ኮሮናቫይረስ፡ ብሩንዳውያን ፕረዚደንቶም ንምምራጽ ድምጺ ይህቡ ኣለዉ

ምንጪ ስእሊ, AFP
ብሩንዲ መረጻ ተካይድ ኣላ። ዜጋታት እታ ሃገር ድማ፡ ሎሚ ረቡዕ ፕረዚደንት ንምምራጽ ድምጺ ክህቡ ጀሚሮም ኣለዉ።
ኣብዚ ሓፈሻዊ መረጻ፡ ኣስታት 5 ሚልዮን ሰባት ድምጾም ክህቡ ትጽቢት ይግበር።
መረጽቲ፡ ንፕረዚደንት ናይታ ሃገር፣ ኣባላት ባይቶን ኣባላት ቤት ምኽርን እዮም ክመርጹ።
ነቲ ንነዊሕ ዓመት ንቡሩንዲ ዝመርሐ ፕረዚደንት ፔሬ ንኩሩንዚዛ ንምትካእ ድማ ሸውዓተ ሕጹያት ይነሓንሑ ኣለዉ።
ቀንዲ ተናሓናሕቲ ድማ፡ ካብ ሰልፊ ተቓዋሚ ኣጋቶን ሩዋሳ፡ ካብቲ ነታ ሃገር ዝመርሕ ዘሎ ሰልፊ ድማ ኤቫሪስት ንዳይሸምየ እዮም።
ኣብ ካልኦት ሃገራት ዝነብሩ ደቂ ብሩንዲ፡ ብሰንኪ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ድምጾም ክህቡ ኣይክእሉን።
ፈላማይ ውጽኢት እቲ መረጻ 25 ግንቦት ክግለጽ ትጽቢት ይግበረሉ።
ኮሚሽን መረጻ ናይታ ሃገር ከም ዝበሎ፡ 53 ዓለምለኻውያን ተዓዘብቲ ነቲ መረጻ ክዕዘብዎ እዮም።
ሰራሕተኛታት ኤምባሲታት ታንዛንያ፣ ግብጺ፣ ኬንያ፣ ደቡብ ኣፍሪቃ፣ ዴሞክራሲያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ፣ ናይጄርያ፣ ሩስያን ከምኡ ድማ ኣብ ብሩንዲ ካብ ዝርከብ ልኡኽ ሕብረት ኣፍሪቃ ዝተወከሉ ሰባት ካብ መንጎ እቶም ተዓዘብቲ ኣለዉ።
ድምጺ ኣብ ዝወሃበሎም ናቑጣታት፡ ተዓዘብቲ ኮነ ኣፈጸምቲ መረጻ ሞባይልን ካሜራን ከይጥቀሙ ኣጊዱ እዩ።
ፕረዚደንት ፔሬ ኑኩሩንዚዛ ድሕሪ ናይ 15 ዓመት መዝነት እዩ ካብ ለልጣኑ ዝወርድ ዘሎ።
እንተኾነ፡ ካብ ስልጣኑ ምስ ወረደ'ውን "ላዕለዋይ መራሒ ፍቕሪ ሃገር" ዝበሃል ሓድሽ መዝነት ሒዙ ከም ዘገልግል እዩ ዝግለጽ ዘሎ።
ነቲ ሓድሽ ዝምረጽ ፕረዚደንት ድማ 'ልዑል ሃገራዊ ኣገዳስነት' ኣብ ዘለዎም ጉዳያት ከማኽር እዩ።
እቲ ፕረዚደንት ብውሳነ ናይዚ 'ልዑል ኣማኻሪ' ክግደብ ይኽእል'ዶ ኣይኽእል ዝብል ግን ንጹር ኣይኮነን።
ካብ 10 ብሩንዲያውያን እቶም ሸውዓተ ኣብ ትሕቲ ጸፍሒ ድኽነት እዮም ዝነብሩ። ኣብታ ሃገር፡ ንዓመታት ዝቐጸለ ዘይምርግጋእ'ውን ኣሎ።
ዜጋታት ናይታ ሃገር፡ እቲ ሓድሽ ዝምረጽ ፕረዚደንት ነዚ ጸገማቶም ክፈትሓሎም የተስፍዉ።






![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







