ዓዲ እንግሊዝ፡ ቲክቶክ ካብ ጓል 12 ዓመት ቆልዓ ክሲ ክቕርበሉ እዩ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ሓንቲ ጓል 12 ዓመት ቆልዓ ኣንጻር መተግበሪ ቲክቶክ (ሓጸርቲ ቪድዮታት ንምዝርጋሕ ዘገልግል ማሕበራዊ መራኸቢ) ሕጋዊ ስጉምቲ ክትወስድ ኣንቂላ ኣላ።
እታ መንነታ ከይተገለጸ ክጸንሕ ቤትፍርዲ ዘፍቀደላ ቆልዓ፡ ቲክቶክ ንሓበሬታታት ቆልዑ ሕጋዊ ብዘይኾነ መገዲ ከም ዝጥቀመሉ ትከስስ።
እታ ቆልዓ ዝወሰደቶ ተበግሶ ብኮምሽነር ሕጻናት ዓዲ እንግሊዝ፡ ኣን ሎንግፊልድ ደገፍ ረኺቡ ኣሎ። ቲክቶክ ኣብ ብሪጣንያን ኣውሮጳን ሓበሬታታት ምሕላው ንዝምልከቱ ሕግታት ከም ዝጠሓሰ ኣን ትገልጽ።
ቲክቶክ ብወገኑ ቆልዑ ንምሕላው "ድልዱል ፖሊሲ" ከም ዘለዎን ትሕቲ 13 ዓመት ዝዕድሚኦም ነቲ መተግበሪ ክጥቀሙ ከም ዘየፍቕድን ሓቢሩ።
እቲ ጉዳይ ኣብ ኣውሮጳን ኪንይኡን ትሕቲ 16 ዓመት ዝዕድሚኦም ተጠቀምቲ ቲክቶክ ዝሓሸ ሓለዋ ክረኽቡ ከም ዘኽእል ትስፍውቲ ምዃና ኣን ተዛሪባ።
እቲ መተግበሪ ናይ ቆልዑ ሓበሬታ ኣኪቡ ብምምስራሕ ኣቓልቦ ተኸታተልቲ ንምስሓብን ካብ መወዓውዒታት ኣታዊታት ንምርካብን ይጥቀመሉ እዩ ዝብል እምነት ከም ዘለዋ ሓቢራ።
ንሳ ንላዕለዋይ ቤትፍርዲ ለንደን ኣብ ዝሃበቶ ሓበሬታ፡ እቲ ትካል ንሓበሬታ እታ ቆልዓ ክድምስስ እቲ ቤትፍርዲ ክእዝዝ ጠሊባ።
እቲ ቤት ፍርዲ፡ መንነት እታ ቆልዓ እንተተገሊጹ፡ ብኻልኦት ተጠቀምቲ ቲክቶክ ምጉብዕባዕ ክበጽሓ ከም ዝኽእል ብምግላጽ፡ ስማ ከይግለጽ ወሲኑ።
ኣብ 2019 ቲክቶክ ምስ ኣተሓሕዛ ሓበሬታ ቆልዑ ብዝተኣሳሰር ብኮምሽን ንግዲ ፌደራል ኣሜሪካ 5.7 ሚልዮን ዶላር ተቐጺዑ እዩ።
ደቡብ ኮርያ'ውን ኣብ 2020 ብተመሳሳሊ ምኽንያት መቕጻዕቲ በዪናትሉ እያ።







![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







