ኣብ ሊብያ 30 ስደተኛታት ብቤተሰብ ሓደ ኣሰጋጋሪ ተቐቲሎም

ኣብ ሊብያ 30 ስደተኛታት ብቤተሰብ ሓደ ኣሰጋጋሪ ከም ዝተቐትሉ ተፈሊጡ።

እቲ ኣብ ትሪፖሊ ዘሎ መንግስቲ ከም ዝበሎ፡ እቲ ኣሰጋጋሪ ብገለ ካብቶም ስደተኛታት ድሕሪ ምቕታሉ፡ በዚ ዝተቖጥዑ ቤተሰቡ ሕነኡ ንምፍዳይ ን30 ካብቶም ሰደተኛታት ቀቲሎም። እቶም ግዳያት 26 ዜጋተት ባንግላድሽን ኣርባዕተ ኣፍሪቃውያን ምዃኖም ተገሊጹ። እቲ ኣሰጋጋሪ ስለምንታይ ከምዝተቐትለ'ኳ ብንጹር እንተዘይተፈልጠ፡ ኣሰጋገርቲ ኣብ ልዕሊ'ቶም ብዙሕ ገንዘብ ኣኽፊሎም ዘሰጋግርዎም ስደተኛታት ዝተፈላለየ ዓመጽን ስቅያትን ከም ዘውርዱ'ዩ ዝንገር። እቶም ስደተኛታት ባሕሪ ሰጊሮም ናብ ኣውሮጳ ክኣትዉ ዝህቅኑ ዝነበሩ'ዮም።

ብዙሓት ኤርትራውያን ኢትዮጵያንን ዝርከብዎም ናብ ኣውሮጳ ዝውሕዙ ስደተኛታት ብሊብያ ከም ዝሓልፉ ይፍለጥ።

ኣብታ ብኲናት ሓድሕድ ተሓሚሳ ዘላ ሃገር እቶም ስደተኛታት ንጭውያን ሕማቕ ኣተሓሕዛን ክቃልዑ ይራኣዩ።

ኣብ 2011 ብኪዳን ሓይልታት ኣትላንቲክ ዝተደገፈ ህዝባዊ ተቓውሞ፡ ንስርዓት ሙዓመር ጋዳፊ ካብ ስልጣን ድሕሪ ምዕላዉ፡ ሊብያ ድልዱል መንግስቲ ክትምስርት ኣይከኣለትን።

ኣብ ዝተፈላለየ ኩርናዓት ናይታ ሃገር ብዝንቀሳቐሱ ዝተፈላለዩ ዕጡቓት ጉጅለታት ክትሕቖን ጸኒሓ ኣላ።