ኮሮረናቫይረስ፡ ኣብ ብሪጣንያ ቁጽሪ ሓገዝ መተንፈሲ መሽን ዘድልዮም ሕሙማት 4 ሽሕ ሓሊፉ

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ቁጽሪ ብኮሮናቫይረስ ተለኺፎም መተንፈሲ መሽን 'መካኒካል ቬንትሌተር' ዘድልዮም ሰባት ንፈለማ እዋን ካብ 4 ሽሕ ከምዝዛየደ ተገሊጹ።
ካብ ብዓርቢ ጀሚሩ ኣብታ ሃገር 4,076 ሰባት ብመተንፈሲ መሽን ይሕገዙ ከምዘለዉ ጸብጸባት መንግስቲ የረድእ።
ቀዳማይ ማዕበል ኮሮናቫይረስ ኣብ ዝለዓለ ደረጃ በጺሑ ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ ብኣቆጻጽራ ኣውሮጳ 12 ሚያዝያ እቲ ዝለዓለ ቁጽሪ ሓገዝ መተንፈሲ ዘድልዮም ሕሙማት 3301 እዩ ነይሩ።
ለበዳ ኮሮናቫይረስ ደጊስዋ ኣብ ዘላ ዓባይ ብሪጣንያ ትማሊ ቀዳም ጥራሕ 1,348 እንትሞቱ 33,552 ሓደሽቲ ሰባት በቲ ቫይረስ ተለኺፎም።
እቲ ዝርገሐ ክቕጽል ከምዝኽእል ስግኣት ከምዘለዎ ዝገልጽ ላዕለዋይ ኣማኻሪ ጥዕና ዩናይትድ ኪንግደም ሰር ፓትሪክ ቫለንስ " እቲ ቁጽሪ ሞት ዘፍርሕ እዩ። ንዝተወሰነ እዋን ከቕጽል ከምዝኽእል ስግኣት ኣለኒ" ብምባል ተዛሪቡ።
ብተመሳሳሊ ብዙሓት ብጽኑዕ ዝሓመሙ ሰባት ካብ ዝተጨናነቓ ሆስፒታላት ናብ ካልኦት ሆስፒታላት ይውሰዱ ኣለዉ።
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ክልተ ዓበይቲ ሆስፒታላት ዝበጸሐ ጋዜጠኛ ቢቢሲ ካብ 15 ደርቢታት እቶም 12 ብሕሙማት ኮሮናቫይረስ ከምዝተትሓዙን ሰብ ሞያ ጥዕና ተጸጊሞም ከምዘለዉን ተዓዚቡ እዩ።
ኣብቲ ሆስፒታል ሄለን ዝተባህለት ጓል 64 ዓመት በዓልቲ ቤቱ ዝሞተቶ ማርቲን ፍሪማን፡ "አዐሪኹም ተጠንቀቑ፤ እዚ ከጋጥመኩም እትደልኡዎ ነገር ኣይኮነን" ክብል ንቢቢሲ ተዛሪቡ።
"በዚ ኩነታት ክሓልፍ ዝደልይ ሰብ የለን፤ በጃኹም መወዳእታኹም ከምዚ ከይኸውን" ብምባል ነቲ ዘስካከሖ ነገር ተዛሪቡ።
ኣብታ ሃገር ኣብ 18 ታሕሳስ ቁጽሪ ሓገዝ መተንፈሲ መሽን ዘድልዮም ሰባት 1,364 እዩ ነይሩ።
መንግስቲ እታ ሃገር ካብ ሃገራት ቻይናን ጣልያንን ተሞክሮ ብምውሳድ፡ ዝርገሐ እቲ ቫይረስ ክውስኽ ምስጀመረ ንምትንፋስ ዝሕግዙ መሸናት ናብ ምቕራብ እዩ ኣትዩ።
ኣብ ዝሓለፈ ዓመት መስከረም እታ ሃገር ኣስታት 30 ሽሕ መተንፈሲ መሽናት ነይሩዋ፤ እዚ ድማ ሓደ መሽን ን 2,200 ሰባት ይበጽሖም።
ኣብዚ እዋን ብኮቪድ-19 ዝተትሓዙ ሰባት ንምሕካም ዝተፈላለዩ መድሓኒታት ይፍተኑ ኣለዉ።
ኣብ ብሪጣንያ ዛጊድ ቁጽሪ በቲ ቫይረስ ዝተትሓዙ ሰባት 3,617,459 ዝበጽሐ እንትኾን 92,329 ሰባት ድማ በቲ ቫይረስ ሞይቶም።
5,861,351 ሰባት ድማ ቀዳማይ ዙርያ ክታበት ወሲዶም ኣለዉ።





![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







