ዲፒ ዎርድ ዝተባህለ ኩባንያ ኢማራት ዓረብ ንወደባት ኤርትራ ይጽግን ምህላው ተገሊጹ

ወደብ ባጽዕ
መግለጺ ስእሊ, ወደብ ባጽዕ

ዲፒ ዎርድ ዝተባህለ ኩባንያ ኢማራት ዓረብ ንወዳባት ኤርትራ ይጽግን ምህላው ገሊጹ።

እቲ ኩባንያ ብመንገዲ ማእከላይ ምብራቕን ኣፍሪቃን ዝከታተል ቤት-ጽሕፈቱ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፡ በዓል መዚ ወደባት ኤርትራ ብዘቕረቦ ጠለብ መሰረት፣ ኣብ ወደባት ኤርትራ ኣገደስቲ ናይ ኣቑሑ ምቕያርን ብቕዓት ኣገልግሎት እተን ወደባት ኣብ ምምሕያሽ ጽገናታት ከምዘካይድ ገሊጹ።

ብተወሳኺ፡ እቲ ኩባንያ ብጀረጃ ዓለም፡ ንጠለባት ዓማዊሉ ኣብ ምምላእ ድልው ከምዘሎን ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ንዝርኣ ዘሎ ናይ ስራሕ ዕድላት ይከታተሎ ከምዘሎን ኣመልኪቱ።

ንኣስታት 20 ዓመት ብሰንኪ'ቲ ኣብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ተኸሲቱ ዝነበረ ዶባዊ ኲናት ከምኡ'ውን ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ተበይኑ ዝነበረ እገዳ፡ ወደባት ኤርትራ ዳርጋ ካብ ስራሕ ወጻኢ ከምዝኾና መንግስቲ ኤርትራ ብተደጋጋሚ ክገልጽ ጸኒሑ እዩ።

ወደባት ኤርትራ ንግዳዊ መራኽብ ንምእንጋድ ዘለወን ናይ መሺነሪ ሕጽረታት ሸፊነን፡ ዞባዊ ተወዳደርነተን ንምዕዛዝ ብዕቱብ ይስራሕ ከምዘሎ ማዕከናት ዜና ኤርትራ ክገልጻ ጸኒሐን።

እዚ ሓዲሽ ናይ ሰላም ሃዋህው፡ ኣብቲ ዞባ ሓዲሽ ቑጠባዊ ምዕባለን ወፍርን ከምጽእ ትጽቢት ይግበረሉ።

ከተማ ባጽዕ

ቑጠባዊ ጸጋጋት ወደባት ኤርትራ

ንግዲ፣ መጓዓዝያን መራኸቢታትን ናብ ንቡር ንምምላስ፡ ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብ 2018 ውዕላት ምፍርራመን ዝዝከር እዩ።

ሕብረት ኤውሮጳ እውን ካብ ኤርትራ ናብ ኢትዮጵያ ዝኸይድ ጽርግያ ንምሕዳስ ገንዘባዊ ሓገዝ ስለዝገበረ ጽርግያ ነፋሲት ደቀምሓረ ክሳብ ሰርሓን ዛላምበሳን ይገፍሕን ይሕደስን ምህላው ይፍለጥ።

ወደባትን መገድን ምስተሓደሰ ንቡር ኣገልግሎት ወደብ ምስተጀመረን ቁጠባዊ ኩነታት ክልቲአን ሃገራት ከምዝበራበር ተስፋ ይግበረሉ።

ከተማ ባጽዕ፡ ንሰሜናዊ ክፋል ኢትዮጵያን ምብራቕ ሱዳንን ቀረባ ብምዃና፡ ብወገን ኢትዮጵያ ዘለዋ ከተማታት ዓዲግራትን ዛላምበሳን፡ ካብ ባጽዕ ብዝብገስ ንግዳዊ ምንቅስቓስ ቀልጢፈን ክዓብያ ይኽእላ እየን ዝብል ትጽቢት ምሁራት ቁጠባ ኣሎ።

ከሰላ፡ መቐለን ባህርዳርን'ውን ተጠቀምቲ እዚ ናይ ሰላም መስርሕን ኣፍደገ ባሕርን እየን።

ወደብ ዓሰብ፡ ዘመናዊ ንምግባሩን ጽርግያ ዓሰብ-ደባይ ሲማ ናብ ኣርባዕተ መስመራት ንምስፋሑን መደብ ከምዘሎ'ወን ተፈሊጡ ኣሎ።