ሙና ሙስጠፋ፡ ግዳይ ኮረሮናቫይረስ ዝኾነት ኤርትራዊት ኣደ ብቓላት ቤተሰባን ፈተውታን

ዓለም ቅድሚ ሕጂ ተራእዩ ብዘይፈልጥ ደረጃ፡ ሓሚማ ተኻኢላ ትርከብ ኣላ። ለበዳ ኮሮናቫይረስ ዛጊት ሂወት ልዕሊ 130,000 ዜጋታት ዓለም ቀዚፉ'ሎ። እቲ ዘሕዝን፡ ሬሳታት፡ እቲ ንቡር ክብሪ ስኢኖም፡ ንቡር መሰነይታ ስነስርዓት ከይረኸቡ፡ ቤተሰቦም ኣብ ዘይተረኽቡሉ ብማዕዶ ብጓኖት ይቕበሩ'ለዉ።

እታ ኣብ ለንደን ብሰንበት ዝዓረፈት፡ ሙና ሙስጠፋ'ውን ሓንቲ ካብ ግዳያት ለበዳ ኮቪድ19 ኮይና'ላ።

ብዙሓት ኤርትራውያን፡ ንዓኣ ዘለዎም ክብርን፡ ዝተሰምዖም ሓዘንን ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ክገልጹ ቀንዮም ኣለዉ።

ሙና ሙስጠፋ መን እያ?

ሞና ኣብ ሱዳን ተወሊዳ፡ ኣብ ካናዳ ዝዓበየትን፡ ምስ ስድራቤታ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ኣብ ርእሰከተማ ለንደን እትነብር ዝነበረትን'ያ።

ኣብ ካናዳ ሓዳር ድሕሪ ምምስራታ፡ ብዓልቤታ ብስራሕ ናብ ዓባይ ብሪጣንያ ዝለዝተጓዕዘ፡ ንሳ ድማ ደድሕሪኡ ስዒባ። ናብርኦም፡ ኣብ ከተማ ለንደን መስሪቶም ጽቡቕ ሂወት ይመርሑ ነይሮም።

ሞት ናይዛ ጓል 41 ዓመት ዝያዳ መሪር ዝገበሮ እንተሎ፡ ኣደ 5 ቆልዑ ብምዃና'ዩ። ሓላፍነት ናይቶም ኣብ ዘይግዚኣ ገዲፋቶም ከይዳ ዘላ ደቃ ድማ፡ ኣብ ብዓልቤታን፡ ጓል 20 ዓመት ቦኽሪ ጓላን ወዲቑ'ሎ። ቦኽሪ ጓላ፡ ሻይማ ናዲም፡ ኣብ ርእሲ'ቲ ወሪድዋ ዘሎ ከቢድ ሓዘን ድሮ ነቲ ሓላፍነት ከም እተሰከመት፡ ከብድኻ ብዝበልዕ ቃላት ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ተዛሪባ።

"ብሰላም ዕረፊ ማማ፡ ከም ቦኽሪ ውላድኪ፡ ኣሕዋተይ ምሳይ ከም ዘለዉ ፈሊጥኪ፡ ከምቲ ንስኺ ንዓይ፡ ኣብ ልበይ ኣቕሪበ ክሕዞም'የ። ንጭንቀቶምን ፍርሖምን ኣህዲአ፡ በቲ ንስኺ ዘሕደርክለይ ምዉቕ ፍቕሪ ክመልኦም'የ። ንዕኦምን ኣቦናን ክብል ክብርትዕ'የ" ኢላታ ሻይማ ነዲኣ።

ክልቲኦም ወለዲ ሙና ተጋደልቲ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ንናጽነት ምንባሮም ቀረብታ ንቢቢሲ ሓቢሮም። ብፍላይ ኣቦኣ፡ ኣባል ናይቶም ብ"ፈዳኢን" ዝፍለጡ ፍሉያት ኣሃዱ ተጋድሎ ሐርነት ኤርትራ ምንባሩን ብጾቱ ይገልጹ።

ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ ስደት ከም ዝዓረፈ'ውን መቕርባ ንቢቢሲ ሓቢሮም።

