ስነ ስርዓት ቀብሪ ፕረዚደንት ብሩንዲ ነበር ፔር ንኩርንዚዛ ሎሚ መዓልቲ ክፍጸም'ዩ

ምስንባት ኣስክሬን ፕሬዝደንት ብሩንዲ ነበር ፔር ንኩርንዚዛ

ምንጪ ስእሊ, AFP

ስነ ስርዓት ቀብሪ ፕረዚደንት ብሩንዲ ዝነበረ ፔር ንኩርንዚዛ፡ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ርእሰ ከተማ እታ ሃገር ክፍጸም'ዩ።

መንግስቲ እታ ሃገር፡ እቲ ፕረዚደንት ቅድሚ ክልተ ሰሙን "ብወቕዒ ልቢ" ከም ዝሞተ'ዩ ዝገልጽ።

ካልኦት ወገናት ግን፡ ብሕማም ኮሮናቫይረስ ሞይቱ ክኸውን ይኽእል'ዩ ይብሉ።

ፕረዚደንት ነበር ንኩርንዚዛ፡ ድሕሪ'ቲ ብግንቦት ዝተኻየደ ፕረዚደንታዊ መረጻ፡ ስልጣኑ ብወግዒ ከረክብ ትጽቢት ይግበር ነይሩ።

ካብ ስልጣኑ ምስ ወረደ ድማ፡ "ላዕለዋይ መራሒ ፍቕሪ ሃገር" ዝብል መዓርግ ተዋሂቡዎ ኣብ ምምኻር መንግስቲ ክሰርሕ ምዃኑ ተገሊጹ ነይሩ።

ፕሬዝደንት ፔር ዝመርሖ መንግስቲ "ኣረመናዊ ስርዓት" እዩ ብዝብል ብተደጋጋሚ ክንቀፍ'ኳ እንተጸንሐ፡ መብዛሕትኦም ኣብ ቤት ጽሕፈት መንግስቲ ዝጸንሐሎም ዓመታት ርኡይ ፖለቲካዊ ምንቅስቓስ ኣይነበሮን።

ብኣንጻሩ ኣብ ብርክት ዝበሉ ዋዕላታት፡ "ፈጣሪ ንመጀመርታ ግዜ ኣብ ብሩንዲ'ዩ ቦታ ተዋሂቡዎ" ዝብል ዘረባ የስምዕ ነይሩ።

ፕሬዝደንት ፔር ንኩርንዚዛ

ምንጪ ስእሊ, AFP

ንኩርንዚዛ፡ ብ2005 ዓ.ም [ኣቆጻጽራ ኤውሮጳ] ን10 ዓመታት ዝጸንሐ ኲናት ሓድሕድ ከብቕዕ ኣብ ኣሩሻ ብምኻድ ነቲ ስምምዕ ሰላም ደጊፍዎ እዩ።

በዚ ምኽንያት ናብ ስልጣን ዝመጽአ ክኸውን እንከሎ፡ ኣብታ ሃገር ሓድሽ መዋእል ከም ዝመጽአ ተበሲሩ ነይሩ።

ናይ መጀመርታ 10 ኣብ ቤት ጽሕፈት መንግስቲ ዝጸንሐለን ዓመታት ድማ፡ ካብ ዜጋታት ብሩንድን ማሕበረሰብ ዓለምን ዓብዪ ናእዳ ክቐርበሉ ጸኒሑ።

ብ2015 ንሳልሳይ ግዜ ኣብ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ከም ዝወዳደር ምስ ገለጸ ግን፡ ኣብታ ሃገር ሰፊሕ ተቓውሞን ናዕብን ክለዓል ምኽንያት ኮይኑ።

ድሕሪ'ዚ፡ ዕልዋ መንግስቲ'ውን ተፈቲኑ። ነዚ ስዒቡ፡ ብሩንዲ ዳግም ናብ ዕግርግርን ፖለቲካዊ ዘይምርግጋእን ኣትያ።

ብኣማኢት ዝቑጸሩ ሰባት ሞይቶም፤ ኣስታት 200 ሽሕ ሰባት ድማ ናብ ጎረባብቲ ሃገራት ተሰዲዶም።

ኣብ ዝሓለፉ 5 ዓመታት፡ ፕሬዝደንት ንኩርንዚዛ፡ ሸውዓተ ፕሮጀክታት ህንጸት ግድባት ጸዓት፣ ሆስፒታላት፣ ኣብያተ ትምህርትን ናይ መናእሰይ ባንክን ብምጅማር፡ ቑጠባዊ ምዕባለ ከም ዘምጽእ ክመጻባዕ ጸኒሑ።

መግለጺ ቪድዮ, ብሩንዲ፡ ሕቡእ መሳቐይ