ሴራሊዮናዊ በዓል ሞያ ሓድሽ ናይ መልእኽቲ መተግበሪ ሰሪሑ

Supfrica

ምንጪ ስእሊ, Supfrica

ሴራልዮናዊ በዓል ሞያ ቴክኖሎጂ፡ ኣብ መላእ ዓለም ዘለዉ ሰባት ንምርኻብ ዘኽእል 'ሳፕፍሪካ' ዝተባህለ መልእኽቲ መተሓላላፊ መተግበሪ ሰሪሑ።

እቲ ሓፊስ ኣልሃሰን ኬኑ ዝተባህለ ቴክኖሎጂስት፡ ንኹሎም ናይ ማሕበራዊ መራኸቢ መተግበሪታት ከምዝተዓዘበን ንዕዳጋ ኣፍሪቃ ተባሂሎም ዝተሰርሑ ኣይኮኑን ኢሉ ከምዝደምደመን ምስ ፓን ኣፍሪቃን ዴይሊ ቲቪ ኣብ ዝገበሮ ጻንሒት ተዛሪቡ።

" ብኣፍሪቃውያን ንኣፍሪቃውያን ዝተሰርሐ ውዒሉ ሓዲሩ ድማ ንዓለም ሙሉእ ዘገልግል መተግበሪ ክነማዕብል ኢና ንደሊ" ኢሉ።

እቲ መተግበሪ ዝረኸቦ ግብረ መልሲ እውን ኣዐርዩ ከምዘሐጎሶ ሓሰን ኬኑ ተዛሪቡ።

እቲ መተግበሪ ኣብ ወርሒ ታሕሳስ ኣብ ጎግል ፕለይ ካብ ዝተጽዓነሉ ግዘ ጀሚሩ ልዕሊ 100 ሽሕ ሰባት ኣውሪዶም ተጠቒሞምዎ እዮም።

"ንፈተነ ኢልና ኢና ሓሲብና፤ ብትኽክል ናብ ስራሕ ኣይኣተናን። ግን እቲ ንፈተነ ኢልና ዝጀመርናዮ ናብ ብዙሕ ሰብ ተባጺሑ" ኢሉ ኣልሓሰን ኬኑ።

እቲ በዓል ሞያ ቴክኖሎጂ ቅድም ክብል እውን ስትሪሚንግን ናይ ሙዚቃ መተግበርን ንዕዳጋ ኣፍሪቃ ኣቕሪቡ ነይሩ።