ህቦብላ ኢሳይያስ፡ ምብራቓዊ ገማገም ኣሜሪካ ብምጥቃዕ ብውሕዱ 5 ሰባት ቀቲሉ

ህቦብላ ኢሳይያስ፡ ምብራቓዊ ገማገም ኣሜሪካ ብምጥቃዕ ብውሕዱ 4 ሰባት ቀቲሉ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ህቢቡላ ኢሳይያስ ብብርቱዕ ናህሪ ኣብ ምብራቓዊ ገማገምን ሰሜን ካሮሊናን ብምብጻሕ ሚልዮናት ብዘይ ቀረብ ኤሌክትሪክ ክተርፉ ገይሩ።

ክልተ ሰባት ብብርቱዕ ዘራጊቶ ክሞቱ እንከለዉ ኣብ ኒውዮርክን ሜሪላንድን’ውን ብውሕዱ ክልተ ሰባት ከም ዝሞቱ ተሓቢሩ ኣሎ።

ኣብ ከተማ ደላወየር'ውን ጓል 83 ዓመት ሰበይቲ ኣብ እግሪ ዝወደቐት ዓባይ ገረብ ሞይታ ከምዝተረኽበት ተገሊጹ።

ኣብ ሰዓት ልዕሊ 100 ኪሎሜትር ዝሕንበብ ንፋስ ትማሊ ሰሉስ ንከተማ ኒውዮር ኣናዊጽዋ ውዒሉ።

እዚ ከምዚ ዓይነት ብርቱዕ ህቦብላ ኣብዚ ውሽጢ ዓመት ንታሽዓይ ግዙኡ’ዩ ዘጋጥም ዘሎ።

ካብ ሰሜን ካሮሊና ክሳብ ኒውዮርክ፡ ህቦብላ ኢሳይያስ ንልዕሊ 3.4 ሚልዮን ሰባት መስመር ኤሌክትሪክ ንክቋረጾም ምኽንያት ኮይኑ ኣሎ።

ኣማሓዳሪ ኒውጀርሲ ፊል ሙርፊ ካብ ሰሉስ ጀሚሩ ኣብታ ግዝኣት ኣዋጅ ህጹጽ ግዜ ክትግበር ብምውሳን ነበርቲ እታ ግዝኣት ካብ ገዛ ከይወጽኡ ተማሕጺኑ ኣሎ።

ንኒውዮርከ ዘዳውባ ግዝኣታት’ውን ናብታ ግዝኣት ዝተፈላለየ ቀዳማይ ረድኤትን ንዋታዊ ሓገዛትን ሰዲደን ኣለዋ።

ኢሳይያስ ተባሂሉ ዝፍለጥ ሓያል ዝናብ ዝተሓወሶ ወቕታዊ ህቦብላ፡ ኣብዚ እዋን ኣብ ካናዳ ደቡባዊ ክፋል ቡበክ በጺሑ ከምዘሎ ይግለጽ ኣሎ።

እቲ ህቦብላ ብዙሕ ዕንወት ኣውሪዱ'ሎ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

መኸተ ባህርያዊ ሓደጋን ለበዳ ኮሮናቫይረስን

ትካል ምክልኻል ሓደጋታት ኣሜሪካ ምስ ህሉው ለበዳ ኮሮናቫይረስ ብዝተኣሳሰር፡ ነቶም ህቦብላ ኢሳይያስ ከጥቅዖም ዝኽእሉ ሰባት ኣብ ምውጻእን ናብ ውሑስ ቦታ ኣብ ምውሳድን ጥንቓቐታት ክግበር ከም ዘለዎ ማዕድኡ ለጊሱ።

ስድራ ቤታት ንምክልኻል ለበዳ ኮሮናቫይረስ ዝጠቅሙ ነገራት ካብ ኢዶም ከይፈልዩ እቲ ትካል ገሊጹ ኣሎ።

- ኣልኮሎ ዘለዎ መጽረዩ ኢድ

- ሳሙና (ደረቕ ወይ ፈሳሲ)

- ጸረ ባክተርያ ዘለዎም ጥሉላት በጃ ኢድ

- ብውሕዱ ክልተ መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን (ንትሕቲ ክልተ ዓመቶም ህጻናት ግን ኣየድልይን እዩ)

ኣብ እዋን ለበዳ ኮሮናቫይረስ ባሕርያዊ ሓደጋ ምስ ዘጋጥም ክንግብሮም ዘለና ጥንቃቐታት

- አእዳውና ደጋጊምና ምሕጻብ

- ካብ ኣባል ስድራና ዘይኮነ ብውሕዱ 1.8 ሚትሮ ምርሓቅ

- እንተተኻኢሉ መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ምግባር

- ብሓደ ዘይምምጋብን ዘይምስታይብ

መግለጺ ቪድዮ, ኮዓቲ መቓብር ዘቃልዖ ሓቀኛ ቁጽሪ ሞት ሶማልያውያን

- ነቲ ዘለናዮ ግዝያዊ መዕቆቢ ብጸረ ባልዕን ጸረ ታህዋይስያንን ገይርና ምጽራይ