ናህሪ ለበዳ ኮሮናቫይረስ: ኣብ ኣፍሪቃ እንታይ ይመስል?

ጋዜጣ ዘንብብ ሰብኣይ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ናይጄሪያ፡ ኣብ ውሽጢ ሃገር ዝግበር ጉዕዞ ካብን ናብን ዝኽልክል ገደብ ክለዓል ገይራ

ኣብ ኣፍሪቃ፡ ብዝሒ ብኮሮናቫይረስ ዝሓመሙ ሰባት ምስ ኣብ ካልኦት ሃገራት ዘሎ ክነጻጸር እንከሎ ዝተሓተ እዩ'ኳ እንተተባህለ፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን ዝርግሐ እቲ ቫይረስ ናብ ዝኸፍአ ደረጃ ደይቡ ኣሎ።

ኣብ ውሽጢ 100 መዓልታት 100 ሽሕ ሰባት ብኮሮናቫይረስ ክሓሙ እንከለው፡ ኣብ ውሽጢ 18 መዓልታት እዚ ቑጽሪ ብዕጽፊ ወሲኹ።

ኣብ ውሽጢ 20 መዓልታት ድማ ቁጽሪ ብኮሮናቫይረስ ዝተለኽፉ ሰባት 400 ሽሕ በጺሑ።

እዚ ለበዳ፡ ኣብ ቑጠባ እቲ ኣህጉር ኣሉታዊ ጸቕጢ ብምስዓቡ፡ ብርክት ዝበላ ሃገራት ዝርግሐ ኮቪድ-19 ንምቁጽጻር ወሲደንኦ ዝነበራ ስጉምቲ ዕጽዋ ክፎክስን ክለዓልን ገይረን።

ብመሰረት ጸብጻብ ባንኪ ዓለም፡ ብሰንኪ እዚ ለበዳ፡ ኣፍሪቃ ድሕሪ 25 ዓመት ዝኸፍአ ቁጠባዊ ምንቁልቋል ኣርኢያ።

Presentational grey line

መን እንታይ ገይራ?

ትካል ጥዕና ዓለም፡ መልከፍቲ እዚ ቫይረስ ይወስኽ ከም ዘሎ ስግኣቱ ብምግላጽ፡ መንግስታት ኣብ ምክልኻልን ምቁጽጻርን እዚ ሕማም ትኹረት ገይሮም ክሰርሑ ከም ዝግባእ ኣተሓሳሲቡ ኣሎ።

ሕጂ ብዘሎ ኩነታት "ናብ ዝኸፍአ ደረጃ" ከምርሕ ከም ዝኽእል ገሊጹ'ዩ።

እዚ ማለት እቲ ሕማም ኣብ ውሽጢ እቲ ሕብረተሰብ ኣትዩ ስለ ዘሎ፡ ብኮቪድ-19 ምስ ዝተትሓዘ ሰብ ቀጥታዊ ምትንኻፍ ዘይነበሮም ሰባት'ውን ተቓላዕቲ ክኸኑ'ዮም።

ሓድሽ መልከፍቲ እዚ ቫይረስ ይውስኽ ኣብ ዘለሉ እዋን ግን፡ ብዙሓት ሃገራት ወሲዶንኦም ዝጸንሓ ስጉምታት ከፍኩሳ ጀሚረን ኣለዋ።

  • ደቡብ ኣፍሪቃ ኣብ ኣፍሪቃ እቲ ዝለዓለ መልከፍትን ሞትን ዘመዝገበት ኮይና፡ ዝርግሐ እዚ ቫይረስ ንምቁጽጻር ጥንኩር ስጉምቲ ዕጽዋን ገደብ ምንቅስቓስን ወሲዳ ነይራ።
  • ኣብ ናይጄሪያ እኹል መርመራ ኮሮናቫይረስ ኣይካየድን ዘሎ ተባሂሉ ይእመን። ይኹን'ምበር፡ ኣብያተ ጽሕፈት መንግስትን ትካላት እምነትን ተኸፊቶም፤ ምንቅስቓስ ካብን ናብን'ውን ተፈቒዱ ኣሎ። ኣብያተ ትምህርቲ፣ ሬስቶራንትን ፓርክታትን ግን ዕጹዋት'ዮም።
  • ግብጺ፡ ብምኽንያት ኮቪድ-19 ብዙሓት ሰባት ብምሟቶም ኣብ ቅድሚት ትስራዕ። ይኹን'ምበር፡ እዚ ቫይረስ ንምቁጽጻር ዝኣወጀቶ ኣዋጅ እቶ እቶ ብምልዓል፡ ሬስቶራንታት፣ ካፌታትን ሲነማታትን ከፊታ። መሳጊድን ኣብያተ ክርስቲያንን'ውን ኣብ ቀረባ ክኽፈቱ መደብ ኣሎ።
  • ብኻልእ ወገን ኣብ ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪቃ ዝምዝገብ ዘሎ መጠን መልከፍቲ ዝተሓተ ኮይኑ ንረኽቦ። ኬኒያ፡ ኣብ ጉዕዞ ኣንቢራቶ ዝጸንሐት እገዳ ከተልዕል እንከላ፡ እቲ ሰዓት እቶ እቶ ቐጺሉ ኣሎ። ትካላት እምነት እንትኽፈቱ፡ ኣብያተ ትምህርቲ ግን ክሳብ 2021 ክዕጸዋ ወሲና።
  • ኣብ ኡጋንዳ ትካላት ትምህርትን ኣብያት እምነትን ዕጹዋት'ዮም። ታንዛኒያ ብወገና፡ ኣብያተ ትምህርቲ ተኸፊቶም ገለ ማሕበራዊ ምተእኽኻባት ኣፍቂዳ።
ደቡብ ኣፍሪቃ ኣብያተ ትምህርቲ ከፊታ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ደቡብ ኣፍሪቃ ኣብያተ ትምህርቲ ከፊታ
Presentational grey line

