ፈረንሳ፡ ልዕሊ 2,500 ሰባት ሕጊ ብምጥሓስ ኣብ ‘ዘይሕጋዊ ምርኢት ዕቡዳት’ ተሳቲፎም

ተሳተፍቲ እቲ 'ምርኢት ዕቡዳት' እናብሃለ ዝግለጽ ሳዕስዒት

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ተሳተፍቲ እቲ 'ምርኢት ዕቡዳት' እናብሃለ ዝግለጽ ሳዕስዒት

ኣብ ፈረንሳ፡ እታ ሃገር ለበዳ ኮሮናቫይረስ ንምቁጽጻር ሰዓታት እቶ እቶ ኣብ ዝኣወጀትሉ፡ ልዕሊ 2,500 ዝኾኑ ሰባት ነቲ ሕጊ ብምጥሓስ 'ምርኢት ዕቡዳት' ተባሂሉ ዝጽዋዕ ቅልጡፍ ምንቅስቃስ ዘለዎ ዓመታዊ ዝጽንበል ዓይነት ሳዕስዒት ከምዝተሳተፉ ፖሊስ ፈረንሳ ገሊጹ።

እቲ ምርኢት ኣብ ጥቃ ረኔስ ብሪታኒ እትርከብ ልዮነር ኣብ ዝርከብ ዓበይቲ መኻዚኖታት ካብ ሓሙስ ጀሚሩ ክካየድ ከምዝጸንሐን ገና ኣብ ገለ ገለ ቦታታት ይካየድ ከምዘሎን ተፈሊጡ።

ፖሊስ ፈረንሳ፡ ኣብቲ ጽንብል ካብ ዓባይ ብሪጣንያን ስጳኛን ዝምጽኡ ሰባት'ውን ከምዝተሳተፉ ገሊጾም።

እቶም ኣብቲ ምርኢት ዝተሳተፉ ሰባት ምስቶም ክብትንዎም ዝመጽኡ ፖሊስ ከምዝተጋጨውን፡ ናብ መካይን ናይቶም ክብትንዎም ዝመጽኡ ፖሊስ ብዝደርበይዎ ዝተፈላለየ ነገራት ብውሕዱ ሰለስተ ፖሊስ መጠናዊ መጉዳእቲ ከምዝጋጠሞም'ውን ተገሊጹ።

ሰብ መዚ እቲ ከባቢ ኣብ ዘውጽእዎ መግለጺ "ፖሊስ ነቲ ምትእክኻብ ንምብታን ኣብ ዝፈተንሉ፡ ካብቶም ተሳተፍቲ ኣዝዩ ሕማቕ ግብረ መልሲ ኣጋጢምዎም" ኢሎም።

ሓደ ካብቶም ኣብቲ ምርኢት ዝተሳተፈ ጆ ዝተባሃለ ኮይኑ፡ ንሱ ንኤኤፍፒ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ካብቶም ተሳተፍቲ ኣዝዮም ውሑዳት ጥራይ ኣካላዊ ምርሕሓቕ የተግብሩ ምንባሮም ገሊጹ።

ተሳተፍቲ እቲ 'ምርኢት ዕቡዳት' እናብሃለ ዝግለጽ ሳዕስዒት

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ተሳተፍቲ እቲ 'ምርኢት ዕቡዳት' እናብሃለ ዝግለጽ ሳዕስዒት

እቶም ተሳተፍቲ እቲ ቅልጡፍ ምንቅስቃስ ዘለዎ፡ ምርኢት ዕቡዳት እናተባሃለ ዝግለጽ ዓይነት ሳዕስዒት፡ እቶም ተሳተፍቲ ካብቲ ኣዳራሽ ወጺኦም ኣብ መኪንኦም ደቂሶም ናብቲ ምርኢት ይምለሱ ምንባሮን ክሳብ ሰሉስ እቲ መደብ ክቅጽል መደብ ከምዝነበረን ገሊጾም።

ሚኒሰትር ውሽጣዊ ጉዳያት ፈረንሳ ገራርድ ዳርማኒን ብዛዕባ እቲ ምትእኽኻብ ኣመልኪቱ ህጹጽ ኣኼባ ምጽውዑን፡ ካብቲ ኣዳራሻት ወጺእካ ናብ ካልእ ጎዶናታት ዝሕውስ መንገዲ ብምልኡ ተዓጽዩ ምህላውን ኣስታት 200 ዝኾኑ ካብቶም ተሳተፍቲ ብፖሊስ ናይ ቃል መጠንቀቅታ ተዋሂብዎም ምህላውን ገሊጹ።

ፈረንሳ ብምኽንያት ለበዳ ኮሮናቫይረስ፡ ኣብ ድሮን ጽባሕን ሓድሽ ዓመት ዝግበር ምትእኽኻብ ንምውጋድ ኣብ መላእ እታ ሃገር ካብ ሰዓት ሸሞንተ ናይ ምሸት ክሳብ ሰዓት ሽዱሽተ ናይ ንግሆ ሰዓታት እቶ እቶም ምእዋጃ ዝዝከር እዩ።

እታ ሃገር ነቲ ኣዋጅ ዘተግብሩ፡ ኣብ ልዕሊ እቶም ነባራት ፖሊስ ልዕሊ 100,000 ሰራዊት ኣብ መላእ ሃገር ምውፋራ'ውን ኣፍሊጣ ነይራ እያ።

ኣብ ፈረንሳ ክሳብ ሎሚ 2.6 ሚልዮን ሰባት ብኮሮናቫይረስ ክልከፉ እንከለዉ ካብዚኦም እቶም 64,892 ከምዝሞቱ ካብ ጆንስ ሆፕኪንስ ዩኒቨርስቲ ዝተረኸበ ሓበሬታ የመልክት።