ፕረዝደንት ሜክሲኮ ሎፔዝ ኣብራዶር ብኮሮናቫይረስ ተለኺፉ

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ፕረዝደንት ሜክሲኮ ኣንድረስ ማኑኤል ሎፔዝ ኦብራዶር፡ ብኮቪድ-19 ከምዝተለኸፈ ኣፍሊጡ።
እቲ ወዲ 67 ዓመት ፕረዝደንት ምልክታቱ ፎከስቲ ብምንባሮም ምስ ተመርመረ ትስፉው ከምዝኾነ ብመገዲ ትዊተር ሓቢሩ ኣሎ።
ኣብ ሜክሲኮ ብኮሮናቫይረስ ናይ ዝተለኸፉ ሰባት ኣሃዝ ኣብ ዝዓረገሉ እዋን እዩ ፕረዝደንት ኣንድረስ ማኑኤል ሎፔዝ ኦብራዶር፡ ብኮሮናቫይረስ ተለኺፉ ዘሎ።
ኣብታ ሃገር፡ ዛጊድ ኣስታት 150 ሽሕ ዜጋታት ብሰንኪ እዚ ቫይረስ ሞይቶም።
ኣብ ገዝኡ ኮይኑ ስርሑ ከምዝቕፅል ዝሓበረ እቲ ፕረዝደንት፡ ኣብ ሩስያ ዝተሰርሐ ክታበት ኮቪድ-19 ዝረኽበሉ መገዲ ድማ፡ ምስ ፕረዝደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑቲን ከምዝዘራረብ ሓቢሩ።
ክልቲኦም መራሕቲ ሎሚመዓልቲ ኣብ ጉዳይ ክልቲኣዊ ርክብን ቀረብ ክታበት ኮሮናቫይረስ ‘ስፑቲኒክ ቪ’ ከምዝዝትዩ፡ ትማሊ ሰንበት ቅድሚ ሰዓት እዩ፡ ተገሊፁ ነይሩ።
ፕረዝደንት ሜክሲኮ ኣንድረስ ማኑኤል ሎፔዝ ኦብራዶር፡ እቲ ስርሓት ሩስያ ዝኾነ ክታበት ኮሮናቫይረስ ውፅኢታዊ ምዃኑ እንተድኣ ተረጋጊፁ፡ 12 ሚልየን ዶዝ ክታበት ከምዝዕድግ ምግላፁ ይዝከር።
እንተኾነ፡ ሜክሲኮ እቲ ብመልክዕ መርፍእ ዝውሰድ ክታበት ኣብ ረበሓ ከምዝውዕል ኣየረጋገፀትን።
ምድንጓይ ክታበት ፋይዘር ባዮንቴክ ተወሲኽዎ፡ ሰብመዚ እታ ሃገር፡ ን128 ሚልየን ህዝቢ እታ ሃገር ዝኾን መደብ ክታበት ከዕብይዎ እዮም ዝደልዩ።
ሃገራት ብራዚልን ኣርጀንቲናን ሓዊሰን፡ ብዙሓት ሃገራት ንክታበት ‘ስፑትኒክ ቪ’ ከምዝጥቀማ ኣረጋጊፀን እየን።
ሃንጋሪ ካብ ሃገራት ኣውሮጳ፡ ነዚ ክታበት ኣፍልጦ ዝሃበት ፈላመይቲ ሃገር እያ።
ላዕለዋይ በዓልመዚ ጥዕና ጆሴ ኣሎሚያ፡ እቲ ፕረዝደንት ኣብ ህዱእ ኩነታት ጥዕና ከምዝርከብን፡ ጉጅለ ሰብ ሞያ ጥዕና፡ ነቲ ፕረዝደንት ይከታተልዎ ከምዘለዉን ገሊፁ።
ከም ሓበሬታ ዩኒቨርሲቲ ጆንስ ሆፕኪንስ፡ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ካብ ዝጅምር ንነዘ፡ ኣብ ሜክሲኮ 1 ነጥቢ 75 ሚልየን ሰባት ብኮሮናቫይረስ ተለኺፎም እዮም።
ንኣሜሪካ፣ ብራዚል ህንድን ስዒባ ድማ፡ 149,614 ሰባት በዚ ቫይረስ ዝሞቱ ሰባት ብምምዝጋብ ኣብ ራብዓይ ደረጃ ተሰሪዓ ትርከብ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







