ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ብሩንዲ ኣብታ ሃገር ዝተፈጠረ ናይ መሪሕነት ሃጓፍ መዕለቢ ገይርሉ

ምንጪ ስእሊ, AFP
ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ብሩንዲ፡ ነቲ ድሕሪ ሞት ፕረዚደንት እታ ሃገር ፔር ንኩሩንዙዛ ዘጋጠመ ናይ መሪሕነት ሃጓፍ መዕለቢ ገይርሉ።
ፕረዚደንት ብሩንዲ ፔር ንኩሪንዚዛ ብሃንደበት እዩ ብሰኑይ ሞይቱ።
እቲ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ እታ ሃገር፡ እቲ ኣብ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ዝተዓወተ እሞ ኣብ ወርሒ ነሓሰ ስልጣን ክርከብ ዝነበሮ ኢቫርስተ ነዳዪሺሚየ ሕጂ ቃለ መሓላ ፈጺሙ ሰልጣን ፕረዚደንትነት ክርከብ ውሳነ ኣሕሊፉ ኣሎ።
ብመሰረት ቅዋምን ሕግን እታ ሃገር ኣፈ ጉባኤ ባይቶ ብሩንዲ ፓስካል ንታድንዳ’ዩ ግዝያዊ መራሒ ክኸውን ነይርዎ።
እንተኾነ፡ ካቢነ ባይቶ እታ ሃገር፡ ንላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ብምውካስ እቲ ኣቀዲሙ ንፕረዚደንትነት ዝተዓወተ ኢቫርስተ ነዳዪሺሚየ ካብቲ ተሓሰቦ ቅድሚ ክልተ ወርሒ ኣቀዲሙ ስልጣን ክርከብ ብቤት ፍርዲ ተወሲንሉ ኣሎ።
ኢቫርስተ ነዳዪሺሚየ ኣብ 15 ግንቦት ኣብ ዝተገበረ ፕረዚደንታዊ ምርጫ እዩ ነቲ ን15 ዓመታት ኣብ ስልጣን ፕረዚደንትነት ዝነበረ ፔር ንኩሪንዚዛ ክስዕሮ ክኢሉ፥።
ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ብሩንዲ፡ ሃገር ኣብ መሪሕነት ኣፈ ጉባኤ ባይቶ ክትጸንሕ ትግደደሉ ኣጋጣሚ ምርጫ ምክያድ ምስ ዘድሊ እዩ ብምባል ኣብ ብሩንዲ ምርጫ ተኻይዱ ዕውት’ውን ስለዝተፈለጠ ኢቫርስተ ነዳዪሺሚየ ስልጣን ፕረዚደንትነት ክርከብ ከምዝወሰነ ኣፍሊጡ።
ፕረዚደንት ንኩሪንዚዛ ብኮሮናቫይረስ ድዩ ሞይቱ?

ምንጪ ስእሊ, AFP
ፕረዚድንት ነበር ንኩሪንዚዛ ብኮሮናቫይረስ'ዩ ሞይቱ ዝብል ዘረባ ብብዝሒ ይስማዕ እዩ እንተኾነ እዚ ካብ ዝኾነ መንግስታዊ ኣካል ክረጋገጽ ኣይከኣለን።
ኤስኦኤስ ዝተባሃለ ማሕበር ኣብ ስደት ዝርከቡ ብሩንዳውያን ጋዜጤኛታት ካብ ኣካላት ጥዕናን ላዕለዎት ሓለፍቲ መንግስትን ረኺበዮ ዝበሎ ሓበሬታ ምርኩስ ብምግባር ፔሪ ንኩሪንዚዛ ብኮቪድ 19 ከምዝሞተ ገሊጹ።እንተኾነ ንመግለጺ ኤስኦኤስ መንግስቲ መልሲ ኣይሃበሉን።
ፔሪ ንኩሪንዚዛ ንለበዳ ኮሮናቫይረስ ብዙሕ ኣቃልቦ ይህቢ ከምዘይነበረ እዩ ዝግለጽ።
ኮሮናቫይረስ ቅድሚ ኣብ ብሩንዲ ምርካቡ ኣብ መጀመርታ ሰሙን ናይ መጋቢት ፔሪ ንኩሪንዚዛ " ቅሰኑ ኣምላኽ ክሕልወና እዩ" ምባሉን ሰሙን ቅድሚ ምማቱ'ውን "ኣመላኽ ስግኣት ኮሮናቫይረስ ካብ ሰማይት ሃገርና ቅንጥጥ ኣቢልዎ'ዩ" ኢሉ ነይሩ እዩ።
ኣብ ብሩንዲ ክሳብ ሕጂ 80 ሰባት ብኮሮናቫይረስ ክልከፉ እንከለዉ ሞት ሓደ ሰብ ድማ ኣመዝጊባ ኣላ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







