እንግሊዛዊት ክለብ ቸልሲ ንኣሰልጣኒኣ ፍራንክ ላምፓርድ ኣባሪራቶ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
እንግሊዛዊት ክለብ ቸልሲ፡ ንኣሰልጣኒኣ ፍራንክ ላምፓርድ ድሕሪ 18 ኣዋርሕ ካብ ስራሕ ኣባሪራቶ።
ወዲ 42 ላምፓርድ፡ ብኣሰልጣኒ ፈረንሳዊት ክለብ ፓሪስ ሴንት ጀርሜን (ፒ-ኤስ-ጂ) ክትካእ ትጽቢት ይግበር።
ጋንታ ቸልሲ፡ ኣብዚ ሒዝናዮ ዘለና ዓመተ ውድድር ፕሪሜርሊግ፡ ዋላ’ኳ ጽቡቕ እንተጀመረት፡ ኣብቶም ዝሓለፉ 5 ግጥማት ሓንሳብ ጥራይ’ያ ተዓዊታ።
ኣብዚ እዋን’ዚ ድማ፡ ካብ ቀንዲ መወዳድርታ ዝኾና ጋንታታት ወሪዳ ኣብ መበል 10 ትርከብ።
እቲ ፍሉጥ ተጻዋታይ ናይታ ክለብ ነበር ላምፓርድ፡ ኣብ 2019 ክቑጸር እንከሎ ናይ ሰለስተ ዓመት ውዕል’ዩ ፈሪሙ ነይሩ።
ኣብቲ ዝሓለፈ ዓመተ ውድድር፡ ብሰንኪ ኣብ ልዕሊ’ታ ክለብ ዝተነብረ እገዳ ሓደስቲ ተጻወቲ ከየምጽአ፡ በቶም ዝነበርዎ ኣብ ፕሪሜርሊግ 4ይ ደረጃ ክውድእ እንከሎ፡ ኣብ ናይ ኤፍ-ኤ (FA) ውድድር ድማ ናብ ፍጻሜ ክበጽሕ ኪኢሉ’ዩ።
ይኹን እምበር ኣብቶም ዝሓለፉ 8 ናይዚ ዓመት ግጥማት፡ ኣብ 5 ብምስዓሩ እታ ክለብ ከተንቆልቁል ኪኢላ።
እታ ክለብ ሎሚ ኣብ ዘውጽኣቱ መግለጺ፡ “እዚ ውሳነ’ዚ ኣዝዩ ከቢድን፡ ወናንኒን ቦርድን ናይታ ክለብ ብቐሊሉ ዝወሰድዎ ኣይኮነን” ኢላ።
“ፍራንክ ከም ኣሰልጣኒ ናይዛ ክለብ ዝተጓናጸፎ ዓወታት ነመስግን። ይኹን ‘ምበር፡ ናይዚ ቀረባ እዋን ውጽኢትን ኣድማዕነትን ንትጽቢታት ናይታ ክለብ ዘዕግብ ኮይኑ ኣይተረኽበን” ይብል እቲ መግለጺ።
ወናኒ ናይታ ክለብ፡ ቢልየነር ሮማን ኣብራሞቪች ብወገኑ፡ እቲ ስጉምቲ ምውሳድ ቀሊል ከምዘይነበረ ብምግላጽ፡ ላምፓርድ “ኣገዳሲ ኣርማ” ናይታ ክለብ ምዃኑ ዘህስስ ኣይኮነን ኢሉ።
ኣብዚ ዓመተ ውድድር፡ ፍራንክ ንጋንትኡ ንምሕያል ልዕሊ 200 ሚልዮን ፓውንድ ከምዘጥፍአ ይግለጽ።
በቲ ዝተዋህቦ ባጀት ድማ፡ ነቲ ብ71 ሚልዮን ፓውንድ ካብ ጀርመናዊት ክለብ ባየር ሊቨርኩስን ዝዓደጎ ካይ ሃርቨዝን፡ ካብ እንግሊዛዊት ክለብ ለስተር ብ45 ሚልዮን ፓውንድ ዝገዝኦ በን ቺልወልን ዝርከብዎም ተጻወቲ ክገዝእ ኪኢሉ’ዩ።
ፍራንክ ላምፓርድ ካብ 2001 ክሳብ 2014 ማእከላይ ተጻዋታይ ናይታ ጋንታ ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ 211 ሸቶታት ብምምዝጋብ፡ ኣብ ታሪኽ እታ ክለብ ዝለዓለ ኣመዝጋባይ ሸቶ ክኸውን በቒዑ’ዩ።
ምስታ ጋንታ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ኣብ 648 ግጥማት ከምዝተሳተፈን፡ 4 ዋንጫታት ፕሪሜርሊግን ሓደ ቻምዮንስሊግን ዝርከቦም 11 ዓወታት ምጉንጻፉ’ውን ይፍለጥ።
ምስ ሃገራዊት ጋንታ እንግሊዝ’ውን፡ ካብቶም ዝበዝሑ ግጥማት ዝተጻወቱ 7 ምዃኑ ይንገረሉ።
እቲ እኹል ናይ ኣሰልጣኒ ተመክሮ የብሎን እናተባህለ ክሕመ ዝጸንሐ ላምፓርድ፡ ቅድሚ ናብ ቸልሲ ምምጽኡ ኣሰልጣኒ ናይታ ኣብ ታሕተዋይ ደረጃ እትርከብ ጋንታ ዳርቢ’ዩ ነይሩ።
ሮማን ኣብራሞቪች ኣብ 2003 ነታ ክለብ ካብ ዝገዝኣ ንድሓር፡ ካብ ዘባረሮም ናይ ምሉእ ግዜ ኣሰልጠንቲ፡ ላምፓርድ መበል 10ይ ኮይኑ’ሎ።
ውዕሎም ከይወድኡ ብምፍናዉ ድማ ብውሕዱ 110 ሚልዮን ፓውንድ ክኸፍል ተገዲዱ።
ገለ ካብቶም ውዕሎም ከይወድኡ ዝተባረሩ ኣሰልጠንቲ፡ ፕርቱጋላዊ ጆሰ ሞሪንሆ፡ ኢጣልያውያን ካርሎ ኣንቸሎቲ፡ ኣንቶንዮ ኮንተ፡ ክላውድዮ ራኔሪን ማውሪስዮ ሳሪን ይርከብዎም።








![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







