69 ሽሕ ዶላር ዘውጽእ፡ ዕኳር ወርቂ ዝረኸበ ኣውስትራልያዊ

ምንጪ ስእሊ, FINDERS KEEPERS GOLD PROSPECTING
ሓደ ኣውስትራልያዊ፡ መለለዪ ሜታል (ሜታል ዲቴክተር) ብምጥቃም 1.4 ኪግ ዝተመዝነ ዕኳር ወርቂ ካብ ትሕቲ ምድሪ ከም ዘውጽአ መራኸቢ ብዙሓን ካብቲ ከባቢ ጸብጺበን።
እቲ ኣብ ዞባ ካልጉረሊ፡ ዝተረኽበ ወርቂ፡ 69 ሽሕ ዶላር ከም ዘውጽእ፡ ተገሊጹ።
እቲ ከባቢ ወርቂ ዝዕደኖ'ኳ እንተኾነ፡ ክንድ'ዚ ዝምዕባዩ ክቡር እምኒ ምርካብ ሳሕቲ ዘጋጥም ተርእዮ ምዃኑ ክኢላታት ይገልጹ።
ሰለስተ ሲሶ ናይቲ ኣብ ኣውስትራልያ ዝዕደን ወርቂ፡ ካብዚ ዞባ እዩ ዝፈሪ።
እቲ ሰብኣይ ነቲ እምኒ ኣብ ከባቢ 45 ሰሜ ዕምቖት ከም ዝረኸቦ ተፈሊጡ።
ኣብቲ ከባቢ ገለ ኣሰራት ወርቂ ምርካብ ንቡር ምዃኑ ኣብ ዩኒቨርስቲ ከርቲን፡ ዳይሬክተር ቤት ትምህርቲ ዕደና ምዕራባዊ ኣውስትራልያ ፕሮፌሰር ሳም ስፒሪነግ ይገልጽ።
ኣብ ቀዳመ ሰንበት ብዙሓት ሰባት ነቲ ተመሳሳሊ ናይ ዕደና ንጥፈታት ከም ሆቢ ማለት ኣብ ትርፊ ግዜ ዝግበር ንጥፈት ከም ዘካይድዎ'ውን ሓቢሩ።
"ዝበዝሕ እዋን ዝረኽብዎ ወርቂ ትሕቲ 15 ግራም ዝምዘን'ኳ እንተኾነ ብዙሕ ግዜ ይረኽቡ እዮም" ኢሉ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







