ኣብ ስዊዘርላንድ ኣብ ባቡር ወዲቑ ዝተረኽበ ሻንጣ ሙሉእ ወርቂ ዋንኡ ኣይተረኽበን

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ርግጽ እዩ፡ መብዛሕትና ብፍላይ ኣብ ውሽጢ መኪና ወይ ካልእ ቦታ ቴሌፎን፣ ዋሌት ገለ ንብረት ኣውዲቕና ምኻድ ክስማዕ ዘይተለመደ ኣይኮነን።
ይኹን'ምበር ሻንጣ ሙሉእ ወርቂ ጫሕ ኢሉ ክርከብ ግን ተሰሚዑ ኣይፈልጥን። ንእዝንና ሓድሽ እዩ።
ኣብ ስዊዘርላንድ ግን ከምዚ ኣጋጢሙ ኣሎ።
ዛጊድ መንነቱ ዘይተፈለጠ ተሳፋሪ፡ ነዚ ሻንጣ ሙሉእ ወርቂ ኣብ ባቡር ኣውዲቑ ከይዱ።
ሰበ ስልጣን እታ ሃገር ድማ፡ እዚ በዓልናይ መጺኡ ንብረቱ ክወስድ [ጓል ኣነስተይቲ እንተኾይና ድማ-ንብረታ ክትወስድ] ጻውዒት ይገብሩ ኣለዉ።
ናይዚ ንብረት ወናኒ ንምርካብ ዝተፈላለየ ጻዕሪ እናተገበረ እዩ ዝርከብ።
እቲ ወርቂ ልዕሊ ሰለስተ ኪሎግራም ዝምዘን እንትኸውን፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ጥቅምቲ እዩ ወዲቑ ተረኺቡ።
ዋግኡ ብገንዘብ እንትግመት ድማ፡ ኣስታት 190 ሽሕ ዶላር ይኸውን ተባሂሉ።
እቲ በዓል ዋና ኣብ ቅድሚ ዓቃቢ ሕጊ ቀሪቡ 'ናተይ እዩ' ኢሉ ክሓትት ወይ ድማ ክትሓትት ናይ ሓሙሽተ ዓመት ናይ ጊዜ ገደብ ተዋሂብዎም ኣሎ።
እዚ ክስተት ሕዚ ናብ ህዝቢ ዕላዊ ዝተገብረ፡ እቲ ዋንኡ ኣሊሽካ ንምርካብ ዝተገብረ ጻዕሪ ስለዘይሰመረ እዩ።
እዚ ወርቂ "ናተይ እዩ" ኢሉ ንዝመጽእ ሰብ፡ ልክዕ ናቱ ምዃኑ ንምርግጋጽ፡ እቶም ሓለፍቲ መንግስቲ እንታይ ዓይነት መይላ ከምዝጥቀሙ ግን ግልጺ ኣይኮነን ተባሂሉ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







