ኣብ መንጎ ኣርመንያን ኣዘርባጃንን ኣብ ዝተወለዐ ግጭት 23 ሰባት ከምዝሞቱ ተቓሊሑ

ታንክታት

ምንጪ ስእሊ, EPA

ሰራዊት ኣርመንያን ኣዘርባጃንን፡ ብሰንኪ እቲ ንኽልቲኤን ሃገራት ዘሰሓሕብ ዞባ ናጎርኖ-ከራባክ፡ ናብ ጎንጺ ብምእታዎም ብውሕዱ ሓንቲ ናይ ኣዘርባጃን ሄሊኮፕተር ተወቒዓ ወዲቓ።

ብሰንኪ እቲ ተወሊዑ ዘሎ ውግእ ብውሑዱ 23 ሰለማውያን ሰባት ከምዝሞቱ ተቃሊሑ።

ክልቲኤን ሃገራት፡ ግጭት ከምዝተወለዐ ዝገለጸ ኮይነን፡ መን እዩ ጀሚርዎ ኣብ ዝብል ግን ነንሕድሕደን ይካሰሳ ኣለዋ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኣርመንያ ኒኮል ፓሺንያን፡ ኣዘርባጃን ብኣየርን ብምድርን መጥቃዕቲ ከምዝጀመረት እዩ ዝኸስስ።

ኣዘርባጃን ድማ፡ ካብ ኣርመንያ ንዝተኸፈተላ ተኹሲ መልሲ ከምዝሃበት፡ ብሰንኪ እቲ መጥቃዕቲ ድማ ሰላማውያን ሰባት ከምዝሞትዋን ከምዝቖሰሉዋን ገሊጻ'ላ።

እቲ ንነዊሕ እዋን ዝጸንሐ ዶባዊ ምስሕሓብን ጎንጽን፡ ካብ ቀረባ ኣዋርሕ ጀሚሩ ከምዝተጋደደ ይግለጽ።

ዶብ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ሶቭየት ሕብረት ኣብ 1991 ቅድሚ ምብትታና፡ ኣርመንያን ኣዘርባጃንን ኣካል ሶቭየት ሕብረት እየን ነይረን።

ኣዘርባጃናውያንን ኣርመናውያንን፡ ብሰንኪ እቲ ናጎርኖ-ከራባክ ዝበሃል ዞባ፡ ንኣስታት ኣርበዓ ዓመት ኣብ ምስሕሓብ እዮም ዘለዉ።

እቲ ቦታ፡ ናይ ኣዘርባጃን ምዃኑ ዓለምለኻዊ ኣፍልጦ ኣለዎ። ግን ከኣ፡ ደቂ ኣርመንያ እዮም ዝነብሩሉ።

ኣብ ዝሓለፈ ሓምለ ብዘጋጠመ ዶባዊ ጎንጺ፡ ብውሕዱ 16 ሰባት ክሞቱ ከለዉ፤ ኣብ ኣዘርባጃን ድማ ሓያል ህዝባዊ ሰልፊ ንኽካየድ ምኽንያት ኮይኑ።

እቲ ኣብ ርእሰ ከተማ ባኩ ዝተኻየደ ሰልፊ፡ እቲ ዘሰሓሕብ መሬት፡ ምሉእ ብምሉእ ተመሊሱ ናብ ኣዘርባጃን ክኣቱ ዝሓትት እዩ ነይሩ።

ሓይሊ ምክልኻል ኣርመንያ፡ ኣብ'ቲ ሎሚ ዘጋጠመ ጎንጺ፡ ክልተ ሄሊኮፕተራትን፡ ሰለስተ ድማ ድሮናትን ወቒዑ ከምዘውደቐን ሰለስተ ታንክታት ከምዘዕነወን ይገልጽ።

ኣዘርባጃን ብወገና፡ ካብ ኣርመንያ ንዝተኸፈተላ መጥቃዕቲ መኪታ ተጥቅዕ ከምዘላን፡ ብሰንኪ ደብዳብ ከቢድ ኣጽዋር፡ ንጹሃት ሰባት ከምዝሞቱን ከምዝቖሰሉን ኣፍሊጣ።

ወሲኻ ድማ፡ ሓንቲ ሄሊኮፕተራ እኳ እንተሰኣነት ኣብረርቲ ናይታ ሄሊኮፕተር ግን ከምዝደሓኑን፡ 12 ናይ ኣርመንያ ጸረ ነፈርቲ ኣጽዋር ድማ ከምዘዕነወትን ገሊጻ ኣላ።