"ዓዳ ብጣዕሚ'ያ ትፈቱ ነይራ፡ ኣጆኺ ሓደ መዓልቲ ክንከይድ ኢና እናተባሃሃልና ኢና ነይራ" ትብል ብቐረባ ትፈልጣ ኣስማሃን ዓሊ ኑዕማን እናሕነቕነቐት፡ ነቲ ንዘልኣለም ዝተኾልፈ ባህጊ ሙና ክትገልጽ እንከላ።

ብኮሮናቫይረስ ተለኺፋ፡ ንልዕሊ ሓደ ሰሙን ኣብ ሆስፒታ ክትእለ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ቀዳም ዕለት 11 ሚያዝያ ኣብ ሰዓታት ድሕሪ ቀትሪ፡ ሂወታ ሓሊፉ።

ስነስርዓት ቀብራ ድማ፡ ንጽባሒቱ ሰንበት ኣብ ለንደን ተፈጺሙ። ገለ ፈተውታን መቕርባን፡ ብማዕዶ ክፋነውዋ እንከለዉ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ተራእዮም- ንዝሞተ መቕርብካ እታ ናይ መዋዳእታ ምስንባት ዝሓረመ ዘመነ ለበዳ።

ሙና ብቓላት ቤተሰባን ፈተውታን

ቢቢሲ ዘዛራረቦም፡ ቤተሰባ፡ መሳርሕታን ፈተውታን፡ እናበኸዩን እናተነኽነኹን'ዮም ብዛዕባ ሞና ዘለዎም ኣድናቖትን፡ ዝተሰምዖም መሪር ሓዘንን ዝገልጹ።

ቦኽሪ ጓላ፡ ጓል 20 ዓመት ሻይማ ናዲም፡ ብዛዕባ'ታ ኣብ ንእስነታ ዝሰኣነታ ወላዲታ ኣብ ናይ ፈይስቡክ ገጻ ኣብ ዝጸሓፈቶ፡ ልቢ ብዙሓት ዝተንከፈ'ዩ።

"ኣብዚ ግዜ'ዚ ቃላት ሓጺሮሙኒ'ለዉ። ኣብዚ ኮፍ ኢለ፡ ብፍሽኽታ … ነቲ ዘሕለፍናዮ እዝክር ኣለኹ … ጽቡቑን ሕማቑን፡ ኩሉ እቲ ካልእን

ወላዲተይ፡ ዝፈትዋ ማሓዛይ፡ ኣርኣያ ሂወተይ፡ ኣማኒተይን፡ ድምቕቲ መብራህቲ ሂወተይ ኢኺ። ዓለም ብዘይብኣኺ፡ ዝደበነት'ያ ትመስል፡ ግና ለበይ ሰላም ዓሲልዎ'ሎ"

"ወትሩ ንቕድሚት ምስ ጎየኺ ኢኺ ነቲ ዝቕጽል ብድሆ ብምንፋቕ፡ እዚ'ውን ንሱ'ዩ ዝመስል"

"ተባዕ፡ ለዋህ፡ ትሕቲ፡ እምንቲ ክኸውን ምሂርክኒ። ልዕሊ ኩሉ ግና፡ ንሂወት ብምልኣት ክነብራ ምሂርክኒ"

"ስለዚ ኣሰር ኣእጋርኪ ክኽተል'የ ፍርሒ ንድሕሪት ክመልሰኒ ኣይከፍቅደሉን'የ።

"ንሓድግኺ ክቕጽሎ'የ፡ እዚ ቃል እኣቱ" ብምባል፡ ሻይማ፡ ኒሕን ራእይን ናይ ኣዲኣ ሙና ሙስጠፋ ተቐኒታ ከም ዘላ ገሊጻ።

ኣስማሃን ዓሊ ኑዕማን፡ መሓዛኣን መሳርሕታን'ያ፡ ከመይ ዝበለት ኣደ ከም ዝነበረት ክትገልጽ እንከላ፡ "ከም ኣደ፡ ዝበልኩ ኢለ ክገልጻ ኣይክእልን'የ፡ ንደቃ ዘለዋ ኣተሓሕዛ ኣዝዩ ዝድነቕ'ዩ። ቋንቋ ዓረብን እምነቶምን ክምሃሩ ኢላ፡ ንሞውሪታንያ ሒዛቶም ከይዳ፡ ሰለስተ ዓመት ተቐሚጣ፡ ማሻላህ ከኣ ብትምህሮቶም ንፉዓት ኮይኖም" ትብል።

