እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ሩስያ ኣብ ሊብያ ንዘለው 'ዕሱባት' ነፈርቲ ውግእ ልኢኻትሎም ክትብል ኣመሪካ ከሲሳ
ሩስያ፡ ነቶም ኣብ ሓድሕዳዊ ውግእ ሊብያ ዝሳተፉ ዘለው 'ዕሱባት' ሩስያውያን ንምሕጋዝ፡ ነፈርቲ ውግእ ከምዝለኣኸት ምክልኻል ኣመሪካ ከሲሱ።
ነዚ ብሰራዊት ኣሜሪካ ኣብ ኣፍሪቃ (ኣፍሪኮም) ዝቐረበ ክሲ ዝቃወም፡ ካብ ሚኒስትሪ ምክልኻል ሩስያ ዝተዋህበ መልሲ ግን የለን።
ኣብዚ ወርሒ ካብ ጸበጻብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝለሓዀ ሓበሬታ፡ ኣብ ሊብያ ብኣሸሓት ዝቑጸሩ 'ዕሱባት ወደሃደራት' ከምዘለዉ ይሕረር።
ሩስያ፡ ኣብ ሊብያ ኣስታት 2500 ዕሱባት ከምዘለውዋ፡ ቅድ ምክብል ቱርኪ ከሲሳ ነይራ። ሩስያ ግና ነቲ ክሲ ነጺጋቶ እያ።
ሩስያ፡ ንከተማ ትሪፖሊ ንምሓዝ ዝዋጋእ ዘሎ ብኸሊፋ ሓፍተር ዝምራሕ ናይ ምብራቕ ሚሊሻ ከምእትድግፍ ይዝረብ።
ሩስያ ግን ኣብ ውግእ ሓድሕድ ሊብያ ዝኾነ ኢድ ከምዘይብላ እያ እትገልጽ።
ይኹን እምበር፡ 'ዕሱባት' ሩስያውያን ኣብ ሶርያ፡ ዩክረን፡ ሊብያ ከምኡ'ውን ኣብ ማእከላይ ሪፓብሊክ ኣፍሪቃ ከምዘለው ጸብጻባት ይወጹ እዮም።
እቲ ብሕቡራት ሃገራት ዝድገፍ መንግስቲ ሊብያ፡ ልዕሊ 1,000 ዝበጽሑ ዕሱባት ሩስያውያን ብሰራዊቱ ምስ ተደፍኡ፡ ካብ ደቡብ ትሪፖሊ ብነፈርቲ ሩስያ ተሓጊዞም ከምዝሃደሙ ይገልጽ።
እዚ ሓበሬታ ግን ብኻልእ ኣካል ኣይተረጋገጸን።
ኣፍሪኮም (ሰራዊት ኣሜሪካ ኣብ ኣፍሪቃ) ከምዝሓበሮ፡ ሩስያ፡ ነቶም ኣብ ሊብያ ዘለው ዕሱባትን ሓይልታት ኸሊፋ ሓፍታር ንምድጋፍ ነፈርቲ ወግእ ከምዝለኣኸት'ዩ ዝገልጽ።
እተን ነፈርቲ ካብ መዕርፎ ነፈርቲ ወግእ ሩስያ ከምዝተበገሳን፡ ብሶርያ ኣቢለን ድማ ናብ ሊብያ ከምዝኣተዋ እቲ መግለጺ ኣመሪካ ጠቒሱ።
ጋዜጣ ቱርኪ'ውን፡ 8 ሚግ ዝዓይነተን ነፈርቲ ውግእን፡ ካልኦት ኤስዩ-24 ነፈርቲ፡ ናብ ሊብያ ከምዝኣታዋ ጸብጺባ።
ንኸተማ ትሪፖሊ ንምሓዝ ዝዋጋእ ዘሎ ብኸሊፋ ሓፍተር ዝምራሕ ናይ ምብራቕ ሚሊሻ፡ ብሓያሎ ሃገራት ከም ዝድገፍ ይፍለጥ።
ጀነራል ከሊፋ ሓፍታር፡ ብግብጺ፤ ስዑዲ ዓረብ ከምኡ'ውን ብኢማራት ዓረብ ወተሃደራዊ ሓገዝ ከምዝግበረሉ ይንገር።
እቲ ብሕቡራት ሃገራት ዝድገፍ መንግስቲ ሊብያ ድማ፡ ብቱርኪ፡ ቀጠርን ምዕራባውያን ሃገራትን ይድገፍ።
ኣብ 2011 ብኪዳን ሓይልታት ኣትላንቲክ ዝተደገፈ ህዝባዊ ተቓውሞ፡ ንስርዓት ሙዓመር ጋዳፊ ካብ ስልጣን ድሕሪ ምዕላዉ፡ ሊብያ ድልዱል መንግስቲ ክትምስርት ኣይከኣለትን።
ኣብ ዝተፈላለየ ኩርናዓት ናይታ ሃገር ብዝንቀሳቐሱ ዝተፈላለዩ ዕጡቓት ጉጅለታት ክትሕቖን ጸኒሓ ኣላ።