ፕረዚደንት ብሩንዲ ፔር ንኩሩንዚዛ ኣብ መበል 55 ዓመቱ ብሕማም ወቕዒ ልቢ ሞይቱ

ፕረዚደንት ብሩንዲ ፔር ንኩሩንዚዛ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

ፕረዚደንት ብሩንዲ ፒየር ንኩሪንዚዛ፡ ኣብ መበል 55 ዓመቱ ብሕማም ወቕዒ ልቢ ከም ዝሞተ መንግስቲ እታ ሃገር ኣፍሊጡ።

ብቐዳም ሃንደበት ናይ ጥዕና ጸገም ኣጓኒፉዎ ናብ ሆስፒታል ድሕሪ ምኻዱ፡ ካብ ትማሊ ሰኑይ ግን እቲ ሕማም በርቲዑዎ ከም ዝጸንሐ ተገሊጹ።

መግለጺ መንግስቲ ብሩንዲ ከም ዝሓበሮ፡ ፕረዚደንት ንኩርንዚዛ፡ ኣብ ሆስፒታል እናተኣል እንከሎ'ዩ ብሕማም ወቕዒ ልቢ ሞይቱ።

ቅድሚ ክልተ መዓልቲ፡ ኣብ ጥቓ መንበሪ ገዝኡ ኣብ ዝርከብ ስታድየም ዝካየዱ ዝነበሩ ጸወታታት ክዕዘብ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ሃንደበት ከም ዝሓመመ ዝሕብር መንግስቲ፡ ናይ ሸውዓተ መዓልታት ሓዘን ኣዊጁ ኣሎ።

ፕረዚደንት ብሩንዲ ፔር ንኩሩንዚዛ፡

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ን15 ዓመታት ኣብ ስልጣን ዝጸንሐ ንኩርንዚዛ፡ ኣብ ዝመጽእ ወርሒ ነሓሰ ስልጣኑ ነቲ ሓድሽ ፕረዚደንት ኮይኑ ዝተመረጸ ኤቫሪስት ዳይሸምየ ከረክብ ነይሩዎ።

ንሱ ድማ 'ላዕለዋይ መራሒ ሃገራዊ ፍቕሪ' ዝብል ሓድሽ መዝነት ሒዙ ከም ዘገልግልን ነቲ ሓድሽ ፕረዚደንት ልዑል ሃገራዊ ኣገዳስነት ኣብ ዘለዎም ጉዳያት ከማኽርን'ዩ ተባሂሉ ነይሩ።

ብቅዋም እታ ሃገር መሰረት፡ ክሳብቲ ዝተመርጸ ፕረዚደንት ስልጣን ዝርከብ፡ ፕረዚደንት ሃገራዊ ባይቶ ፓስካል ንያበንዳ ግዝያዊ መራሒ ክኸውን ኣለዎ።

ካብ 10 ብሩንዳውያን እቶም ሸውዓተ ኣብ ትሕቲ ዝተሓተ መስመር ድኽነት ክነብሩ እንከለው፡ ኣብ መዓልቲ ትሕቲ ሓደ ዶላር እቶት ዝረኽቡ እዮም።

ፒየር ንኩርንዚዛ፡ ብ2015፡ ንሳልሳይ ግዜ ኣብ ምርጫ ክወዳደር ምዃኑ ምስ ገለጸ፡ እታ ሃገር ናብ ዕግርግር ኣትያ ምንባራ ይዝከር።

ቡሩንዲ፡ ብኸቢድ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ክትንቀፍ ምጽንሓ ይፍለጥ።