ስርዓት ጥዕና ኣፍሪቃ ድኹም ኮይኑ እናሃለወ፡ ምስ ካልኦት ሃገራት ዓለም እንትነጻጸር ብምኽንያት ኮቪድ-19 ኣብዚ ኣህጉር ዝሰዓበ ሞት ዝነኣሰ እዩ።

ልዕሊ 60 ሚኢታዊት ብዝሒ ህዝቢ ኣፍሪቃ ትሕቲ 25 ዓመት ኮይኑ፡ ኮቪድ-19 ድማ ብብዝሒ ብዕድመ ንዝደፍኡ ሰባት እዩ ከጥቅዕ ጸኒሑ።

ኣብ ኣፍሪቃ በዚ ሕማም ተታሒዞም ዝሞቱ ሰባት ክርኣይ እንከሎ'ውን፡ ቻድ 8.5 ሚኢታዊት፣ ኒጀር 6.2 ሚኢታዊት፣ ቡርኪናፋሶ 5.5 ሚኢታዊት፣ ማሊ ድማ 5.3 ሚኢታዊት መጠን ሞት ብምምዝጋብ፡ ካብ ኣፍሪቃ ዝለዓለ መጠን ዝተመዝገበን ኮይነን ኣለዋ።

ይኹን'ምበር፡ ብፍላይ ዓንዲ ሑቐ ቑጠብአን ኢንዳስትሪ ቱሪዝም ዝኾና ሃገራት፡ ብምኽንያት እዚ ቫይረስ ንዝተዳኸመ ቑጠባ ንምሕጋዝን ነቲ ጽላት ንምንቕቓሕን በረራ ዝጅምራ ሃገራት ኣለዋ።

ካሜሩን፣ ኢኳቶሪያል ጊኒ፣ ታንዛኒያ፣ ግብጺ፣ ደቡብ ሱዳንን ዛምቢያን፡ ድሮ ዓለምለኻዊ በረራታት ጀሚረን ኣለዋ።

15 ኣባል ሃገራት ዘለዎ ማሕበረሰብ ቑጠባ ሃገራት ምዕራብ ኣፍሪቃ [ኢኮዋስ] እውን፡ ካብ 21 ሓምለ 2020 ጀሚሩ ዓለምለኻዊ በረራታት ንምትእንጋድ ክሊ ኣየር እተን ሃገራት ክኸፍት ትጽቢት ይግበር። ኬኒያን ሩዋንዳን ድማ 1 ነሓሰ 2020 በረራ ክጅምራ እየን።

ሃገራት ዶባተን ንምኽፋት ክውስና እንከለዋ፡ ዘለወን ዓቕሚ ስርዓት ጥዕናን መረዳእታን ኣብ ግምት ከእትዋ ኣለወን ይብል ትካል ጥዕና ዓለም።

መርመራ ኮሮናቫይረስ ኣብ ጋቦን

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ኣብ ኣፍሪቃ ክንደይ ዝኣክል መርመራ ኮቪድ-19 ተኻይዱ?

ደቡብ አፍሪካ፣ ሞሮኮ፣ ጋና፣ ግብጺ፣ ኢትዮጵያ፣ ኡጋንዳ፣ ሞሪሸስ፣ ኬንያ፣ ናይጄሪያን ሩዋንዳን፡ 80 ሚኢታዊት ኣብ ኣፍሪቃ ዝተካየደ መርመራ ኮሮናቫይረስ ዝሽፍና ሃገራት እየን።

ኣብ ወርሒ ሓምለ፡ ደቡብ ኣፍሪቃ ካብ 1000 ሰባት ነቶም 30 ክትምርምር እንከላ፡ ዓባይ ብሪጣኒያ 722፣ ኣሜሪካ ድማ 105 ሰባት መርሚረን።

ናይጄሪያ ካብ 1000 ሽሕ ሰባት እትምርምሮ መጠን 0.7 ኮይኑ፡ ጋና 10፣ ኬኒያ ድማ ሰለስተ ሰባት እዩ።

ፕሬዝደንት ታንዛኒያ ጆን ማጉፉሊ፡ ውጽኢት እቶም ናይ መርመራ መሳርሒታት ዘተኣማምን ኣይኮነን ብምባል፡ ፍርቂ እቲ ዝርከብ ውጽኢት ጥራሕ ንህዝቡ የፍልጥ ነይሩ።

ኢኳቶሪያል ጊኒ፡ ኣብ ሃገራ ዝነበሩ ወኪል ትካል ጥዕና ዓለም ቑጽሪ በቲ ቫይረስ ዝተትሓዙ ሰባት ይውስኹ'ዮም ዘለው ብምባል፡ ንዝተወሰነ ግዜ ቑጽሪ በቲ ቫይረስ ዝተሃዙ ሰባት ከይንገር ኣጊዳ ነይራ።

ካኖ ኣብ ዝተባህለ ግዝኣት ናይጄሪያ ድማ፡ ሓደ ሽሕ ሰባት ክሞቱ እንከለው፡ መንግስቲ ግን ካብዚኦም ክንደይ ዝኣክሉ ብኮቪድ-19 ሞይቶም ዝብል ኣይገለጸን።

ኮሮና
ኮሮና