ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ከመይ ኢላ እያ ዞባዊ ሓይሊ ትኸውን ዘላ?
2020 ነታ ንእሽተይ ግን ዓቢ ሕልምን ሃብትን ዘለዋ ሃገረ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ቀዳዊታ’ያ ነይራ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
እዛ ካብ ግዜ ናብ ግዜ ጽልዋኣ እናኣዕበየት ትኸይድ ዘላ ሃገር፡ ኣብዛ ክትዛዘም ሓደ ርብዒ ተሪፍዋ ዘሎ ዓመተ 2020፡ ናብ ማርስ ሳተላይት ልኢኻ፡ ምስ እስራኤል ታሪኻዊ ውዕል ሰላም ከቲማ፡ ኣብ ምክልኻል ኮሮናቫይረስ ኣገደስቲ ዝኾኑ ናውቲ ሕክምና ብውሽጣዊ ዓቕማ ብምፍራይ ንነብሳ ኮይናስ ንዓባይ ብርጣንያ’ውን ሓገዛ ከተበርክት ክኢላ።
ኣብ ወተሃደራዊ መዳይ’ውን መሓውራ ክሳብ ሊብያ፡ የመንን ሶማልያን ብምዝርጋሕ ጽልዋኣ ንምሕያል ምስ ብዓል ቱርኪ ኣብ ምትፍናን ትርከብ።
እዛ ኣብ ዝመጽእ ዓመት መበል 50 ዓመት ናጽነታ ትጽንብል ሃገረ ሕቡራት ኢማራት ዓረብን ኣብ ዓለም እንታይ ተራ’ያ ትጻወት ዘላ፡ ነዚ ኹለኸ መንዩ ብድሕሪት ኮይኑ ዝዝውሮ ዘሎ?።
ዕድላት እንክጋጠሙ
ግንቦት 1999 እዩ ዘሎ ኣብ ኮሶቮ ዝጀመረ ኵናት ልዕሊ ዓመት ኣቁጺሩ ኣሎ። ኣብ ዶብ ኮሶቮን ኣልባንያን ኣብ ሓደ ኣዝዩ ሕጹርን ድሕነቱ ዝተሓለወ መዓስከር’የ ዘለኹ፡ እዚ መዓስከር ብዜጋታት ኮሶቮ መሊኡ’ዩ ዘሎ።
እዚ መዓስከር ስደተኛታት ብማሕበር ቀይሕ ወርሒ ኢማራት ዓረብ እዩ ተሃኒጹ። መንግስቲ ሕቡራት ኢማራት ድማ ፍሉጣት ከሻኖ፡ ሕሩድ፡ መሃንድሳት መስመር ተሌፎን፡ ኢማም ከምኡ’ውን ነቲ መዓስከር ብጽኑዕ ዝሕልዉ ዘመናዊ ወተሃደራዊ መሳርሒታት ዝተዓጥቁ ወተሃደራት ሒዛ ናብቲ መዓስከር ደበኽ ኢላ።

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ኣነ ቅድሚ ሓደ መዓልቲ ብነፋሪት ሓይሊ ኣየር ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ካብቲ ኣብ ሰሜናዊ ምብራቕ ኣልባንያ ዝርከብ ቲራና ዝብሃል ቦታ እየ መጺአ።
እዚ ኣብ ጥቃይ ኮይኑ ስኑ ዘጽሪ ዘሎ ኣዝኡ ነዊሕ ቁመትን ጭሕምን ዘለዎ መነጸር ዝገበረ ግሩም ሰብኣይ ሸኽ መሓመድ ቢን ዛይድ ከምዝብሃልን ኣብ ብሪትሽ ሮያል ኣካዳሚ ዝተመረቐን ነቲ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ኣብ ወተሃደራዊ ዕበለላ ተራኣ ንኽትጻወት ዓቢ ግደ ዘለዎ ሰብ ምዃኑ ክርዳእ ክኢለ ኣለኹ።
ንቴለቪዥን ዝኸውን ቃለ መሕተት'ዶ ክንገብር ምስ በልክዎ ዝደለዮ ኣይመስልን ግን ድማ ኣይኣበየንን።
ንሱ፡ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ምስ ፈረንሳ ኣብ ስተራተጂካዊ ልፍንቲ ከምዝኣተወት እዩ ዝገልጽ።
ብመሰረት እቲ ዝተብጽሐ ስምምዕ፡ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ 400 ለክረክ ዝዓይነተን ዘመናውያን ታንክታት ክትዕድግ እያ። ፈረንሳ ብወገና ሓደ በርጌድ ወተሃደራት ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ዘመናዊ ወተሃደራዊ ስልጠና ብምሃብ ምስ ወተሃደራት ፈረንሳ ኮይኖም ኣብ ኮሶቮ ክዋፈሩ እዮም።
