ውድብ ጥዕና ዓለም ብዙሓት ሃገራት ኣብ ጉዳይ ኮቪድ-19 ናብ ግጉይ ኣንፈት የምርሓ ኣለዋ ኢሉ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
መንግስታት ዝርግሐ ኮሮናቫይረስ ንምቁጽጻር ትቡዕ ስጉምቲ እንተዘይወሲዶም፡ እቲ ለበዳ "ናብ ዝኸፍአ ደረጃ ክምርሕ'ዩ" ብምባል ውድብ ጥዕና ዓለም ኣጠንቂቑ።
ዳይሬክተር ጀነራል እቲ ውድብ ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም፡ "ብርክት ዝበላ ሃገራት ናብ ግጉይ ኣንፈት እየን ዘምርሓ ዘለዋ" ኢሉ።
ሓደጋ እዚ ቫይረስ ንምንካይ ዝሕግዙ ስጉምታት ኣብ ዘይተተግበረለን ሃገራት፡ ቑጽሪ በቲ ቫይረስ ዝተሓዙ ሰባት ክውስኽ ይርኣይ ከም ዘሎ ብምግላጽ፡ "እዚ ቫይረስ ቑጽሪ ሓደ ጸረ ህዝቢ እንተኾነ'ውን፡ ስጉምቲ ብዙሓት መንግስታት ግን ነዚ ዘመላኽት ኣይኮነን" ክብል ስክፍትኡ ገሊጹ።
ኣብ ዙርያ እዚ ቫይረስ ካብ መራሕቲ ዝመሓላለፉ መልእኽታት ሓደ ዓይነት ዘይምዃኖም ድማ፡ ዝርግሐ እዚ ቫይረስ ንምቀቁጽጻር ዝግበር ጻዕሪ ተኣማንነት ከም ዘስኣኖ ሓቢሩ።
ዶክተር ቴድሮስ፡ "ሕጂ'ውን መሰረታዊ ዝኾኑ ነገራት ክነተግብር እንተዘይኽኢልና፡ ዝርግሐ እቲ ለበዳ እናኸፍአ ክኸይድ'ዩ" ክብል ኣጠንቂቑ።
ዳይሬክተር ጉዳያት ህጹጽ እዋን ውድብ ጥዕና ዓለም ዶክተር ማይክ ሪያን ብወገኑ፡ ኣብ ኣሜሪካ ዝውሰዱ ዘለው ስጉምታት ምፍኳስ ኣዋጃት ዕጽዋ "ዘይተኣደነ መልከፍቲ" ኮሮናቫይረስ ክኽሰት ምኽንያት ይኸውን ከም ዘሎ ተዛሪቡ።
ኣብ ላቲን ኣሜሪካ ጥራሕ ምስ ኮሮናቫይረስ ብዝተሓሓዝ ዝተመዝገበ ሞት ልዕሊ 145 ሽሕ ኮይኑ፡ እኹል መርመራ ብዘይምክያዱ እዚ ቑጽሪ ክውስኽ ከም ዝኽእል ይእመን።
ስለ ዝኾነ ድማ፡ መንግስታት ግልጽን "ጠንካራ"ን ስትራቴጂታት ምክልኻል እዚ ሕማም ግብራዊ ብምግባር፡ ዜጋታት ብቐሊሉ ካብ መልከፍቲ እዚ ቫይረስ ንነብሶም ክከላኸሉ ከም ዝኽእሉ ከገንዝቡ ይግባእ ኢሉ።
"እዚ ቫይረስ ምሳና ከም ዝነብር ክንርዳእ ይግባእ" ዝበለ ዶክተር ርያን፡ እዚ ቫይረስ ኣብ ዝሓጸረ እዋን ክጠፍእ እዩ ወይ'ውን መድሓኒት ክርከቦ'ዩ ዝብል ዘይጭቡጥ ተስፋን ትጽቢትን ክውገድ ኣተሓሳሲቡ።








![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







