ኮሮናቫይረስ፡ እዋን ክረምቲ ንዝርግሐ ኮቪድ-19 ከጋድዶ ይኽእል'ዶ ይኸውን?

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ሰብ ሞያ ጥዕና ከም ዝብልዎ እንተኾይኑ እዋን ክረምቲ ኣብ ዝተፈላለዩ መተንፈሲ ኣካላት ዝፍጠሩ ጸገማት ጥዕና ብስፍሓት ይረኣዩ።
ሰዓልን ካልኦት ተመሳሰልቲ ሕማማትን'ውን ኣብ እዋን ክረምቲ ከጋጥሙ ይኽእሉ።
ክረምትን ሕማማት መተንፈሲ ኣካላትን
ኣብ ዩኒቨርሲቲ ጎንደር በዓል ሞያ ውሽጣዊ ሕማማት ዶክተር ቴድሮስ ጸጋዬ፡ ብሰንኪ ቫይረስ ዘጋጥሙ ሕማማት መተንፈሲ ኣካላት ዓለም ናብ ዛሕሊ ክትኣትው ከላ ብስፍሓት ከም ዘጋጥሙ ይዛረብ።
ንሱ ከምዝበሎ፡ እቲ ሕማማት ብፍላይ ኣብ ምዕራባውያን ሃገራት 'ዊንተር' ብዝብል ኣብ ዝፍለጥ እዋን [ካብ ሕዳር ክሳብ መጋቢት ዘሎ] ብዝያዳ ይረኣይ።
ኣብ ኢትዮጵያ ከኣ እኹል መጽናዕቲ'ኳ እንተዘይሃለወ፡ ዝናብ ኣብ ዝህልወሉ እዋን ክረምቲ [ካብ ግንቦት ክሳብ መስከረም] ሕማማት መተንፈሲ ኣካላት ብስፍሓት የጋጥሙ።
መብዛሕቲኦም ሕማማት መተንፈሲ ኣካላት ብሰንኪ ቫይረስ ዘጋጥሙ'ኳ እንተኾኑ፡ ከም 'ኣለርጂ' (ቁጠዐ ሰብነት)ን ኣስምን ዝበሉ ድማ ብዘይቫይረስ ዝመጽኡ እዮም።
እዞም ሕማማት ኣብ እዋን ዛሕሊ ዝጋደዱሎም ሰለስተ ምኽንያታት ከምዘለዉ ዶክተር ቴድሮስ የረድእ።
ቀዳማይ ምኽንያት - በቲ ሕማም ምስ ዝተትሓዙ ሰባት ዝራኸብ'ዩ።
"ሰባት ኣብ እዋን ክረምቲ ናይ ምትእኽኻብ ልምዲ ኣለዎም። እዚ ድማ ሕማማት ንኽመሓላለፉ ዕድል ዝፈጥር እዩ። ዛሕሊ እንትህሉ ትቦታት ኣየር ይልሕልሑ" ይብል እቲ ዶክተር።
ኩሉ ሰብ ድማ ሕማማት ናይ ምክልኻል ዓቕሙ ተመሳሳሊ ስለዘይኮነ፡ ብሰንኪ ዛሕሊ ብቐሊሉ ኣለርጂ ዘጋጥሞም ሰባት ኣለዉ።
ካልኣይ ምኽንያት - ንቫይረሳት ዝፍጠር ምቹእ ኩነታት ኮይኑ፡ ዛሕሊ ንመተንፈሲ ኣካላት ክጎድእ ይኽእል እዩ። መተንፈሲ ኣካል ኣብ ዝጉድኣሉ እዋን ከኣ ንቫይረሳት ምቹእ ኩነታት ይፍጠር።
ሳልሳይ ምኽንያት - ለውጢ ከባቢ ኣየር ንሕማማት ዘቃልዕ ምዃኑ እዩ።
"እዋን ክረምቲ ዛሕሊ ዘለዎን ደረቕን ግዜ እዩ። ዝሑልን ደረቕን ኣየር ድማ ብትቦታት ኣየር ክሓልፍ ከሎ ጉድኣት የብጽሕ" ይብል ዶክተር ቴድሮስ።
ኮቪድ-19ን ክረምትን?
