ኣብ 'ቲክ ቶክ' 100 ሚልዮን ሰዓብቲ ዘፍረየት ፈላሚት ጓል 16 ዓመት ኣመሪካዊት

ቻርሊ ዲ'ኣሜሊዮ ምስ ሓፍታ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ቻርሊ ዲ'ኣሜሊዮ ምስ ሓፍታ

ኣመሪካዊት ጓል 16 ዓመት ቻርሊ ዲ'ኣሜሊዮ ኣብ ዓለም ንፈለማ 100 ሚልዮን ሰዓብቲ ዘፍረየት ተጠቃሚት ማሕበራዊ መራኸቢ 'ቲክ ቶክ' ክትኸውን በቒዓ።

ቻርሊ ኣብ ኖርዎክ ኣመሪካ እትነብር ኮይና ተጠቃሚት 'ቲክ ቶክ' ካብ እትኸውን ኣብ ውሽጢ ሓደ ዓመትን ፈረቓን እያ ዝለዓለ ብዝሒ ሰዓብቲ ክተፍርይ ዝኸኣለት።

ንሳ ኣብ ናይ ዩ ቱዩብ ቪድዮ ብዘርኣየቶ ባህርያት ኣዘራራቢት ካብ ምዃና ብዝሰገረ ንብዙሓት ከም ዘቖጠዐት ይግለጽ።

ብፍላይ ኣብ ሓደ ምስ ስድርኣ ኮይና እተዳልዎ 'ዲነር ዊዝ ዘ ዲ ኣሜሎስ' [ድራር ምስ እንዳ ደ ኣሜሊዮስ] ዝብል ተኸታታሊ ምርኢት፤ ኣብ ቀዳማይ ክፋሉ ነቲ ኣብ ገዝኦም መግቢ ዘዳልው በዓል ሞያ ምድላው መግቢ ክብሪ ብዘይምሃባ ንብዙሓት ኣቖጢዑ'ዩ።

ተቓውሞኦም ብተግባር ክገልጹ ዝደለዩ ልዕሊ 600 ሽሕ ኣድነቕታ ድማ ንዓዓ ምስዓብ ኣቋሪጾም ማለት 'ኣንፈሎው' ገይሮምዋ።

አንተኾነ ዲ ኣሜሊዮ ንዝፈጸመቶ ተግባር ይቕሬታ ብምሕታትን ነቲ ባህርያት ከምዘይትደግሞን ዝገልጽ ሓደ ቪድዮ ሰሪሓ ምስ ዘርግሐት ቁጠዐ ሰዓብታን ኣድነቕታን ክሃድእ ክኢሉ።

ነቲ ሕዚ ዘመዝገበቶ ክብረወሰን ከኣ ብትዊተር ኣብ ዝጠቀዐቶ መልእኽቲ ንኣድነቕታ ኣመስጊና'ላ።

"100 ሚልዮን ሰባት ሓጊዞምኒ. . . ብሓቂ እዚ ክውን ክኸውን ከም ዝኸኣለ ክኣምን ኣይከኣልኩን" ክትብል ዝተሰምዓ ገሊጻ።

ናይ ሚልዮን ዶላራት ስምምዕ

ጓል 16 ዓመት ቻርሊ ልክዕ ከምቲ ካልኦት ተጠቀምቲ ማሕበራዊ መራኸቢ ቪድዮ ዝገብርኦ/ዎ ንሳ'ውን ኣብ መደቀሲ ክፍላ እናደነሰት ዘርእዩ ቪድዮታት'ያ ትፍንው።

ኣብቲ ማሕበራዊ መራኸቢ ኮነ ብደገ ዘለዋ ህቡብነት ከኣ ብፍላይ ካብ ዝሓለፈ ዓመት እናወሰኸ መጺኡ።

ኣብ ወርሒ ሚያዝያ ድማ 50 ሚልዮን ሰዓብቲ ዘፍረየት ፈላሚት ተጠቃሚት 'ቲክ ቶክ' ኮይና።

በዚ ምኽንያት ኣብ 2019 'ስታርዶግ ኤንድ ቱርቦካት' ኣብ ዝብል ናይ ኣኒሜሽን ፊልም ብድምጺ ክትሳተፍ ዕድል ረኺባ።

ካብዚ ብተወሳኺ ኣብ ዓለም ፍሉጣት ምስ ዝኾኑ ['ብራንድ'] ናይ ፋሽንን ሜክኣፕን ትካላት ሓቢራ ክትሰርሕ ኪኢላ'ያ።

'ቻርሊ፡ ዘ ኣልቲሜት ጋይድ ቶ ኪፒንግ ኢት ሪል' ዝብል ርእሲ ዝሃበቶ መጽሓፋ ከኣ ኣብ መዛዘሚ 2020 ናብ ኣንበብቲ ክዝርጋሕ ምዃኑ ተፈሊጡ'ሎ።

ፎርብስ ከም ዝብሎ እንተኾይኑ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ጥራይ ካብ ዝፈረመቶም ስምምዓት ስራሕ ኣስታት 4 ሚልዮን ዶላር ኣታዊ ረኺባ ነይራ።