ፡ ኣሜሪካን - ብምዅላል "ተራእዩን ተሰሚዑን ዘይፈልጥ ዕንወት" ከኸትል ይረኣ'ሎ።

"ተራእዩን ተሰሚዑን ዘይፈልጥ ዕንወት" ዚብል መግለጺ ግን መአረምታ ዜድልዮ ሓረግ'ዩ፣ ቅድሚ ሕጂ ካብዚ ዝኸፍእ ብምጾታት ዚግለጽ ሕማም-ተላገብ ኣትዩ ስለ ዝነበረ።

እቲ ብ "እስጳኛዊ ኢንፍሉወንዛ" (ስፓኒሽ-ፍሉ) ዝፍለጥ፡ ኣብ እዋን ቀዳማይ ኲናት-ዓለም ዝኣተወ ሕማም-ተላገብ፡ ምስ'ዚ ሎሚ እንርእዮ ዘሎና ለበዳ-ኮሮናቫይረስ ይመሳሰል'ዩ።

እቲ ናይ ሽዑ መጥቃዕቲ፡ ከምዚ ናይ ሕጂ ተርእዮታት፡ ብሃንደበት ደበኽ ስለ ዝበለ፡ ዓለም ዘይተዳለወሉ ሕማም ስለ ዝነበረ ብዙሓት ኣብ ፈቐዶኡ ተለኽፉን፡ ተቐዝፉን።

እምበኣርከስ "እስጳኛዊ ኢንፍሉወንዛ" ኣብ መበል ዕስራ-ክፍለ-ዘመን እቲ ዝሓየለ ለብዒ ከም ዝነበረ ዝተመስከረሉ ሕማም ነበረ። እንተዀነ ግን፡ እቲ ዘመን'ቲ ብዉግኣት ተዓብሊሉ ስለ ዝነበረ ብምልዮናት ዝኣኽሉ መናእሰይ ወትሃደራት ኣብ ፈቐድኡ ይወድቁ ስለ ዝነበሩ እቲ ሽዑ ዝኣተወ ሕማም ዝኣክል ኣቓልቦ ኣይረኸበን።

"እስጳኛዊ ኢንፍሉወንዛ" ኣመና ሓያል ሕማም ስለ ዝነበረ ዕለታዊ ናብራ ህዝቢ ተሰናኺሉ፡ ዓበይትን ንኣሽቱን ደዀኵን ተዓጽዮም፡ ተኸናኸንቲ ጥዕና ዳርጋ ንሕሙማን ከይበጽሑ ዝተዓናቐፍሉን፡ ኰዓትቲ መቓብር'ውን ብሕማም ተጠቒዖም ስራሖም ዘቋረጽሉ፡ ሬሳታት ኣብ ብዙሕ ቦታታት ብጃምላን ብዘይ ሳናዱቕን ዝቕበርሉ እዋን ከም ዝነበረ መጻሕፍቲ ታሪኽ ይገልጽዎ'ዮም።

እቲ ሕምም ብኣፋውስ ኣይኰነን ተገጢሙ፡ እንታይ ድኣ ከምዚ ሎሚ እንርእዮ ዘሎና ብነብሰ-ተገልሎ፡ ብውሸባ፡ ብጽርየትን ስነ-ጥዕናን፡ መንጽሂ-ፈሳሲ ብምጥቃም፡ ከምኡ'ውን ካብ ሰብ ብምርሓቕ (ዘይምእካብ) ዘኣመሰሉ ሜላታት ነበረ።

ሂልዳ ቸርችል

ብጊዜ ምንዋሕ፡ እቶም ካብ'ቲ ናይ 1918 ለበዳ-ኢንፍሉወንዛ ብህወቶም ዘምለጡ ክሳብ ትማል-ትማል ምሳና ዝጸንሑ መሰኻኽር ቍጽሮም ኣዝዩ ሒደት'ዩ።

ሓንቲ ካብ'ኦም 108 ዝዕድሚኣ ሂልዳ ቸርቺል ዝተባህለት እንግሊዛዊት ክትከውን ከላ ብ30 መጋቢት ብኮሮናቫይረስ ተጥቒዓ ከም ዝሞተት ቢ.ቢ.ሲ. ሓቢሩ።

