ኢቫሪስተ ዳዪሺሚዬ፡ እቲ 'ትሑት' ጀነራል - ሓድሽ ፕረዚደንት ቡሩንዲ

ምንጪ ስእሊ, AFP
ኢቫሪስተ ዳዪሺሚዬ፡ እቲ ጥቡቕ ምቅርራብ ዝነበሮም መሓዝኡን ምስኡ ዕጡቕ ኮይኑ ዝተቓለሰን ፒየር ንኩሩንዚዛ ናብ ስልጣን ካብ ዝመጽኣሉ 2005 ጀሚሩ፡ ሓደ ካብቶም "ኣዝዮም ጸለውቲ" ጀነራላት'ዩ ነይሩ።
ሜጀር ጀነራል ኢቫራስተ ኣብ ሃገሩ ቡሩንዲ "ኔቫ" ብዝብል ስም ዝፍለጥ [ምናልባት ካብ ክልቲኡ ኣስማቱ ዝተጣመረ ክኸውን ይኽእል] ኣብ 1968 ኣብዚ ሕጂ እዋን ዋና ማእኽል ፖለቲካ እታ ሃገር ኣብ ዝኾነት ጊቴገፋ ዝተበሃለት ኣውራጃ እዩ ተወሊዱ።
እቲ ንፈለማ እዋን ብዲሞክራሲያዊ መገዲ ፕረዚደንት ብሩንዲ ኮይኑ ዝተመረጻ መልኪዮር ዳዳዬ ኣብ 1993 ኣብ ዝተወለዐ ኲናት ሓድሕድ ኣብ ዝተቐተለሉ እዋን፡ ዳዪሺሚዬ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ቡሩንዲ ተምሃራይ ሕጊ ነይሩ።
ንሱ'ውን ከም መዘንኡ ፕየር ንኩሩንዚዛ፡ ኣብ 1995 ኣብ ልዕሊ ዓሌት ሁቱ ኣብ ዝኾኑ ተምሃሮ ካብ ዝፍጸም ዝነበረ ጃምላዊ ቅትለት ድሒኑ'ዩ።።
ሽዑ ካብታ ሃገር ወጺኡ ናብ ዕጡቓት ሓይልታት ብምጽምባር ኣንጻር እቲ ካብ ዓሌት ቱሲ ዝኾነ ፕረዚደንት ዝመርሖ መንግስቲ ክቃለስ ጀሚሩ።
ኣብ ሞንጎ መንግስትን ዕጡቓት ሓይልታትን- ኤፍ ዲ ዲ - ሓይልታት ምክልኻል ንዲሞክራሲን [FDD] ኣብ ዝተኻየደ ዝርርብ ሰላም ኣሩሻ ኣብ ጎኒ ፒየር ንኩሩንዚዛ ብምዃን ነቲ ሰላም ደጊፍዎ እዩ።
ነቲ ኣብ 2003 ዝተበጽሐ ስምምዕ ሰላም ስዒቡ ዕጡቓት ሓይልታት (ኤፍዲዲ) ምስ መንግስቲ ስልጣን ድሕሪ ምምርቓሕ፡ ዳሺሚዬ'ውን ኣብቲ እዋን ምኽትል ዋና ኣዛዚ ሰራዊት ቡሩንዲ ኮይኑ ተመዚዙ።
ብጻዩ ዝነበረ ኩሩንዚዛ ድማ ሚንስተር ውሽጣዊ ጉዳያት እታ ሃገር ክኸውን በቒዑ።
ኣብ 2006፡ ቅድሚ ንፕረዚደንት ንኩሩንዚዛ ኣብ ወተሃደራዊ ጉዳያት ኣማኻሪኡ ምዃኑ ድማ ሚንስተር ውሽጣዊ ጉዳያት ኮይኑ ኣገልጊሉ እዩ።
ብድሕሪ 10 ዓመት ከኣ ዋና ጸሓፊ ሰልፊ ሲንዲዲ-ኤፍዲዲ ኮይኑ ሰሪሑ።
ፕረዚደንት ንኩሩንዚዛ ኣብ ወርሒ ጥሪ 2020 ንዳዪሺሚዬ ተካኢኡ ገይሩ ሓርይዎ።
ኣቦ 6 ቆልዑት ዝኾነ ዳሺሚዬ ተኸታሊ እምነት ሮማን ካቶሎክ እዩ። ንሱ ከምቲ ቅድሚኡ ፕረዚደንት ዝነበረ ኣብ ፖለቲካ "ንፈጣሪ ትኹረት" ይህብ።
ሓድሽ ፕረዚደንት ኮይኑ ናብ ስልጣን ዝመጽእ ዘሎ ንዳሺሚዬ ነታ ብፖለቲካ ካብ ዓለም ተነጽሎ ዘጋጠማን ምስ ለገስቲ ጥቡቕ ርክብ ዘይብላን ሃገር'ዩ ዝርከባ ዘሎ።
ቅድሚኡ ኣብ ስልጣን ዝነበረ ንኩሩንዚዛ ብጥሕሰት ሰብኣዊ መሰላት፤ ንተቓወምቲ ፖለቲካዊ ሓይልታት፣ ጋዜጠኛታትን ነጠፍትን ብምጨፍላቕ ይኽሰስ ነይሩ።
ንኮሮናቫይረስ እውን እኹል ቆላሕታ ዘይህብ ብምንባሩ እታ ሃገር ኣብ ሓደጋ ከምዝወደቐት ይግለጽ።
ነቲ ኣብ 2015 ተፈቲኑ ዝፈሸለ ዕልዋ መንግስቲ ስዒቡ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ዜጋታት ቡሩንዲ ናብ ጎረባብቲ ሃገራት ሃዲሞም ኣብ መዓስከር ስደተኛታት ተዓቚቦም ይርከቡ።
ዳሺሚዬ፡ ሎሚ ፕረዚደንት ብሩንዲ ኮይኑ ቃለ-ማሕላ ክፍጽም'ዩ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







