ስምምዕ ልፍንቲ ስዑዲ ዓረብን ቐጠርን ኣብ ከባቢ ቀይሕ ባሕሪ ዝህልዎ ጽልዋ

ኣሚር ቐጠር ሸኽ ታሚም ኣል ታኒ ምስ ወራሲ ዓራት ስዑዲ ዓረብ ልኡል መሓመድ ቢን ሳልማን (ጥሪ 5: 2021)

ምንጪ ስእሊ, EPA

መግለጺ ስእሊ, ኣሚር ቐጠር ሸኽ ታሚም ኣል ታኒ ናብ ኣል-ዑላ ኣብ ዝገሸሉ ወራሲ ዓራት ስዑዲ ዓረብ ልኡል መሓመድ ቢን ሳልማን ተቐቢልዎ

መራሕቲ ሃገራት ወሽመጥ ዓረብ፡ ጎረባብቲ ሃገራት ኣብ ልዕሊ ቐጠር ኣንቢረንኦ ዝጸንሓ እገዳ ንምልዓል ኣመልኪቶም ኣብ ዘካየድዎ ርክብ ናይ "ምሕዝነትን ርግኣትን" ስምምዕ ከቲሞም።

ዝርዝር ትሕዝቶ እቲ ስምምዕ ዛጊት እንተዘይተገለጸ እኳ፤ ስዑዲ ዓረብ ንክሊ ኣየራን ምስ ቐጠር ዘዳውባን ከባቢታት ድሕሪ ምኽፋታ ድሕሪ ሓደ መዓልቲ ኣሚር ቐጠር ናብ ኣል-ዑላ ኣብ ዝገሸሉ ወራሲ ዓራት ስዑዲ ተቐቢልዎ ኣሎ።

ስዑዲ ዓረብ፡ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፡ ባሕሬይንን ግብጽን ኣብ 2017 እየን ምስ ቐጠር ንግብረሽበራ ትሕግዝ እያ ብዝብል ምስኣ ዝነበረን ርክብ በቲኸን።

ብነዳዲ ኣዝያ ሃብታም ዝኾነት ንእሽቶ ሃገር ቐጠር ግና ነቲ ክስታት ትነጽጎ፤ ነቲ ከፊላዊ እገዳ ንምልዓል ዝተነብረ፡ ንመደበር ዜና ኣልጀዚራ ምዕጻው ዝብል ቅድመ ኩነታት ድማ ኣይተቐበለቶን።

ኣብ ዝሓለፉ ኣዋርሕ፡ ሸምገልቲ ኩዌትን ኣሜሪካን ነቲ ኩነታት መዕለቢ ንምርካብ ተበግሶታት ወሲዶም እዮም።

ወራሲ ዓራት ስዑዲ ዓረብ ልኡል መሓመድ ቢን ሳልማን ኣብ መኽፈቲ እቲ ርክብ ኣብ ዘስምዖ መደረ "እቶም ጻዕርታት ኣብ ስምምዕ ኣል-ዑላ ንዝኸተሙ ነጥብታት ኣብ ምርድዳእ ክንበጽሕ ሓጊዞምና እዮም። ነቲ ናይ ወሽመጥ፡ ናይ ዓረብን እስላማውን ስምረትና ክነትርሮ ኢና" ኢሉ።

ንሱ ወሲኹ፡ "ሎሚ ንጻዕርታትና ብምሕባር ንብድሆታትና ገጢምና ንዞባና ክነሰጉም ዘገድድ ኩነት ኣሎ፤ ብፍላይ ድማ እቲ ብወገን ኢራን ተዋዲዱ ዘሎ ስግኣት ናይ ኒኩሌራውን ባሊስቲካውን ናይ ሚሳይል ፕሮግራማትን ናይ ዕንወትን ውጥናቱን" ኢሉ።

ጠንቂ እቲ ምስሕሓብ እንታይ እዩ ነይሩ?

