ነፋሪት ውግእ ኣርመንያ 'ብሓይሊ ኣየር ቱርኪ' ተሃሪማ ከም ዝወደቐት ተገሊጹ

ርእሰ ከተማ ኣርመንያ

ምንጪ ስእሊ, EPA

ሓንቲ ነፋሪት ውግእ ኣርመኒያ ብሓይሊ ኣየር ቱርኪ ተሃሪማ ከም ዝወደቐት ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣርመኒያ ገሊጹ። ፓይሎት ናይታ ሱ-25 ዝዓይነታ ነፋሪት ከምዝተቐትለ'ውን እቲ መግለጺ ጠቒሱ።

እታ ኣብቲ ግጭት ጸግዒ ኣዘርባዣን ወሲዳ ዘላ ቱርኪ ግን ነቲ ክሲ ነጻጋቶ'ላ።

ኣብቲ ኣብ መንጎ ኣዘርባዣንን ኣርመኒያን ተወሊዑ ዘሎ ሓድሽ ውግእ፡ ሰላማውያን ሰባት ዝርከብዎም ብውሕዱ 100 ሰባት ተቐቲሎም።

እቲ ኲናት ኣብቲ ንነዊሕ እዋን ከሰሓሕብ ዝጸንሐ ዞባ ናጎርኖ-ካራባክ እዩ ዝካየድ ዘሎ።

ኣብዚ ዝሓለፈ ለይቲ ጽዑቕ ውግእ ክካየድ ከም ዝሓደረ ክልቲአን ሃገራት ገሊጸን ኣለዋ። እቲ ውግእ ሎሚ'ውን ቀጺሉ ውዒሉ'ሎ።

እቲ ብጎቦታት ዝተዓብለለ ዞባ፡ ብወግዒ ኣካል ኣዘርባዣን ክኸውን እንከሎ፡ ነበርቱን ኣመሓደርቱን ግን ተዛረብቲ ቋንቋ ኣርመኒያ እዮም።

ካብ ዝሓለፈ ሰንበት ጀሚ፡ 84 ወታሃደራትን ሰላማውያን ሰባትን ከም ዝተቐትሉ ሰብመዚ ናይታ ንርእሳ ከም ናጻ ሪፓብሊክ እትቖጽር ዞባ ሓቢሮም።

ሓይልታት ኣርመኒያ፡ ኣስታት 400 ወታሃደራት ኣዘርባዣን ከም ዝቐተሉ ገሊጾም ኣለዉ።

F-16 ዝዓይነተን ነፈርቲ ውግእ ቱርኪ፡ ፋይል ስእሊ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

መግለጺ ስእሊ, ቱርኪ ንኣዘርባዣን ብምድጋፍ ኣብቲ ግጭት ጸግዒ ወሲዳ ኣላ

ኣዘርባዣን ግን ኣብ ልዕሊ ሓይልታታ ዝበጽሐ ወታሃደራዊ ክሳራ ዛጊት ብንጹር ኣይገለጸትን። ይኹን እምበር 7 ሲቪላውያን ከምዝተቐትሉዋ ኣፍሊጣ'ላ።

እንተኾነ ግን፡ ሓይልታት ኣዘርባዣን ታንክታትን ድሩዓት መካይንን ዝርከብኦ ወታሃደራዊ ቃፍላይ ኣርመኒያ ከምዘቃጸሉ ገሊጾም።

እቲ ቅድሚ ሰለስተ መዓልታት ዝተወልዐ ሓድሽ ኲናት፡ ካብታ ኣሰሓሓቢት ዞባ ወጻኢ ከምዝላሓመ ጸብጻባት ካብቲ ከባቢ ሓቢሮም።

ሎሚ ሰሉስ፡ ሰብኣልቦ ነፈርቲ ኣዘርባዣን ንሓንቲ ናይ ህዝቢ መጓዓዝያ ኣውቶቡስ ዒላማ ከምዝገበራ ሚኒስትሪ ምክልኻል ኣርመኒያ ከሲሱ። ብዛዕባ ኣብቲ ፍጻመ ዝወረደ ክሳራ ግን ኣይገለጸን።

ኣዘርባዣን ብወገና፡ ኣብዘን ሰለስተ መዓልታት 7 ዜጋታታ ብደብዳብ ሓይልታት ኣርመኒያ ከም ዝተቐትሉ ገሊጻ'ላ።

ክልቲአን ሃገራት፡ ፈላማ ካብ 1988 ክሳብ 1994፡ ጸኒሑ ድማ ኣብ 2016 ተዋጊአን ምንባረን ይፍለጥ። እዚ ናይ ሕጂ ውግእ ግን እቲ ዝኸፍአ ምዃኑ ይግለጽ ኣሎ።

ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት፡ ብዛዕባ'ቲ ኩነታት ንምዝርራብ ሎሚ ህጹጽ ኣኼባ ከካይድ እዩ።

ኣብቲ ዞባ ማርሻላዊ (ወታሃደራዊ) ሕጊ ኣዊጀን ዝርከባ ክልቲአን ሃገራት፡ እቲ ወግእ መን ጀሚርዎ ኣብ ዝብል ንሓድሕደን ይካሰሳ ኣለዋ።

ካልኦት ሃገራት ንክልቲኡ ወገን ብምድጋፍ ነቲ ኲናት ከየጋድድኦ ስግኣት ተፈጢሩ ኣሎ።

ብረት ክትኩሱ ዝዳለዉ ዘለዉ ወታሃደራት ኣዘርባዣን፡ ስእሊ፡ Photo: 28 መስከረም 2020

ምንጪ ስእሊ, EPA

መግለጺ ስእሊ, ሓይልታት ኣዘርባዣን ታንክታትን ድሩዓት መካይንን ዝርከብኦ ወታሃደራዊ ቃፍላይ ኣርመኒያ ከምዘቃጸሉ ገሊጾም።

ቱርኪ ብወግዒ ንኣዘርባዣን ክትድግፍ እንከላ፡ እታ ኣብ ኣርመኒያ ወታሃደራዊ መዓስከር ዘለዋ ሩስያ ብወገና፡ ብህጹጽ ምቁራጽ ተጻብኦታት ክካየድ ጸዊዓ'ላ።

ፕረዚደንት ቱርኪ ራጀፕ ታይብ ኤርደዋን፡ ትማሊ ሰኑይ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ኣርመኒያ ካብቲ "ጎቢጣ ሒዛቶ ዘላ" ዞባ ብምውጻእ፡ ሰራዊታ ክትስሕብ ጸዊዑ ነይሩ። ንኣዘርባዣን ዘድሊ ደገፍ ከም እትገብር'ውን ቱርኪ ኣጠንቂቓ'ላ።

ሓላፊት ቤት ጽሕፈት ሰባዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ዝኾነት፡ ሚሸል ባቸለት፡ በቲ ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት ዝወረደ ጉድኣት ዝተሰምዓ ጓሂ ብምግላጽ፡ እቲ ውግእ ብህጹጽ ደው ክብል ጸዊዓ።