ንእሽቶ ሓብታ ንሂልዳ ቸርቺል ብ"እስጳኛዊ ኢንፍሉወንዛ" ተለኺፋ ከም ዝሞተት፡ ንሳ ግን ከም ዝደሓነት ተፈሊጡ።

እዛ ክልተ ዉግኣት-ዓለም ዘሕለፈት፡ እቲ 50 ሚልዮን ህይወት ዝቐዘፈ ሕማም-ተላገብ (1918-1920) ከምኡ'ውን ካልኦት ተላባዕቲ ሕማማት ዜሕለፈት ሰብ: በዚ ናይ'ሎም ተላባዒ ኮሮናቫይረስ ተለኺፋ'ያ ዝሞተት።

እዛ ሰብ'ዚኣ ዓለምና ብፖልዮ፡ ኤችኣይቪ፡ ሳርስ፡ ኢቦላ ... ወዘተ. ዜኣመሰሉ ሕማማት ክትሕመስ ርእያ'ያ። ኣብ መጠረስታ ህይወታ ኸኣ ንኮሮናቫይረስ ክትጻወር ኣይከኣለትን።

ንሳ፡ ምልክታት ኮሮናቫይረስ ኣርባዕተ መዓልታት ቅድሚ ሞታ'ያ ኣርእያ፣ ብርግጽ እቲ ቫይረስ ከም ዝሓዛ ምስ ተፈልጠ ድማ ብኡ-ንብኡ ዓሪፋ። መበል 109 ዓመታ ንኸተብዕል ትዳለወሉ ኣብ ዝነበረት እዋን'ያ ኣብቲ ትነብረሉ ዝነበረት መናበዪ-ኣረጋውያን ሞይታ።

ታሪኽ ሂልዳ ቸርቺል ነቲ ሓውሲ-ዝተረስዐ "እስጳኛዊ ኢንፍሉወንዛ" ተመሊስና ንክንርእዮን ክንምሃረሉን ይግድደና።

ካብ "እስጳኛዊ ኢንፍሉወንዛ" እንታይ ክንምሃር ንኽእል?

"እስጳኛዊ ኢንፍሉወንዛ" ዳርጋ 50 ሚልዮን ህዝቢ ዝቐዘፈ ሕማም ኰይኑ ኣብ መሉእ ዓለምና ቅድሚ 100 ዓመታት፡ ቀዳማይ ኲናት ዓለም ኣብ ምዝዛሙ ዝኣተወ ሕማም ነበረ።

ንምንጽጻር ክጥዕም ኣብ ቀዳማይ ኲናት ዓለም ዳርጋ 20 ሚልዮን ሰባት'ዮም ጸኒቶም።

እቲ ሕማም ካብ ጕድለት ንጽህናን ጻዕቂ ሰባትን (ምናዳ ኣብ ወተሃደራዊ ዕርድታት ዶብ ፈረንሳ) ዝመንጨወ'ዩ ኢሎም ዝገልጽዎ ተመራመርቲ ታሪኽ ኣሎዉ።

እቲ ኣብ ቢቢሲ ዝወጸ፡ "ካብ እስጳኛዊ ኢንፍሉወንዛ እንታይ ክንምሃር ንኽእል?" ዜርእስቱ ሓተታ ከም ዜብርሆ፡ እቲ ዉግእ ብሕዳር 1918 ምስ ኣብቅዐ እቶም ተዋፊሮም ዝነበሩ ወተሃደራት ንዓዶም ክምልሱ ከሎዉ ነቲ ቫይረስ ተሰኪሞምዎ ተመልሱ፣ ብኡ ኣቢሉ ድማ እቲ ለብዒ ብቕጽበት ተዘርግሐ።

ዓለምና ብርክት ዝበሉ ለብዒ (ፓንደሚክ) ኣሕሊፋ'ያ'ሞ ግን ኣይከም ናይ ሽዑን። መብዝሕትኦም ካብ'ዞም ሕጂ ብሳዕቤን ኮሮናቫይረስ ዝሞቱ ዘሎዉ ሰባት ብሓደ ዓይነት ኒሞንያ፡ እቲ ስርዓተ-ምክልኻል (ኢምዩን-ሲስተም) ነቲ ቫይረስ ንክከላኸል ምስ ዚዳኸም እዮም ዝጥቅዑ ዘሎዉ።