ኣብ ሰነ 2017 ስዑዲ ዓረብ፡ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ባሕሬይንን ግብጽን ምስ ቐጠር ዝጸንሐን ኩሉ ዲፕሎማስያውን ንግዳውን ርክባት በቲኸን።

ሓውሲ ደሴት ዝኾነት ቐጠር ብምድሪ ምስ ስዑዲ ዓረብ ጥራሕ እያ እትዳወብ፡ ንሱ ድማ ተዓጽዩ፤ ናይ ቐጠር ባንዴራ ዘንበልብላ ወይ'ውን ንቐጠር ዘገልግላ መራኽብ ኣብ ብዙሕ ወደባት ከይጽግዓ ተኣጊደን። ብዙሕ ክሊ ኣየራት'ውን ንነፈርቲ ቐጠር ተኸልኪሉ።

ተንታኒ ፖለቲካ ምብራቕ ኣፍሪካን ማእከላይ ምብራቕን ኤርትራዊ ኣብዱራህማን ሰይድ ቀንዲ ዘሰሓሓበን ሰለስተ ነጥብታት ምንባሩ የረድእ።

"ማእከን ናይ ዜና ናይ ኣልጀዚራ ፍኑው፡ ነጻ ዝኾነ ኣቐራርባ ስለ ዝነበሮ፡ ነቲ ኣብቲ ከባቢ ዝነበረ ዓቃባዊ ዝበሃል መሪሕነታት የሻቕሎም ነይሩ፤ ካልኣይ ብፍላይ ኣብ ግብጺ ምስ ዝነጥፍ 'እስላማዊ ሕውነት' ምስ ዝበሃል ኣብ ግብጽን ሕቡራት ኢማራት ዓረብን ከም ጸላኢ ዝቁጸር ምንቅስቓስ ምትእስሳር ከም ዘለዎምን ነቲ ርክብ ከቋርጽዎን ጠለብ ነይሩ።

"እቲ ሳልሳይ ከኣ ኣብ መንጎ ቐጠር ምስ ኢራንን ቱርክን ነጻ ዝኾነ ርክብ እዩ ነይርዋ፤ እተን ተጻባእቲ ናይ ቐጠር ከኣ ምስ እዘን ክልተ ሃገራት [ኢራንን ቱርክን] ናይ ምትፍናን ነገራት ነይሩ። ስለዚ ቐጠር ኣብቲ ከባቢ ናይ በይና ዝኾነ ናይ ወጻኢ ፖሊሲ ክትኽተል ሕጉሳት ኣይነበሩን" ይብል።

ብዘይካ'ዚ ምምሕዳር ትራምፕ'ውን ኣብቲ ኩነታት ኢድ ከም ዝነበሮ ይዛረብ ኣብዱራሕማን።

ዶሓ ቐጠር

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ካብ 2.6 ሚልዮን ነበርቲ ቐጠር፡ እቶም 300 ሽሕ ጥራሕ እዮም ዜጋታት

እተን ሃገራት ነቲ እገዳ ከልዕልኦ እንተኾይነን ቐጠር 13 ቅድመ ኩነታት ክተማልእ ድማ ጠሊበን። ኣብቲ ዝተቐመጠ ቅድመ ኩነት፡ ምዕጻው መደበር ዜና ኣልጀዚራ፡ ዲፕሎማስያዊ ዝምድና ምስ ኢራን ምብታኽ፡ ምዕጻው ኣብ ቐጠር ዝርከብ ወተሃደራዊ መዓስከር ቱርኪ፡ ከምኡ'ውን ኣብ ውሽጣዊ ጉዳያት ካልኦት ሃገራት "ጣልቃ ምእታው" ክተቋርጽ ዝብል ይርከብዎ።

ቐጠር ግና ንሉኣላውነታ ኣሕሊፋ ከም ዘይትህብን እቲ እገዳ'ውን ንኣህጉራዊ ሕጊ ዝጠሓሰ ምዃኑ ብምግላጽ ነቲ ጠለብ ነጺጋቶ።

ምስ ኢራንን ቱርክን ሓድሽ ንግዳዊ መስመራት ብምምስራት መሰረታዊ ጠለባት 2.7 ሚልዮን ህዝባ ከም ዝረጋገጽ ገበረት።

ካብቲ ሽዱሽተ ኣባል ሃገራት ዘለዎ ቤትምኽሪ ምትሕብባር ወሽመጥ፡ ምስ ቐጠር ርክበን ዘይበተኻ ኩዌትን ኦማንን ጥራሕ እየን። ኩዌት ነቲ ምስሕሓብ ንምእላይ ናይ ሽምግልና ጻዕርታት ተካይድ ነይራ።

እቲ ዕርቂ ብኸመይ መጺኡ?