ኣብቲ እዋን፡ ነታ ናጽነታ ካብ እትረክብ 30 ዓመታት ጥራይ ገይራ ዝነበረት ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ወተሃደራታ ኣብ ኮሶቮ ከተዋፍር ምሕላና ዓቢ ድፍረት ዝሓትት ውሳነ እዩ ነይሩ።
ኣብዚ ዘለኽዎ ኣብ ሓደ ኩርናዕ ሃገራት ባልካን ኮይነ ብሓሳባዊ ስእሊ ንሃገረ ኢማራት ዓረብ ምስ ዘከርክዋ፡ ካብ ከተማ ኣቡ ዳቢ ልዕሊ 3200 ኪሎ ሜተር ርሒቕና ከምዘለና ክርዳእ ክኢለ።
ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ግን ጽልዋኣ ካብ ወሽመጥ ዓረብ ኣስጊራ ንነዊሕ ወጢና ትሰርሕ ምህላዋ እዩ ክስወጠኒ ክኢሉ።
ኮነ ከኣ፡ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ እታ ንመጀመርታ ወተሃደራታ ንኪዳን ኣትላንቲክ ኔቶ ክሕግዝ ናብ ኣውሮጳ ዝሰደደት ዓረባዊት ሃገር ክትከውን ከኣለት።

ምንጪ ስእሊ, FRANK GARDNER
'ንእሽተይ ስፓርታ'
ብድሕሪ’ዚ ዝመጸ ጉዳይ ናይታ ብብዙሓት ዜጋትት ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ዘይትፍለጥ ኣፍጋኒስታን እያ።
ወተሃደራት ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ምስ ኔቶ ብምዃን ደድሕሪ ምውዳቕ ጣሊባን ኣብ ኣፍጋኒስታን ወተሃደራዊ ስርሒታት ክገብሩ ብናይ ሕጂ ልኡል ኣቡዳቢ መሓመድ ቢን ዛይድ ተመሪቖም ተፋንዮም።
ኣብ 2008 ናብቲ ኣብ ባግራም ኣፍጋኒስታን ዝርከብ መዓስከር ሓይሊ ኣየር ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ብምብጻሕ ስርሒታቶም ከመይ ከምዘካይድዎ ክዕዘብ ክኢለ ነይረ።
እቶም ኣብ ብራዚልን ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃን ዝተሰርሐ ድሩዓት ወተሃደራውያን መካይን ዝጥቀሙ ወተሃደራት ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፡ ናብ ድኽነት ዝደሃኾ ርሑቕ ገጠራት ኣፍጋኒስታን ብምኻድ ቁርኣንን ሽኮራዊ ነገርን ብነጻ ይዕድሉ ምስ ዓበይቲ ዓዲ ኮፍ ብምባል ድማ ይዝትዩ።
ነቶም ዓባይቲ ዓዲ “እንታይ ኢኹም ትደልዩ? መስጊድ? ቤት ትምህርቲ ዋላ ዒላ ክንጽሕረልኩም?” ይብልዎም።
እቶም ዓበይቲ ዓዲ ዝደለይዎ ነገር ንኽስርሓሎም ድማ፡ ነቶም ክሰርሑ ዝኽእሉ ኣፍጋናውያን ኩንትራት ብምሃብ ገንዘብ ይስልዕሎም ነበሩ።
ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ኣብ ኣፍጋኒስታን ዝገደፈቶ ኣሰር ንእሽተይ እዩ ነይሩ። እንተኾነ፡ ሰልድን ሃይማኖትን ብምጥቃም ኣፍጋናውያን ከምቲ ንካልኦት ወተሃደራት ኔቶ ዝጥርጥርዎም ንሰራዊት ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ኣይጥርጥርዎምን እዮም ነይሮም።
ሰራዊት ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ኣብ ዞባ ሀልማን ናይ ኣፍጋኒስታን ኣብ ጎኒ ሰራዊት ዓባይ ብርጣንያ ብምዃን ተዋጊኦም’ዮም።
