ዩትዩብ ምስ ቲክቶክ ዝወዳደር ሓዲሽ መተግበሪ ኣብ ህንዲ ክፍትን እዩ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ዩትዩብ ምስ ቲክቶክ ዝመሳሰልን ዝወዳደርን ሓዲሽ መተግበሪ ሰሪሑ ኣብ ህንዲ ክፍትኖ ምዃኑ ገሊጹ።
ዩትዩብ ኣብዚ ሓዲሽ ዝዝርግሖ ዘሎ መተግበሪ ሓደ ተንቀሳቃሲ ምስሊ ካብ 15 ካልኢት [ሰከንድታት] ዘይበዝሕ ገይሩ ከምዘዳልውን ምስቲ ብቻይና ዝውነን ቲክቶክ ዝመሳሰል ከምዘለዎን ገሊጹ’ሎ።
ኣብ ወርሒ ሰነ ኣብ ሞንጎ ህንድን ቻይናን ኣብ ዶባትን ዘሎ ወጥሪ ምስ ወሰኸ፡ ህንዲ ንቲክቶክን ካልኦት 58 ብቻይና ዝውነኑ መተግበሪታትን ኣብ ህንዲ ከይሰርሕ ከምዝኣገደቶ ዝዝከር እዩ።
ህንዲ ሓንቲ ካብተን ዝበዝሑ ዓማዊል ቲክቶክ ዘለዉዋ ሃገር ኮይና ኣብ ህንዲ ልዕሊ 120 ሚልዮን ተጠቀምቲ ቲክቶክ ነይሮም።
ዩትዩብ ነዚ ሃጓፍ ተጠቂሙ’ዩ ነቶም ዓማዊል ቲክቶክ ዝነበሩ በዚ ሓዲሽ ዝሰርሖ መተግበሪ ከስልሎም ወጢኑ ዘሎ፡ እንተኾነ ኣብ ውሽጢ ህንዲ ዝፈረያ ተመሳሰልቲ መተግብሪታት ስለዘለዋ ንዩቱዩን ዓቢ ብድሆ ክኾኖ ከምዝኽእል ይግለጽ።
ምክትል ፕረዚደንት፡ ዩትዩብ ክሪስ ጀፍ ኣብ ዝሃቦ መግልጺ “ሓጺር ተንቀሳቃሲ ምስሊ ስኢሎም ክጽዕኑ ንዝደልዩ ስነጥበባውያንን ግዱሳትን ክኸውን ኢልና ኢና ኣዳሊናዩ፡ እቲ ስእሊ ድማ ቅልል ዝበለ እዩ ብሞባይልካ ገይርካ ትስእሎ” ኢሉ።
እቲ ሓዲሽ መተግበሪ፡ ዝተፈላለየ ቪድዩ ተለጋግበሉ፡ ነቲ ቪድዩ መቀልጠፍን መዝሓልን ዝኣመሰ ነቲ ቪድዩ ግርማ ዝህቡ ነገራት ተዳልየሙሉ ከምዘለዉ ተገሊጹ።
ካብዚ ብተወሳኺ ኣብቲ መተግበሪ ኩሉ ሰብ ክጥቀመሉ ዝኽእል ዝተኸዘነ ሓጸርቲ ደርፍታት ከምዘለዎ’ውን ክሪስ ጀፍ ሓቢሩ።
እዚ ዩትዩብ ዝዝርግሖ ዘሎ ንቲክቶክ ክትክእ ትጽቢት ተነቢርሉ ዘሎ ሓዲሽ መተግበሪ ህንድን ኣሜሪካን ምስ ጸጥታ ዜጋታትን ኣተሓሒዘን ኣብ ልዕሊ ፍርያት ቻይና ዝኾነ ቲክቶክ ዘለወን ስክፍታ ድሕሪ ምግላጸን እዩ ዝዝርጋሕ ዘሎ።
ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ‘ብዳታ’ ዝጥቀሙ ዓማዊል ቲክቲክ መንግስቲ ቻይና ምስጢራቶም ክፈልጦ ይኽእል’ዩ ዝብል ስክፍታ’ዩ ዘለዎ።
መንግስቲ ህንዲ’ውን ብተመሳሳሊ ምኽንያታት እዩ ኣብ ወርሒ ሰነ ቲክቶክ ኣብ ሃገሩ ከይሰርሕ ኣጊዱ።
መንግስቲ ህንዲ ኣብ ሞንጎ ሃገሩን ቻይና ኣብ ሂማልያ ከባቢ ጋልዋን ናይ ቶኽሲ ምልውዋጥ ምስ ተገበረ’ዩ ንቲክቶክ ብቅጽብት ኣብ ህንዲ ከይሰርሕ ኣጊድዎ።






![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







