እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣብ ማእከላይ ባሕሪ፡ ኣስታት 45 ስደተኛታት ከምዝሞቱ ተገሊጹ
ዝሓለፈ ሰኑይ ሓሙሽተ ቆልዑት ዝርከብዎም ኣስታት 45 ስደተኛታት ኣብ ገማግም ባሕሪ ሊብያ ከም ዝሞቱ ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ገሊጹ።
እዞም ሞቶራ ምስ ተቓጸለ ጀልብኦም ዝጠሓለቶም ስደተኛታት፡ ልዕሊ 80 ከም ዝነበሩን ካብኣቶም ዜጋታት ሰኔጋል፣ ማሊ፣ ጫድን ጋናን ዝርከቡዎም 37 ስደተኛታት ብዘፈፍቲ ዓሳ እቲ ከባቢ ከም ዝደሐኑን እቲ ትካል ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ሓቢሩ።
ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራትን ከምኡ'ውን ትካል ዓለምለኻዊ ፍልሰት (አይ.ኦ.ኤም ) እቲ ስደተኛታት ናይ ምድሓንን ተፍትሽን ክሕይል ብምጽዋዕ፡ ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ብዙሕ ህይወት ክሃልቕ ከም ዝኽእል ኣጠንቂቖም።
ኣብዚ ዓመት ጥራይ ልዕሊ 300 ስደተኛታት ካብ ሊብያ ናብ ኤውሮጳ ኣብ ዝፈተኑዎ ጉዕዞ ከም ዝሞቱ ይግለጽ።
እንተኾነ፡ እቲ ቁጽሪ ልዕሊኡ እውን ክበጽሕ ከምነዝኽእል ግምታት ኣሎ።
ኣብ 2011 ዓ.ም [ኣቆጻጽራ ኤውሮጳ] ብኪዳን ሓይልታት ኣትላንቲክ ዝተደገፈ ህዝባዊ ተቓውሞ ንስርዓት ሙዓመር ቀዛፊ ካብ ስልጣን ድሕሪ ምዕላዉ፡ ክሳብ ሕጂ ሊብያ ድልዱል መንግስቲ ክትምስርት ኣይከኣለትን ዘላ።
ኣብ ዝተፈላለየ ኩርናዓት ናይታ ሃገር ድማ፡ ብዝተፈላለዩ ዕጡቓት ጉጅለታት ክትሕቖን ጸኒሓ ኣላ።
ኣብዚ እዋን ብሰንኪ ኣብ ሊብያ ዝካየድ ዘሎ ወግእ ሓድሕድ ብዙሓት ስደተኛታት ኣደዳ ሞትን ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ኮይኖም ከም ዘለው ትካል ስደተኛታት ሓቢሩ።
ብጀነራል ከሊፋ ሓፍታር ዝምርሑ ሓይልታት፡ ካብቲ ዓሪዶሙሉ ዘለው ምብራቓዊ ከባቢታት ናይታ ሃገር ተበጊሶም፡ ንከተማ ትሪፖሊ ንምቍጽጻር ይጽዕሩ ከም ዘለው እውን ይግለጽ ኣሎ።