ኣብቲ እዋን ሚኒሰተር ምክልኻል ኣሜሪካ ዝነበረ ጂም ማቲስ፡ እታ ካብ 10 ሚልዮን ዝውሕድ ህዝብን ብዙሕ ተፈላጥነትን ዘይነበረ ሃገረ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፡ ኣብ ጎኒ ሰራዊት ኔቶ ኮይና ንዝተጻወተቶ ተራ ንምምጓስ ‘ንእሽተይ ስፓርታ’ ኢሉ’ዩ ገሊጽዋ።

ምንጪ ስእሊ, FRANK GARDNER
ዝና ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ዝደበነ ወፍሪ የመን
ብድሕሪ እዚ ዝሰዓብ እቲ ብጸገማት ዝተተኽተኸ ወተሃደራዊ ወፍሪ የመን’ዩ።
ልኡል መሓመድ ቢን ሳልማን ናይ ስዑድያ፡ ኣብ 2015 ኣብቲ ኣብ የመን ዝካየድ ዝነበረ ኣዕናዊ ኵናት ሓድሕድ ኢዱ ምስ ሓወሰ፡ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ኤፍ 16 ዝዓይነተን ወተሃደራውያን ነፈርቲ ገይራ ኣንጻር ዕጡቃት ሑቲ ደብዳብ ንምክያድ ሰራዊታ ናብ ደቡብ የመን ልኢኻ።
ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፡ ኣብ 2018 ወተሃደራት ኣብ ሶኮትራ ዝተብሃለት ስትራተጂካዊት ደሴት ናይ የመን ብምዕራድ ንወደብ ሑደይዳ ካብ ሓይልታት ሑታ ብቀሊሉ ሓራ ንምውጻእ ኣብ ኤርትራ ወደብ ዓሰብ ከምዝተኻረየትን ይፍለጥ።
ኵናት ሓድሕድ የመን ኢማራት ካብ እትሕወሶ ሰዓርን ተሳዓርን ዘይብሉ ሽዱሽተ ዓመታት ኣቁጺሩ’ሎ፡ ሰራዊት ሑቱ ኣብ ከባቢ ርእሰ ከተማ ሰንዓ ዓስኪሮም ኣለዉ። ዝብዝሐ ክፋል የመን ድማ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽሮም’ዩ ዘሎ።
ኣብ የመን ዘለዉ ወተሃደራት ሕቢራት ኢማራት ዓረብ ሞት የጋጥሞም ኣሎ፡ ብፍላይ ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ ኣብ ሓደ ቦታ ዝነበሩ ልዕሊ 50 ሰራዊት ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ብደብዳብ ናይ ሚሳይል ስለዝሞቱ፡ ኣብታ ሃገር ንሰልስተ መዓልታት ናይ ሓዘን መዓልታት ተኣዊጁ ነይሩ እዩ።
ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፡ በቲ ኣብ የመን ተካይዶ ዘላ ፍሹል ክብሃል ዝኸኣል ወተሃደራዊ ምትእትታው፡ ምስ ኣልቃዒዳ ምትእስሳር ኣለዎም ዝበለቶም ሰባት ኣብ ሃሩር ቦታ ኣብ ኮንተይነር ትኣስሮም ኣላ ዝብል ክሲ ናይ ተጣበቅቲ ሰብኣዊ መሰላት፡ ነቲ ዝሃነጸቶ ዝና ብመጠኑ ኣጉዲልዎ እዩ።

ምንጪ ስእሊ, FRANK GARDNER
ምስ እስራኤል ዝተፈጠረ ሓዲሽ ሽርክነት
ሕቡራት ኢማራት ዓርብ፡ ኣብ የመን እትገብሮ ዝነብረት ወተሃደራዊ ምትእትታው'ኳ እንተኣጉደለቶ፡ ቱርኪ ኣብቲ ዞባ ዘለዋ ዕበለላ ንምቁጻይ ግን ወተሃደራዊ መሓውራ ካብ ምዝርጋሕ ዓዲ ኣይውዓለትን።
ቱርኪ፡ ኣብ ርእሰ ከተማ ሞቃድሾ ወተሃደራ ህላወኣ ምስ ኣርኣየት፡ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ'ውን ዶባዊ ግዝኣት ሶማሊ ላንድ ብምቕባል ኣብ በርበራ ናይ ሶማሊላንድ ወተሃደራዊ መዓስከር ክትሃንጽ ተራእ'ያ።
ኣብ ሊብያ'ውን ንሰራዊት ጀነራል ካሊፋ ሓፍታር ብምድጋፍ ኣብ ጎኒ ሩስያን ግብጽን ብምዃን ኣንጻር እቲ ብቱርክን ቀጠርን ዝድገፍ መንግስቲ ሊብያ ተጸሚዳ ኣላ።
ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፡ ኣብ ወርሒ መስከረም መራኽብን ናይ ውግእ ነፈርትን ናብ ደሴት ክረት ብምስዳድ ምስታ ኣንጻር ቱርኪ ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ትፋጠጥ ዘላ ግሪኽ ኣብ ምብራቓዊ ማእከላይ ባሕሪ ሓባራዊ ወተሃደራዊ ልምምድ ኣካይዳ።
ሕጂ ድማ ሃንደበት ክብሃል ዝክኣል፡ ቤት ጽሕፈት ፕረዚደንት ኣመሪካ[ዋይት ሃውስ] ሕቡራት ኢማራት ዓረብን እስራኤልን ኣብ ሓደ ታሪኻዊ ስምምዕ ከምዝብጽሓ ገሊጹ።
እቲ ስምምዕ ኣብ መዳይ ትሕተ ቅርጺ ጥዕና፡ ባዩተክ፡ ባህላውን ንግዳውን ዘተኮረ’ዩ እኳ እንተተባህለ፡ ኣብ ሞንጎ እስራኤልን ሕቡራት ኢማራት ዓረብን ግን ክሳብ ወተሃደራውን ጸጥታውን ዝዝርጋሕ ስምምዓት ክበጽሕ ከምዝኽእል’ዩ ዝጥርጠር።
ንእስራኤልን ሕቡራት ኢማራት ዓረብን ናይ ሓባር ጸላኢት ዝኾነት ኢራን ነቲ ክልተኣዊ ስምምዕ ክትኩንን እንከላ፡ ቱርክን ፍልስጤምን ብወገነን ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ዝገበረቶ ስምምዕ ነቲ ፍልስጤም ልኡላዊት ሃገር ንምዃን እትገብሮ ዘላ ቃልሲ ዝቆጺ ስምምዕ እዩ ብምባል ይኸሳ ኣለዋ።

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ናብ ወርሕን ከዋኽብትን
ህንጡይነት ሕቡራት ኢማራት ዓረብ እዚ ጥራይ ኣይኮነን። ብኣመሪካ ተሓጊዛ እታ ናይ መጀመርታ ናብ ማርስ ሳተላይት ክትልእኽ ዝኽኣለት ዓረባዊት ሃገር ክትከውን ክኢላ እያ።
እዚ ‘ሆፕ’ ዝሰመየቶ ስርሒት ምልኣኽ ሳተላይት ልዕሊ 200 ሚልዮን ዶላር ዝወደአ ኮይኑ፡ እታ ካብ ደሴት ጃፓን ዝወንጨፈታ ሳተላይት ካብ ዓለም 126 ሽሕ ኪሎሜተር ርሒቓ ሕንባበኣ ትቅጽል ኣላ።
ዕላማ እታ ሳተላይት ኣብ ወርሒ ለካቲት 2021፡ ካብ ዓለም 495 ሚልዮን ኪሎሜር ርሒቃ ኣብታ ቀያሕ ፕላኔት ጋዛዊ ዳህሳስ ብምክያድ ርኽበታ ናብ ዓለም ክትልእኽ ክትጅምር እያ።
ሚኒሰትር ጉዳያት ወጻኢ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ኣንዋር ጋርዲሽ፡ “ኣብ ዓለም ዘለና ተራ ከነርኢ ኢና ንደሊ፡ ንኹሉ መሰናኽላት ክንሰብሮ ኢና፡ ነቲ መሰናኽላት ንምስባር ድማ እስትራተጂካዊ ስግኣት ዘለዎ ስጉምትታት ክንወስድ ግድን እዩ” ይብል።
እንተኾነ፡ እታ ሃገር ብኽንድዚ ፍጥነት ትኸይድ ምህላዋ ካልእ ጎድናዊ ሳዕቤናት ከይህልዎ ብስግኣት ዝርእይዎ ኣይተሳኣኑን።
ተንታኒ ፖሎቲካ ወሽመጥ ዓረብ ሚካኤል ስቴፈን፡ “ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፡ ኣብዚ ዓረባዊ ዞባ ኣብ ወተሃደራዊ መዳይ እታ ውጽኢታዊት ሃገር እያ ንምባል ቅሩብ ዘጠራጥር እዩ” ይብል።
ንሱ ብምስዓብ፡ “ሓቂ እዩ እታ ሃገር ካልኦት ሃገራት ዓረብ ዘይገበረኦ ወተሃደራታ ናብ ስግር ባሕሪ ብምልኣኽ ስርሒታት ከተካይድ ጸኒሓን ኣላን፡ እንተኾነ ዓቕማን ዓቐናን ኣብ ግምት ኣእቲኻ ብዙሑ ነገራት ኣብ ሓደ ግዜ ክትገብር ትፍትን ስለዘላ፡ እቲ ሓንሳብ ምስ ኣተኻዮ ነዊሕ ክትጉዓዝ ዘገድድ ወተሃደራዊ ምትእትታዋት ተመሊሱ ናብ ነብሳ ከይትኮሳ ዘስግእ እዩ” ይብል።








![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







