101 ካራት ኣልማዝ ብ 16 ሚልየን ዶላር ብሕሱር ዋጋ ተሸይጡ

102-carat diamond

ምንጪ ስእሊ, AFP

መግለጺ ስእሊ, እዚ ኣልማዝ ብሕሱር ዋጋ ከምዝተሸጠ ሰብ ሞያ ሓቢሮም

ዘይልሙድ ዝኾነ 102 ካራት ፃዕዳ ኣልማዝ፡ ኣብ ጨረታ 15.7 ሚልዮን ዶላር ተሸይጡ።

ኣብዚ ጨረታ እዚ ክቡር እምኒ፡ ሓደ ብስልኪ ደዊሉ ዝተጫረተን ስሙ ዘይተገለፀን ኣካል ተዓዋታይ ኮይኑ ወጺኡ።

እዚ ጨረታ ብሰንኪ ለበዳ ኮሮናቫይረስ፡ ብመርበብ ሓበሬታ እዩ ተኻይዱ።

እዚ ኣልማዝ ኣብ 2018 ኣቆፃፅራ ኣውሮጳውያን ካብ ዝተረኸበ 271 ካራት እምኒ፡ ዝተወሰደ እዩ ነይሩ።

ካልኦት ተመሳሳሊ ፅርየት ዘለዎም ሸውዓተ ልዕሊ 100 ካራት ኣልማዛት'ውን፡ ኣብዚ ጨረታ ተሸይጦም እዮም።

እዚ ክቡር እምኒ ተሸይጥሉ ካብ ዘሎ ዋጋ ወፃኢ፡ እቲ ሸያጣይ ክሰማመዐሉ ዝኽእል ካልእ መሐለውታ ሕሱር ዋጋ ከምዘይነበሮ ድማ ተገሊፁ።

ኣልማዝ ኣብ ጨረታ ብኸምዚ ዓይነት መገዲ እንትሽየጥ፡ ኣብ ታሪኽ እዚ ንፈለማ እዋን እዩ።

"ዘይልሙድነትን ፅባቐን እዚ ኣልማዝ ንምውዕዋዕ ከቢድ ከምዝነበረ ዝሓበረ 'ሳዘቢስ' ድማ፡ "ፍፁም ጎደሎ ዘይብሉ" ክብል ገሊፅዎ።

ኣካያዲ ስራሕ ናይቲ ብኦንላይን ስልማት ዝሸይጥ 'ጅወሌር 77 ዳይመንድስ' ቶብያስ ኮርማይንድ፡ እዚ ዓዳጊ ኣዝዩ ሕሳር ዋጋ ከምዝገጠሞ ብምሕባር፡ እቲ ሸያጢ'ውን ካልእ ኣማራፂ ዋጋ ዘይምቕማጡ፡ "ተባዕ ውሳነ" ከምዝወሰነ ገሊፁ።

ኣብ 2017፡ ኣብ ጀኔቫ፡ 163 ካራት ኣልማዝ ናይ ክሳድ ስልማት፡ ብ 33.7 ሚልየን ዶላር ተሸይጡ እዩ።

እዚ ኣልማዝ ፡ ካብ 404 ካራት እምኒ፡ ካብ ኣንጎላ ዝተወሰደ እንትኸውን፡ ኣብ ታሪኽ፡ ናብ ጨረታ ዝቐረበ ዓብይ ኣልማዝ እዩ፤ መንነት እቲ ዓዳጊ ግና ብወግዒ ኣይተገለፀን።

ኣብ ተመሳሳሊ ዓመት፡ ትሕቲ 19 ካራት ፅጌረዳ (ፒንክ) ዝሕብሩ ዘይልሙድ ኣልማዝ፡ ብ 50.3 ሚልየን ስዊዝ ፍራንክ ዝተሸጠ እንትኾን፡ ንሓደ ካራት ብኣስታት 2.6 ሚልየን ዶላር ብልዑል ዋጋ ዝተሸጠ ኮይኑ ድማ፡ ክብረወሰን ሒዙ ይርከብ።