ተጣባቒት መሰላት ደቂ ኣንስትዮን፡ ኣብዚ ናይ ለበዳ እዋን ሓንቲ ካብቶም ኣብ ኣገልግሎት ጥዕና ብሪጣንያ (NHS) ዝምክቱ ዘለዉ ፍሉያት ወይ ኣገደስቲ ሰራሕተኛተት (key workers) ዝኮነት ከድጃ ዓሊ መሓመድ-ኑር ብወገና፡ ብሞት ናይታ እተድንቓ መሓዝኣን መሳርሕታን ኣብ ከቢድ ጓሂ ከም እትርከብ ትገልጽ።

"ብምኽንያት፡ ሞት ናይ ሓፍትና ሙና ሙስጠፋ ዝስማዓኒ ሓዘን ብጣዕሚ ብጣዕሚ መሪር'ዩ" ትብል ከድጃ።

"ሙና ከምሰብ፡ ሓንቲ ሰብ ኣኽባሪት፡ ንኣሽቱ ኣይትብል፡ ዓቢ ኣይትብል ጻዕዳ ኣይትብል፡ ጸሊም ኣይትብል፡ ብዘይኣፈላላይ ንኹሉ ብማዕረ እተኽብርን፡ ንኹሉ ተገዳስነት ዝነበራን፡ ንኹሉ ክትሕግዝ በቲ ዝካኣላ ዓቕሚ ትቃለስ ዝነበረትን፡ ሓንቲ ካብተን ኣርኣያ ክብለን ዝደፍር ንእሽቶ ሓፍትና'ያ ነይራ። ንደቃ ንቤተሰባ እኳ ዝያዳ እንተጎደለት፡ ንዓናውን፡ ከም ሕብረተሰብ፡ ከም ህዝቢ ኤርትራ ብጣዕሚ'ያ ጎዲላትና።"

ካልእ ንነዊሕ እዋን ዝፈልጣ፡ ኢስማዒል ሙሳ ብወገኑ፡ ብዛዕባኣ ክዛረብ እንከሎ፡ "ካልእ ኣነ ብዛዕባ ሙና ክብሎ ዝደሊ፡ ብጣዕሚ ኢንተለክቸዋል [ምህርቲ] ሰብያ ነይራ። ብዘረባ ጥራይ ዘይኮነ ኩሉ ብትምህርቲ ክድህሰስ ኣለዎ እቲ ጸገማትና ትብል ዝነበረት ሰብ'ያ፡ ብፍላይ ጸገም ናይ ኤርትራ ክመጽእ እንከሎ።

እታ ድሮ፡ ቀዳማይ ዲግሪ ዝነበረት ሙና፡ ነቲ ዝነበራ ባህጊን ራእይን ንምዕዋት፡ ኣብ 2019 ኣብ ዓውዲ ምፍታሕ ግጭታት ናይ ማስተርስ ዲግሪ ትምህርቲ ጀሚራ ከም ዝነበረትን "ፍቓድ ኣምላኽ ኮይኑ ክትውድኦ ኣይካለትን፡ ካብ ሙና እንጽበዮ ብዙሕ ነገራት ነይሩ" ይብል ኢስማዒል ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ርእይቶ።

"ሙና ኢንተርናሽናል ሰብያ ነይራ" ዝብል እስማዒል "ሞታ ንሕብረተሰብ ዓቢ ክሳራ'ዩ፡ ዓባይ ሰብ ኢና ስኢንና" ኢሉ።

ሰባውነት ና ኣብ ጉዳይ መሰላት ስደተኛታት

ሙና ሙስጣፋ፡ ንስደተኛታት ንምድጋፍ፡ ኣብ ናይ ተሓላቕነት ንጥፈታት ይኹን፡ ገንዘባዊ ሓገዛት ኣብ ምውጻእ ዓቢ ተራ ከም ዝነበራ መሳርሕታ ይዛረቡ።