ዶክተር ቴድሮስ ከም ዝብሎ፡ እዋን ክረምቲ ንለበዳ ኮሮናቫይረስ ከጋድዶ ይኽእል'ዶ ንዝብል ሕቶ መልሲ ንምሃብ መጽናዕቲ ምክያድ ኣገዳሲ እዩ።
ቅድሚ ሕዚ ንዝተርኣዩ ካልኦት ተመሳሰልቲ ሕማማት ከም መበገሲ ወሲድካ ግን ነቲ ሕማም ብዝያዳ ናይ ምቅላዕ ኩነታት ከም ዝህሉ ይዛረብ።
"ኮሮናቫይረስ ልክዕ ኣብቶም ካልኦት ሕማማት ዘሎ ባህርያት ዘርእይ እንተኾይኑ እዚ ዝናብ ዝዘንበሉ እዋን ክረምቲ ነቲ ሕማም ዘቃልዕ ክኸውን ይኽእል'ዩ" ኢሉ።
ኣብ ካልኦት ሃገራት ዝተርኣየ ዝርግሐ እቲ ቫይረስ እንተወሲድና፡ ኣብ እዋን ዛሕሊ [እቲ ሕማም ዝተኸሰተሉ ኣብ እዋን 'ዊንተር' ብምንባሩ] ቁጽሪ ሕሙማት ወሲኹ እዩ።
ስለዚ እቲ ኣብተን ሃገራት ዝተርኣየ ኩነታት ኣብ ኢትዮጵያ እውን ከጋጥም ከም ዝኽእል ዶክተር ቴድሮስ ኣረዲኡ።
ኣብ እዋን ክረምቲ ክግብር ዝግብኦ ጥንቃቐ
ኣብ እዋን ክረምቲ እቲ ሕማም ዝዝርግሐሉ ኩነታት ዝውስኽ እንተኾይኑ፡ ነቲ ሕማም ንምክልኻል ኣብ ዝግበር ጻዕሪ'ውን ምምሕያሽ ክህሉ ከም ዝግባእ ዶክተር ቴድሮስ ይምዕድ።
ንሱ ከምዝብሎ፡ ዝተወሰነ ለውጢ ምግባር እንተድአ ዘድልይ ኮይኑ ካብ ዝተፈላለዩ ኣንፈታት ክረኣይ ኣለዎ።
እቲ ብመጀመርታ ደረጃ ኣብ ግምት ክኣትው ዘለዎ ጉዳይ፡ እዚ እዋን ክረምቲ ከም ቁጠዐ ሰብነት (ኣለርጂ)ን ካልኦት ሕማማት መተንፈሲ ኣካላትን ዝውስኹሉ ስለዝኾነ፡ ምልክታት ሕማማት ስለዝመሳሳሉ ኣብ መጠን ዝካየዱ ምርመራ ወሰኽ ክህሉ እንተተባሂሉ ኣብ ናውቲ ምርመራ ሕጽረት ከስዕብ እዩ።
"ብብዝሓት ምርመራ ምስገበርካ ኣብቶም ሰባት ብስፍሓት ዝርከብ ኮቪድ-19 ዘይኮነስ ካልእ ጸገም ጥዕና መተንፈሲ ኣካላት እንተድኣ ኮይኑ ኣብ ዓቕሚ ምርመራ ብኽነት ዘኸትል እዩ" ይብል።
ብኻልእ መልክዑ ከኣ ምርመራ ካብ ዘይምግባር ብሰንኪ እቲ ቫይረስ ዝጉድኡን ህይወቶም ክሳብ ምስኣን ዝበጽሑን ሰባት ክህልዉ ይኽእሉ እዮም።
ስለዚ ነዞም ክልተ ነገራት ኣብ ግምት ዘእተወ ስጉምቲ ምውሳድ ከምዘድልይ ዶክተር ቴድሮስ የረድእ።
"ብሓደ ገጽ እቲ ሕማም ከኸትሎ ዝኽእል ጉድኣት፤ ብኻልእ ገጽ ከኣ ነቲ ዘሎ ዓቕሚ ኣብ ግምት ብምእታው ነቲ ማእኸላይ ዝኾነ ኣማራጺ ምውሳድ ከድልይ እዩ" ኢሉ።
ብዛዕባ እቲ ለባዳ ዝወሃብ ኣስተምህሮ ድማ ተጠናኺሩ ክቕጽል ከምዘለዎ ኣዘኻኺሩ።









![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







