ላዕለዋይ ጀነራል ኣዘርበጃን ኣብቲ ምስ ኣርሜንያ ዝተወለዐ ዶባዊ ግጭት ተቐቲሉ

ከቢድ ብረት ኣዘርባጃን 29 ግንቦት 2017

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ሓደ ጀነራል ዝርከቦም 5 መኮንናት ኣዘርባጃን፡ ኣብቲ ምስ ኣርሜንያ ተወሊዑ ዘሎ ዶባዊ ግጭት ከም ዝተቐትሉ ኣዘርባጃን ገሊጻ።

ኣብቲ ንሳልሳይ መዓልቱ ቀጺሉ ዘሎ ውግእ፡ ሓደ ተራ ወታሃደር ኣዘርባጃንን፡ 2 መኮንናት ኣርሜንያን ተቐቲሎም ከምዘለዉ’ዉን ተፈሊጡ።

ክልቲአን ሃገራት ኣብ 1990 ክሳብ እትፈርስ ኣባል ሃገራት ሕብረት ሶቬት ነበር ዝነበራ’የን።

ቅድሚ ሕጂ’ውን፡ ብጉዳይ ክሳብ ሕጂ ዘይተፈትሐ ዶባዊ ምስሕሓብ ደማዊ ኲናት ኣካይደን ምንባረን ይፍለጥ።

እቲ ናጎሮኖ-ካራባክ፡ ተባሂሉ ዝፍለጥ ቦታ፡ ብሕጊ ኣካል ኣዘርባጃን ከም ዝኾነ’ኳ ዝፍለጥ እንተኾነ፡ ብሄረ ኣርሜንያ ዝነብርዎ’ዩ።

እዚ ናይ ሕጂ ግጭት ግን፡ ሰሜን ካብቲ ዘሰሓሕብ ቦታ’ዩ ዝካየድ ዘሎ።

ኣብቲ ኣብ ሰሜናዊ-ምብራቕ ዝርከብ ቶቩዝ ተባሂሉ ዝፍለጥ ከባቢ ብርቱዕ ውግእ ይካየድ ከም ዘሎ ኣዘርባጃን ሓቢራ’ላ።

ኣፈኛ ፕረዚደንት ሩስያ፡ ቭላድሚር ፑቲን፡ ሃገሩ እቲ ኩነታት ኣተሓሳሲብዋ ከም ዘሎ ብምጥቃስ፡ መንጎኛ ክትከውን ቅርብቲ ምዃና ተዛሪቡ።

“ክልቲኦም ወገናት ዓቕሊ ክገብሩን፡ ንዝኣተውዎ ስምምዕ ምቁራጽ ተጻብኦታት ከኽብሩን” ዲሚትሪ ፐስኮቭ ጸዊዑ።

ኣመሪካ ብወገና፡ ነቲ ግጭት ብምኹናን፡ ወግእ ደው ከብላ ተማሕጺና’ላ።

ክልቲኦም ወገናት፡ ኣብ ልዕሊ ሰላማዊ ህዝቢ ብምድብዳብ ይወናጀሉ ኣለዉ።

ሚኒስትሪ ምክልኻል ኣዘርባጃን፡ ሓይልታት ኣርሜንያ ንሓደ ወዲ 76 ዓመት ከም ዝቐተሉ ክኸስስ ከሎ፡ ኣርሜንያ ብወገና፡ ሓይልታት ኣዘርባጃን ንከተማ በርድ ከም ዝደብደቡ ከሲሳ።

ካብቶም ዝተቐትሉ መኮንናት ኣዘርባጃን፡ ሜጀር ጀነራል ፖላንድ ሃሺሞቭን፡ ኮለነል ኢልጋር ሚርዛየቭን ምዃኖም እቲ ሚኒስትሪ ጠቒሱ።

ብወገን ኣርሜንያ’ውን ክልተ ናይ ካፕቴን ማዕርግ ዘለዎም መኮንናት ተቐቲሎም ኣለዉ።

ፕረዚደንት ኣዘርባጃን ኢልሃም ኣሊየቭ፡ ትማሊ ኣብ ዝጸውዖ ህጹጽ ናይ ጸጥታ ኣኼባ፡ “ፖለቲካውን ወታሃደራውን መሪሕነት ኣርሜንያ ሓላፍነት ናይቲ ዝተወለዐ ግጭት ክወስዱ’ዮም” ክብል ኣጠንቂቑ ነይሩ።

ክልቲአን ሃገራት ኣብ ፈለማ 1990ታት፡ ኣርሜንያ ነቶም ኣብቲ ዘሰሓሕብ ቦታ ዝነብሩ ተዛረብቲ ቋንቋ ኣርሜንያ ብምድጋፋ ዝተላዕለ ናብ ከቢድ ኲናት ኣምርሒን ነይረን እየን።

እቲ ውግእ በቲ ኣብ 1994 ዝፈረምኦ ስምምዕ ምቁራጽ ተጻብኦታት ጥራይ’ዩ ሃዲኡ ጸኒሑ። ኣብ 2016 እውን ጠርቋሽ ወግእ ኣካይደን ከም ዝነበራ ይፍለጥ።

ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ክካየድ ዝጸንሐ ዘተ ሰላም ብዘይፍረ ከም ዝተረፈን፡ “ትርጉም ኣልቦ” ምዃኑን ፕረዚደንት ኣዘርባጃን ቅድሚ ሓደ ሰሙን ተዛሪቡ ነይሩ።