ኣብ ፈለማ እቲ ምስሕሓብ፡ ወላ'ኳ ቐጠር ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዝዓበየ ወተሃደራዊ መዓስከር ኣሜሪካ ዝተደኮነላ ሃገር እንተኾነት፡ ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ካብ ትጽቢት ወጻኢ ብዝኾነ መገዲ ምስ ስዑዲ ዓረብን ተሓባበርታን እዩ ወጊኑ፤ ንቐጠር ድማ "ንግብረ ሽበራ ትምውል'ያ" ብምባል ኮኒንዋ።

ኣማኸርቱ ግና ኣብቲ ጉዳይ ዘይሻራዊ መርገጺ ክህልዎ ኣእሚኖምዎ፤ በዚ ድማ ኣብ 2018 ኣብ ዋይት ሃውስ ኣብ ዝተኻየደ ርክብ፡ ኣሚር ቐጠር ሼኽ ታሚም ኣንጻር ምወላ ግብረሽበራ ንዝሰርሖ ስራሓት ንኢድዎ።

ጻዕርታት ሽምግልና ኩዌት፡ ክሳዕ'ቲ ፕረዚደንት ትራምፕ ክልቲኦም ወገናት ናብ ምቕርራብ ከምጽኡ ጸቕጢ ዝገበረሉ፡ ዝሓለፈ ዓመት ብዙሕ ኣይሰጎመን ነይሩ።

ሰብኣይ ጓል ፕረዚደንት ትራምፕን ላዕለዋይ ኣማኻርን ጃሬድ ኩሽነር ኣብ ታሕሳስ ናብ ስዑዲ ዓረብን ቐጠርን ምብጻሕ ኣካዪዱ ነይሩ፤ ብሰኑይ ድማ ኣብቲ ምኽታም ስምምዕ ንኽሳተፍ ናብ ኣል-ዑላ ኣምሪሑ ምህላው ይግለጽ።

እቲ ስምምዕ ኣብ ዞባ ቀይሕ ባሕሪ ዝህልዎ ጽልዋ

ብሰንኪ እቲ ኣብ መንጎ ብስዑዲ ዝምራሕ ልፍንትን ቐጠርን ተኸሲቱ ዝጸንሐ ምስሕሓብ ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ ናብ ሓዲኡ ክጽግኣ ክግደዳ ከም ዝጸንሓ ብምግላጽ፡ ብፍላይ ነተን ዘይሻራዊ መርገጺ ዝጸንሐን ከም ሶማል ዝኣመሰላ ሃገራት እፎይታ ዝፈጥር ምዃኑ ኣብዱራሕማን ሰይድ የረድእ።

"ብሰንኪ እዚ መርገጺ ማእከላይ መንግስቲ ሶማልያ፡ እተን ልፍንትታት ነቲ መንግስቲ ዕሽሽ ብምባል ብቐጥታ ምስ ሶማሊ ላንድ ቀጥታዊ ርክብ ክገብራ ጀሚረን ነይረን" ኢሉ።

ኤርትራ ግና ካብ ፈለማ ናብቲ ልፍንቲ ወጊና ብምንባራ ንቐጠር ኣቐዲማ ከም ዝኸሰረታ'ውን ይገልጽ ኣብዱራሕማን።

ንሱ ወሲኹ እቲ ናይ የመን ሕቶ ብሰላማዊ መገዲ ፍታሕ እንተረኺቡ ንጸጥታ ናይ ቀይሕ ባሕሪ ዝሕግዝ ከም ዝኸውን ይዛረብ።