ንሕልፈት ተፈሪዱ ዝነበረ ፕረዚደንት ቡሩንዲ ነበር ኣብ መበል 71 ዓመቱ ሞይቱ

ፔረ ብዮያ፡ ብሩንዳዊ ፖሎቲከኛ

ምንጪ ስእሊ, AFP

መግለጺ ስእሊ, ፔረ ብዮያ፡ ምስ ቅትለት ካልእ ፕረዚደንት እታ ሃገር ነበር ንሕልፈት ተፈሪዱ ነይሩ

ፕረዚደንት ቡሩንዲ ነበር ፒየር ቡዮያ ኣብ መበል 71 ዓመቱ ከምዝሞተ፡ ቤተሰቡን ዲፕሎማስያዊ ምንጭታትን ንቢቢሲ ኣረጋጊጾም።

ብመሰረት ካብ ቤተሰቡ ዝተረኽበ ሓበሬታ፡ ምስ ኮቪድ-19 ብዝተሓዝ ትማሊ ሓሙስ ኣብ ፓሪስ፡ ፈረንሳ፡ ከምዝዓረፈ ተፈሊጡ።

እቲ ጥሮታ ዝወጸ ናይ ሜጀር ጀነራል ወታሃደራዊ ማዕርግ ዝነበሮ ቡዮያ፡ ኣብ ክልተ ዝተፈላለየ እዋናት ብድምር ን13 ዓመታት ስልጣን ሒዙ ዝነበረ ምዃኑ ይዝከር።

ኣብ ክልቲኡ እዋናት፡ ብዕልዋ'ዩ ናብ ስልጣን ክድይብ ኪኢሉ።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ጥቅምቲ፡ ቤት ፍርዲ ቡሩንዲ ነቲ ንመጀመርታ እዋን ብደሞክራስያዊ ኣገባብ ዝተመርጸ መራሒ እታ ሃገር፡ ፕረዚደንት ነበር መልኪዮር ዳባየ ቀቲልዎ ብዝብል ክሲ ገበነኛ ኮይኑ ስለዝረኸቦ ኣብ ዘየለወሉ ንሕልፈት ፈሪድዎ ነይሩ።

እቲ ኣብ 1993 ዝተፈጸመ ቅትለት ናይቲ ፕረዚደንት ኣብታ ሃገር ናዕቢ ከምዘስዓበን ብሰንኩ ኣስታት 300 000 ሰባት ምቕታሎምን ይንገር።

ንሱ፡ ዝፈጸሞ ጌጋ ከምዘየለ ብምግላጽ፡ ነቲ ክሲ ክነጽጎ ጸኒሑ።

ካልኦት 15 ኣዘዝቲ ሰራዊት ዝርከብዎም ሰበስልጣን ነበር'ውን ዝተፈላለየ ናይ ማእሰርቲ እዋን ተወሲንሎም እዩ።

ፒየር ቡዮያ ፍሉይ ልኡኽ ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ዞባ ሳሕል ኮይኑ ከገልግል ምጽንሑ ይፍለጥ።

እንተኾነ ግን፡ ካብቲ ኣብ ልዕሊኡ ዝቐረበ ክስን ፍርድን ንርእሱ ንምክልኻል፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ካብቲ ብሕብረት ኣፍሪቃ ዝተዋህቦ መዝነት ወሪዱ።

ኣብ ፈለማ ወርሒ ነሰ ናይዚ ዓመት'ውን፡ ን15 ዓመታት ኣብ ስልጣን ዝጸንሐ ፒየር ንኩርንዚዛ ብወቕዒ ልቢ ከምዝሞተ ይዝከር።

ንኩርንዚዛ፡ ድሕሪ ክልተ ኣዋርሕ ንሓድሽ ፕረደዚንት ብወግዒ ስልጣን ቅድሚ ምርካቡ'ዩ ሞይቱ።