ፖሊስ ጀርመን ንህብብቲ ኣፍሪቃዊት ደርፊ 'ጀሩሳሌማ' ብምጥቃሙ ክኸፍል ተሓቲቱ

ምንጪ ስእሊ, AFP
ኣብ ጀርመን ብብዝሒ ህዝባ ኣብ ቅድሚት እትስራዕ ክፍለግዝኣት ኖርዝ ራይን ዌስትፋሊያ፡ ብዙሓት ኣባላት ፖሊስ ኣብቲ ህቡብ ኮይኑ ዘሎ ሳዕስዒት ጀሩሳሌማ ናይ እትብል ኣፍሪቃዊት ደርፊ ድሕሪ ምስታፎም ወርነር ሚዩዚክ ንዝተባህለ ኩባንያ ክትከፍል ከም እተሓተት ኣፍሊጣ።
ብደቡብ ኣፍሪቃዊ ማስተር ኬጂ ዝተዳለወት ደርፊ ጀሩሳሌማ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ እዋን ለበዳ ኮሮናቫይረስ ባህታ ንምፍጣር ኣብ ዝተፈላለየ ክፋላት ዓለም፡ ብውልቅን ብጉጅለን፡ ብዙሓት ብሳዕስዒት እናኣሰነዩ ክቐባበለላ ተራእያ።
እቲ ኣብ ዩትዩብ ዝተዘርግሐ ወግዓዊ ቪድዮ፡ ልዕሊ 330 ሚልዮን ተዓዘብቲ ረኺቡ ኣሎ።
እቲ መጠኑ ዘይተገለጸ፡ ኣብ ልዕሊ ግዝኣት ኖርዝ ራይን ዌስትፋሊያ ዝተበየነ መቕጻዕቲ፡ ገለ ተመሳሳሊ ቪድዮታት ዘርጊሖም ዝነበሩ ትካላት ኣገልግሎት ነቲ ቪድዮታት ክድምስስዎን፡ ገለ'ውን ናይ ምድላው መደባቶም ክስርዙ ከም ዝገበረ፡ ኤኤፍፒ ንኣገልግሎት ዜና ጀርመን ብምጥቃስ ጸብጺቡ።
እቲ ብወርነር ዝተወሰደ ስጉምቲ ንብዙሓት ከቖጥዕ ከሎ፤ ብሰኑይ ኣብ ፌስቡክ ብዙሕ ወቐሳታት ኣስዒቡሎም ኣሎ።
እቲ ትካል ሙዚቃ ግና 'እቲ ተግባር ቅኑዕ እዩ' ብምባል ከም ዝሞገተ ፍራንስ 24 ጸብጺቡ።
ኣፈኛ እቲ ትካል ንፎከስ ኣብ ዝሃቦ ርእይቶ "ብዙሓት ንጀሩሳሌማ ብምድናቖም ሕጉሳት ኢና። እንተኾነ ግና ኣብ ጀርመን ዝርከቡ ትካላት ንርእሶም ንምልላይ ነቲ ሙዚቃ ክጥቀሙ እንተኾይኖም ነዚ ፍቓድ የድልዮም እዩ። ክኸፍሉ'ውን ይግባእ" ኢሉ።
ንሱ ወሲኹ "ኣብዚ ኣጸጋሚ እዋን፡ ኣብ ዝኾነ ዓውዲ ዝርከቡ ስነጥበባውያን ግቡእ ክፍሊት ክረኽቡ ይግባእ፤ ብፍላይ ድማ ናይ ባዕሎም ዝና ንምድንፋዕ ነቲ ሙዚቃ ክጥቀሙሉ እንከለው" ኢሉ።








![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







