እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ሊብያ፡ ስደተኛታት ጽዒና ዝነበረት ጃልባ ብምጥሓላ 3 ሰባት ሞይቶም
ስደተኛታት ጽዒና ካብ ሊብያ ናብ ኣውሮጳ ትጉዓዝ ዝነበረት ጃልባ ኣብ ገማግም ባሕሊ ሊብያ ብምጥሓላ ሰለስተ ሰባት ከምዝሞቱ ተሓቢሩ።
ሬሳ ናይ'ቶም ዝሞቱ ከምኡውን ካልኦት 22 ዝደሓኑ ስደተኛታት ካብቲ ባሕሪ ምውጽኡ ተገሊጹ።
እንተኾነ፡ ካልኦት 13 ሰባት ሃለዋቶም ከም ዘይተረኽበ ዓለምለኻዊ ውድብ ስደተኛታት (IOM) ኣብ ዘውጽኦ መግሊ ጠቒሱ።
ብኣሻሓት ዝቑጸሩ ስደተኛታት ንማእከላይ ባሕሪ ኣቋሪጾም ናብ ኤውሮጳ ንኽበጽሑ፡ ሊብያ ቀንዲ ዝብገሱላ ሃገር እያ።
ብሊብያ ኣቢሎም ንኤውሮጳ ካብ መንጎ ዝጓዓዙ ስደተኛታት: ዜጋታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ከምኡ'ውን ካልኦት ሃገራት ኣፍሪቃ ብብዝሒ ይርከቡዎም።
ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ፡ ሓሙሽተ ቆልዑት ዝርከብዎም ኣስታት 45 ስደተኛታት ኣብ ገማግም ባሕሪ ሊብያ ከም ዝሞቱ ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ገሊጹ ነይሩ።
ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራትን ከምኡ'ውን ትካል ዓለምለኻዊ ፍልሰት (አይ.ኦ.ኤም ) እቲ ስደተኛታት ናይ ምድሓንን ተፍትሽን ንጥፈታት ክሕይል ብምጽዋዕ፡ ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ብዙሕ ህይወት ክሃልቕ ከም ዝኽእል ኣጠንቂቖም ኣለው።
ኣብዚ ዓመት ጥራይ ልዕሊ 300 ስደተኛታት ካብ ሊብያ ናብ ኤውሮጳ ኣብ ዝፈተኑዎ ጉዕዞ ከም ዝሞቱ ጸብጻባት ትካላት ሕቡራት ሃገራት ይገልጹ።
እንተኾነ፡ እቲ ቁጽሪ ልዕሊኡ እውን ክበጽሕ ከምዝኽእል ግምታት ኣሎ።
ኣብ 2011 ዓ.ም [ኣቆጻጽራ ኤውሮጳ] ብኪዳን ሓይልታት ኣትላንቲክ ዝተደገፈ ህዝባዊ ተቓውሞ ንስርዓት ሙዓመር ቀዛፊ ካብ ስልጣን ድሕሪ ምዕላዉ፡ ክሳብ ሕጂ ሊብያ ድልዱል መንግስቲ ክትምስርት ኣይከኣለትን ዘላ።
ዝተፈላለየ ኩርናዓት ናይታ ሃገር ድማ፡ ብዝተፈላለዩ ዕጡቓት ጉጅለታት ክሕቖን ጸኒሑ ኣሎ።
ኣብዚ እዋን ብሰንኪ ኣብ ሊብያ ዝካየድ ዘሎ ወግእ ሓድሕድ ብዙሓት ስደተኛታት ኣደዳ ሞትን ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ኮይኖም ከም ዘለው ትካል ስደተኛታት ሓቢሩ።
ብጀነራል ከሊፋ ሓፍታር ዝምርሑ ሓይልታት፡ ካብቲ ዓሪዶሙሉ ዘለው ምብራቓዊ ከባቢታት ናይታ ሃገር ተበጊሶም፡ ንከተማ ትሪፖሊ ንምቍጽጻር ይጽዕሩ ከም ዘለው እውን ይግለጽ።