ትራምፕ፡ ድምጺ ሂቡ ናብ ጎስጓስ ወፊሩ

ትራምፕ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

ኣብ ግዝኣት ፍሎሪዳ ኣንጊሁ ድምጹ ዝሃበ ፕረዚደንት ትራምፕ፡ ኣብ ሰለስተ ወሰንቲ ግዝኣታት ጎስጓስ መረጻ ንምግባር ወፊሩ ኣሎ።

እቲ ጎስጓስ፡ ኣብ ግዝኣታት ሰሜን ካሮሊና፣ ዊስኮንሲንን ኦሃዮን እዩ ዘካይድ ዘሎ።

ብኣንጻሩ ተሰሊፉ ዕዙዝ ብልጫ ዘርእይ ዘሎ ጆ ባይደን ብወገኑ፡ ኣብ'ታ ወሳኒት እትበሃል ግዝኣት ፔንሲልቫንያ ይጉስጉስ ኣሎ።

ፕረዚደንታዊ መረጻ ኣመሪካ፡ ብሰንኪ ኮሮና ከይተዓናቐፈ፡ ዛጊድ ኣስታት 57 ሚልዮን ድምጽታት ተዋሂቦም ተባሂሉ።

ትራምፕ፡ ኣብቲ ኮሮናቫይረስ ይጋፈሐሉ ኣሎ ተባሂሉ ዝእመነሉ ወሰንቲ ከባብታት ከይተረፈ ሰልፍታት ይጽውዕ ኣሎ ተባሂሉ።

ትራምፕ፡ ኣብ ከተማ ሉምበርቶን [ሰሜን ካሮሊና] ኣብ ዝስመዖ መደረ፡ ኣብ ኣመሪካ ስግኣት ኮሮናቫይረስ ዝተጋነነ ከምዝኾነ ገሊጹ፡ ንተቐናቓኒኡ ጆ ባይደን ኣብ ጉዳይ ኮሮና ዝሓዞ ቅዋም ድማ ኣናዒቕዎ።

ብኣንጻሩ ግን ባይደን፡ ብፍላይ ኣብ ከተማ ብሪስቶል ኣብ ዝገበሮ ናይ ተሽከርከርቲ ሰልፍታት፡ “ንሕና ነቲ ቫይረስ ክላባዕ ምኽንያት ኣይንኸውንን” ክብል ተዛሪቡ።

ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ምክትል ፕረዚደንት ኣመሪካ፡ በኮሮናቫይረስ ዝተትሐዘ ኾይኑ፡ ምስኡ ቀረባ ርክብ ዝነበሮ ማይክ ፔንስን በዓልቲ ገዝኡን ግን እቲ ቫይረስ ኣይተረኸቦምን።

ጎስጓስ ምግባር ድማ ቀጺሉ ኣሎ።

03 ሕዳር ክዛዘም ትጽቢት ዝግበረሉ ሃገራዊ ፕረዚደንታዊ መረጻ ኣመሪካ፡ ካብ ሎሚ 10 መዓልታት ይተርፍዎ።

ብብርኪ ሃገር፡ ጆ ባይደን ብ8 ነጥቢ ይመርሖ ከምዘሎ ዝዝረበሉ ጆ ባይደን ኣብተን ወሰንቲ ዝበሃላ ግዝኣታት ግን፡ ውጽኢት መረጻ ናይ ክልቲኦም ተቐራራቢ ከምዝኾነ እዩ ዝዝረብ።