እስማዒል ብዛዕባ እቲ እትገብሮ ዝነበረት ናይ ግብረ-ሰናይ ስራሓት ክገልጽ እንከሎ፡ "ኣነ ንሙና ንነዊሕ እዋን'የ ዝፈልጣ፡ ኣብዚ ዓዲ ካብ ዝመጽእ ጀሚረ ማለት'ዩ። ብቐረባ ድማ ብሓባር ሰሪሕና ነይርና። ብዙሕ ናይ ግብረሰናይ ስራሕ'ያ ትሰርሕ፡ ኣብ ናትና ጥራይ ዘይኮነስ ምስ ካልኦት ማሕበረሰባት'ውን ብዙሕ ትነጥፍ እያ""ንሙና ብቐረባ ዝፈልጣ ሰብ ብጣዕሚ'ዩ ዘድንቓ። እቲ እሳ ትገብሮ ዝነበረት ነገራት ተኣምራት'ዩ። ብፍላይ ኣብዚ ናይ ካለይ [ፈረንሳ] 2016፡ ነቲ መዓስከር ምስ ኣለይዎ፡ ብዙሓት ኤርትራውያን ቆልዑ ነይሮም፡ ብመገዲ 'ሰይፍ ፓሰጅ' ዝበሃል ማሕበር ገይራ፡ ንዕኦም ናብዚ ዓዲ እንግሊዝ ከም ዝመጹ ጌራ። እቶም ክመጹ ዘይካኣሉ ድማ፡ ኣብቲ ዝኸድዎ ሃገር ብጽቡቕ ክትሓዙ ጌራ ነይራ"ብዓል ቤታ ፓኪስታናዊ ብምንባሩ'ውን፡ ንጥፈታታ ኪኖ ማሕበረሰብ ኤርትራውያን ክሰግር ከምዝሓገዛ'ዮም መሳርሕታን ፈተውታን ዝዛረቡ።

ኣስመሃን ብወገና፡ ኩስቶ ተወጺዑ'ሎ እንተሰሚዓ፡ እትሕግዝ፡ ኣብ ሊብያ ንዘለው ትሰድድ፡ ኩስቶ ሓገዝ ደልያ እንተሰሚዓ ትህብ ከምዘነበረት ትዛረብ።

ኣብ ማውሪታንያ ኣብ ዝነበረትሉ እዋን ድማ፡ ንዘኽታማት ትሕግዝ ምንባራ፡ ኣስማሃን ጠቒሳ።

"ንሳ፡ መነባብሮኣ ጽቡቕ'ዩ ነይሩ፡ ሰብኣያ ጽቡቕ ስራሕ ኣለዎ፡ ግና ንካልኦት ትሓሊ ትኸይድ፡ ካልኦት ድማ ስለምንታይ ዘይተዕርፊ ይብሉዋ። ንሳ ድማ፡ ኣነ ዓደይ'ከ ህዝበይከ ትብል ነይራ" ድማ ትብል።

ሕማቕ ዕድል ኮይኑ ግን፡ ምስታ ወለዳ ኣብ ንእስነቶም ዋጋ ዝኸፈሉላን ትናፍቓ ዝነበረትን ኤርትራ መሊሳ ከይተራኸበት ኣብ ሓጺር ዕድሚኣ ብሰንኪ ቀታሊ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ካብዛ ዓለም ተሰናቢታ'ላ።

እዚ ለበዳ'ዚ፡ ኣብ ርእሲ ሓዘን ጓሂ ደርዲሩ፡ ንኣሽሓት ስድራቤታት ዘይሓዊ ስንብራት ይገድፍ ኣሎ።

ኩሉ ሰብ ናይ ገዛእርእሱን ካልኦትን ድሕነትን ጥዕናን፡ ንምሕላው፡ ነቲ ዝወሃብ ዘሎ ናይ ጥዕና ሞያዊ ምኽርታት ምትግባር ወሳኒ'ዩ - ናይ ሂወትን ሞትን ጉዳይ ክኸውን ስለዝኽእል።