እቲ "እስጳኛዊ ኢንፍሉወንዛ" ኸኣ ብተመሳሳሊ መዳይ'ዩ ንሰባት ዜጥቅዕ ዝነበረ። ስለዚ በዚ ምኽንያት ይመሳሰሉ'ዮም።

ይመሳሰሉ'ምበር እቶም ብኮሮናቫይረስ ዝተጠቕዑ ሰባት ብቝጽሪ ምስ ግዳያት "እስጳኛዊ ኢንፍሉወንዛ" ኣይመጣጠንን'ዩ። ብዕድመ ዝደፍኡን እቶም ድኹም ስርዓተ-ምክልኻል ዘሎዎም ሰባትን 'ዮም ኣብ ሰንኮፍ ዝርከቡ ወይ በቲ ሕማም ዝያዳ ዝጥቕዑ።

ብዙሓት ሓካይም ነቲ ለበዳ "እቲ ኣብ ታሪኽ ወዲ-ሰብ ዝተፈጸመ ዝዓበየ ቕዝፈት" ኢሎም ይገልጽዎ።

ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ሰባት ስለ ዝቐተለ ዘይኰነስ እቶም መብዝሕትኦም ግዳያት ጥዕና ዝነበሮም ኣጕባዝ ስለ ዝነበሩ። እቲ ፍልልይ እምበኣር ኣብዚ'ዩ፣ እዞም ሕጂ ብኮሮና ቫይረስ ዝጥቅዑን ዝሞቱን ዘሎዉ ብዕድሜ ዝደፍኡ ሰባት ስለ ዝዀኑ።

ሳይንስ እናማዕበለ ስለ ዝጐዓዝ እቶም ቅድሚ ሕጂ ዝተኸሰቱ ናይ ቫይረስ ጐንፍታት - ከም ኤዝያን-ፍሉ (1957)፡ ሆንኮንግ-ፍሉ (1968)፡ ስዋይን-ፍሉ (2009) ምንጮም ተመሳሳሊ ስለ ዝዀነ፡ ሓካይም እናተማህሩሎም መጺኦም'ዮም፡ እንተ ፈውሲ-ኽታበት ወይከኣ ካልእ መድሃኒት ብምምሃዝ'ውን ክምክትዎ ክኢሎም'ዮም። እቶም ቫይረስ ካብ እንስሳ ናብ ናይ ሰብ ቫይረስ ዝተቐየጡ'ዮም (mutate)።

ኣብ 1918 ዝነበሩ ሓካይም ብዛዕባ ቫይረስ ብቑዕ ኣፍልጦ ኣይነበሮምን። ካብ'ቶም ዝተላብዑ ሕማማት ግን ንክመሃሩ ተተባቢዖም'ዮም።

ካብ ሽዑ ክሳብ ሕጂ ዝተጓናጸፍዎ ዓወታት ድማ ብሓቂ ዜገርም'ዩ። መብዝሕትኦም ብቫይረስ ዝፍጠሩ መጥቃዕትታት ብዳግማይ መጥቃዕቲ - ማለት ብባክተርያዊ ጐንፊ ነቲ ዝተዳኸመ ኢምዩን ሲስተም ብምጥቃዕ ናብ ፖልሞኒተ ዜምርሕ - ብፐኒሲሊን ከም ዝምከት ተገይሩ'ዩ።

