ዓባይ ብሪጣንያ ብሰንኪ ኮቪድ-19 ኣብ ልዕሊ ታንዛንያን ሪ.ኮንጎን እገዳ መገሻ ኣንቢራ

ዋና ጽሓፊ መጓዓዝያ ዓባይ ብሪጣንያ ግራንት ሳፕስ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

መግለጺ ስእሊ, ዋና ጽሓፊ መጓዓዝያ ዓባይ ብሪጣንያ ግራንት ሳፕስ

ዓባይ ብሪጣንያ፡ ብሰንኪ እቲ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝተራኣየ ሓዲሽ ዓይነት ኮሮናቫይረስ ካብ ታንዛንያን ዲሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎን ዝመጽኡ ገያሾ ካብ ዓርቢ ናብ ሃገራ ከይኣትዉ ከምዝኣወጀት ዋና ጽሓፊ መጓዓዝያ እታ ሃገር ግራንት ሳፕስ ኣፍሊጡ።

ግራንት ሳፕስ ብትዊትር ኣብ ዝዘርግሖ ሓበሬታ "ካብዘን ሃገራት ዝመጽኡ ገያሾ ብጀካ ብሪጣንያውያንን ኣየርላንዳውያን ከምኡ'ውን ደቂ ካልእ ሃገር ኮይኖም ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ነባርነት ዘለዎም ካብ ዓርቢ ናብ ዓባይ ብሪጣንያ ክኣትዉ ኣይክፍቀዶምን'ዩ" ኢሉ።

ንሱ ብምስዓብ "ንኮቪድ-19 ከምኡ'ውን ነዚ ሓዲሽ ዓይነት ኮሮናቫይረስ ንከታተሎ ኣለና፡ ንዘሰክፉና ምኽልካልን ቅድሚ ናብ ሃገርና ምእታዎም ቅድመ መርመራ ምግባርን ከምኡ'ውን ኣብ ዶባት ጽኑዕ ሓለዋ ምግባር ነዚ ቫይረስ ኣብ ምቁጽጻር ሓጋዚ ክኸውን እዩ" ክብል ገሊጹ።

ዓባይ ብርጣንያ ኣብ መጀመርታ እዚ ወርሒ'ውን ብተመሳሳሊ ምኽንያት ኣብ ደቡባዊ ሸነኽ ኣፍሪቃ ካብ ዝርከባ 11 ሃገራት ዝብገሱ ገያሾ ናብ ሃገራ ከይኣትዉ ውሳነ ምሕላፋ ዝዝከር እዩ።

ምቁጽጻርን ምክልኻልን ሕማማት ኣፍሪቃ [Africa CDC] ብሓሙስ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ኣብታ ኣህጉር ካብቶም ብኮቪድ ዝተለኸፉ መጠን ሞት 2.5 ሚኢታዊት ከምዝብጽሐን እዚ ኸኣ ምስቲ ብዓለም ደረጃ 2.2 ሚኢታዊት መጠነ ሞት ብምንጽጻር ዘሰክፍ ምዃኑን ገሊጹ ነይሩ።

ዲሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ ካብተን 21 ሃገራት ኣፍሪቃ መጠነ ሞት ኮቪድ-19 ልዕሊ 3 ሚኢታዊት ዝተመዝገበለን ሃገራት እያ።

ሰብ መዚ ታንዛንያ፡ ህላወ ኮቪድ-19 ብዘይምእማን፡ ኣብታ ሃገር ዘሎ መጠን መልከፍቲ ይኹን ሞት ሓበሬታ ኣይህቡን። ብሰንኪ እዚ ኣብ ታንዛንያ ክንደይ ሰብ ብኮሮናቫይረስ ተለኺፉን ሞይቱን ዝፍለጥ ነገር የለን።

ውድብ ጥዕና ዓለም ካብዚ ብምብጋስ እታ ሃገር ትኽተሎ ኣብ ዘላ ስተራቴጂ ኮቪድ-19 ዘለዎ ስክፍታ ብተደጋጋሚ ክገልጽ ጸኒሑ እዩ።

ኣብ ኣፍሪቃ ክሳብ ሎሚ ልዕሊ 3.3 ሚልዮን ሰባት ብኮሮናቫይረስ ክልከፉ እንከለዉ ካብዚኦም 280,9825 ምሉእ ንምሉእ ሓውዮም፤ 82,781 ክሞቱ እንከለዉ 471, 482 ከኣ ሕክምናዊ ክትትል ይግበረሎም ኣሎ።