“ዘይከውን ሕልሚ ይመስል ነይሩ” ኣቦ ተላጊበን ዝተወለዳ ቆልዑ

ተላጊበን ዝተወለዳ ቆልዑ

ገና ምስተወለዳ ብድሕሪ ሒደት መዓልታት ከምዝሞታ ይግመት’ኳ እንተነበረ ተላጊበን ዝተወለዳ መሪየምን ንዳዬን ግን ብህይወት ጸኒሐን 4 ዓመታት ተቖጺሮም ኣለዉ።

ኣብዚ እዋን ከኣ ናብ ቤት ትምህርቲ ክኸዳ በቒዐን ኣለዋ። ዝመሃራሉ ቤት ትምህርቲ ኣብ እንግሊዝ ግዝኣት ካርዲፍ ይርከብ።

ኣቡአን ኢብራሂም ኣብ 2017 ነተን ተላጊበን ዝተወለዳ ማናቱ ሒዙ ካብ ሰኔጋል ናብ ለንደን ኣትዩ።

ሽዑ ነዚ ዝገበረሉ ምኽንያት ደቁ ሕክምና ክረኽባ ብዝብል’ዩ ዝነበረ። ግሬት ኦርሞንድ ስትሪት ናብ ዝበሃል ሆስፒታል ድማ ኣትየን።

እተን መናቱ ኣብዚ እዋን ደው ምባል ንኽለምዳ ጻዕሪታት ይግበር ዘሎ ኮይኑ፤ ብዘርእይኦ ዘለዋ ለውጢ ዝተገረመ ወላዲአን “ኣፍካ ዘኽድን” ክብል ነቲ ኩነታት ይገልጾ።

ርእሰ መምህር ናይቲ ዝመሃራሉ ቤት ትምህርቲ’ውን “እተን ቆልዑ መሓዙት ረኺበን ይስሕቓን ይጻወታን ኣለዋ” ክትብል ተዛሪባ።

ክልተ ልቢ ዘለወን እተን ህጻናት ናይ ሽንቲ መቛጸሪ ፊሕኛን ስርዓተ ምሕቓቕ መግብን ግን ብሓባር እየን ዝጥቀማ። በዚ ምኽንያት ከኣ ንኮሮናቫይረስ ተቓላዕቲ ዝኾናሉ ኣጋጣምታት ከምዘሎ ይግለጽ።

ኣቡአን ትምህርቲ ክጅምራ ዝወሰነሉ ምኽንያት ንዕብየተን ወሳንነት ከምዘለዎ ብምእማኑ’ዩ።

“ነቲ ዝሓለፈ ኩነታት ምልስ ኢሉ ንዝረኣየ ሰብ ዘይከውን ህልሚ’ዩ ዝመስል ነይሩ” ይብል ኢብራሂም ንሕሉፍ ብምዝካር።

ንሱ ብበዓልቲ ቤት ቀዳማይ ሚንስትር ሰኔጋል ዝመሓደር ትካል ግብረሰናይ ብዝገበረሉ ገንዘባዊ ሓገዝ ናብ እንግሊዝ ምስከደ’ዩ ዕቑባ ብምሕታት ኣብኡ ዝነብር ዘሎ።

ሰብ ሞያ ሕክምና መጥባሕቲ ሆስፒታል ኦርሞንድ ስትሪት ኣብ 2019 ነተን ማናቱ ክፈላልዩ ሓሳብ እንተነበሮም’ኳ ከጋጥሙ ንዝክእሉ ሓደጋታት ዝወግአ ኣቡአን ፍቓደኛ ክኸውን ኣይከኣለን።

ኣካላት ስርዓተ ዝውውር ደመን እውን ዝተሓላለኸ ምዃኑ ስለዝተፈለጠን ሓደኤን ብዘይ ሓዲኤን ብህይወት ክጸንሓ ከምዘይክእላ ስለዝተረጋገጸን እቲ ናይ ምፍልላይ ሓሳብ ክቋረጽ ኣብ ውሳነ ተበጺሑ።

“ቆልዑት ‘ናይ መሪየም መሓዛ እየ’ ወይ ‘ናይ ንዳዬ መሓዛ እየ” ይብሉ እምበር ‘ናይተን መናቱ መሓዛ እየ’ ኣይብሉን። ገሊኦም ናይታ ሓንቲ ገለ ድማ ናይታ ካልአይቲ መሓዙት ከምዝኾኑ ይገልጹ። እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት ድማ ክልቲኤን ዝተፈላለየ ባህርያት ስለዘወን እዩ” ትብል ርእሰ መምህር ናይቲ ዝመሃራሉ ቤት ትምህርቲ ሄለን ቦርሊ።

እተን ቆልዑ ከመይ ደው ክብላ ከምዘለወን ኣብ ሓደ ሆስፒታል ህጻናት ትምህርቲ ክወሃበን ጸኒሑ’ሎ። ብሜላ ድማ ደው ክብላን ሓበራዊ እግረን ክድልድልን እናተገበረ’ዩ።

እዚ ግን ነተን ህጻናት ከቢድወን ምንባሩ’ያ በዓልቲ ሞያ ፊዚዮቴራፒ ሳራ ዋዴ ዌስት ትዛረብ።

“ብፍላይ ንዳዬ ብዙሕ ድልየት ኣይነበራን። ነቲ ስልጠና እናዋዘና ኢና ክንህበን ንፍትን። ተቢዐን ንኽሰርሓ ናብቲ ናይ መጻወቲ ቦታ ክበጽሓ ነተባብዐን ነይርና። ቴራፒ ምዃኑ ምስፈለጣ ግን ብዘሕ ዘሕጉስ ኣይነበረን” ክትብል ኣረዲኣ።

ብሰንኪ ጸገም ልበን ብዙሕ ክንደፋፍአን ኣይንኽእል። ስለዚ ሚዛኑ ብዝሓለወ መገዲ ኢና ክነስርሐን ዝግበኣና” ክትብል’ውን ወሲኻ ገሊጻ።

ደው ኢለን ምርኣይ ንወላዲአን ከም ሓደ ለውጢ ጥራይ ዝውሰድ ኣይኮነን።

“ንምንባር ጥራሕ ዘይኮነስ ንቑሓት ኮይነን ኣብ ውሽጢ ማሕበረሰብ እጃመን ክፍጽማ ከምዝኽእል እየን ዘርእያ ዘለዋ” ይብል ኢብራሂም።

“እዞም ኩሎም ውጽኢታት ንመጻኢ ብርሃንን ተስፋን ዘምጽኡ እዮም። ኮይኑ ግን ህይወተን ክሳብ ክንደይ ዝተሓላለኸን ዘይግመትን ክኸውን ከምዝኽእል ይርደኣኒ እዩ። እታ ንኢሽተይ ክገብረለን ዝኽእላ ነገር ኣብኣተን ተስፋ ከምዘለዊ ምርኣይ እዩ” ክብል ድማ ይዛረብ።