ከም ፐኒሲሊን ዘኣመሰሉ ኣንቲባዮቲክ ብጊዜ ቀዳማይ ኲናት ዓለም ኣይነበረን። ብቑዕ ናይ ኢንፍሉወንዛ ክታበት'ውን ኣይነበረን።

"እስጳኛዊ ኢንፍሉወንዛ" ክሳብ ሕጂ ብተደጋጋሚ ዝጽናዕ ዘሎ ሕማም'ዩ፣ ስንብራቱ ንዓለምና ለዊጥዋ'ዩ ክበሃል ይከኣል። ሰለስተ ገጻት ወይ መድርኻት ናይቲ ሕማም ተቐባቢሎምን ተመላሊሶምን ንዓለም ከም ማዕበል ብዘይ ምሕረት ኣሸንቦቡላ፣ እቲ እዋን ከኣ ዉግእ ዓለም ስለ ዝነበረ ነቲ ቫይረስ ዝተሸከሙ ወተሃደራት ኣብ ኵሉ ኵርንዓት ዓለም ዘርግሕዎ።

እቲ ሽዑ ዝተላብዐ ሕማም ዳርጋ ኣብ ዘይኣተዎ ቦታ ኣይነበረን። ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ 228,000 ሰባት ክሞቱ፡ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ 675,000፡ ኣብ ጃፓን ከኣ 400,000 ሞይቶም።

ኣብ ሃገር ህንዲ ጥራይ ካብ 12-17 ሚልዮን ሰባት ሃሊቖም'ዮም። ብሓጺሩ ኣብ ምሉእ ዓለም ካብ'ቶም በቲ ሕማም ዝተለኽፉ 10-20% ሞይቶም'ዮም።

ካልእ ዉጽኢታት

በቲ ሽዑ ዝተኸሰተ ህልቂት መሰረት ንፓንደሚክ (ለብዒ) ዝከታተል መስርሓት ኣብ ዓለምና ክተኣታቶ ክኢሉ'ዩ። ሓደ ካብኦም እዚ ሕጂ ኣብ ቅድሚት ኰይኑ ነቲ ለብዒ ኮሮናቫይረስ ዝምክት ዘሎ ኣብ ጂኒቫ ዝመደበሩ ኣህጕራዊ ማሕበረ-ጥዕና (WHO) ኢዩ።ከምኡ'ውን ኣበየ ሃገሩ ዝተፈላለዩ መስርሓትን ናይ ጥዕና ትካላትን ተታኣታትዮም'ዮም።

እቲ ኣብ ቢቢሲ ዝቐረበ ሓተታ ነቲ ብ 1918 ዝተኸሰተ መቕዘፍቲ ዉሽጡን-ዉሻጥኡን ደጋጊምና ብምጽናዕ ዝሓሸ ምቅርራብ ክንገብረሉ የብርህ። ነቲ ፍቱን መዋጽኦ፡ ብወከልቲ ጥዕና-ህዝብን መራሕቲ መንግስቲ ዝዝርጋሕ ስጕምትታት ብጥብቂ ክንከታተሎ ከም ዝግብኣና ይሕብር።

ተመራመርቲ ሳይንስ እቲ ቫይረስ ሕጂ'ውን ዘይምሕር ዉሽጣዊ ለውጥታት ብምግባር (mutation) ተመሊሱ ብፍልይ ዝበለ መልክዕ ኣብ ዝዀነ እዋን ክምለስ ከም ዝኽእል ደጋጊሞም ይሕብሩ'ዮም።

ካብ'ቲ ብዉግኣ ቀዳማይ ዓለም ዝተኸሰተ ለበዳ ዝኸፍእ ሕማም'ውን ክመጽኣ ከም ዝኽእል ኣይስሕትዎን'ዮም።

ካብቲ ናይ ሽዑ ለበዳ ዝተመሃርናዮም ሓድ-ሓደ ነገራት እዞም ሕጂ ኣብ ዓለምና ዝዉሰዱ ዘሎዉ ስጕምትታት'ዮም ክበሃል ይከኣል። ንኣብነት ቍጽጽር ዘይብሎም ምንቅስቓሳት ሓደገኛ ምዃኖም ምፍላጥ፣ ርክባትና ምትዕርራይ ክንገብረሎም፣ ንጽህና ብጥብቂ ምዝውታር ዘኣመሰሉ 'ዮም። ብዓቢኡ ኸኣ መንግስቲ ዳግማይ ማዕበል ለበዳ ክለዓል ከም ዝኽእል ፈሊጡ ዜድልዩ ጐስጓሳትን ምቅርራባትን ብእዋንኑ ምትግባር እዩ።