ህቦብላ ኢሳይያስ፡ ኣብ ሰሜን ካሮሊናን ደቡባዊ ምዕራብ ዊልሚንግቶንን ጉድኣት ኣውሪዱ

ምንጪ ስእሊ, EPA
ህቦብላ ኢሳይያስ ኣብ ሰሜን ካሮሊና ካብ ገማግም ውቅያኖስ 65 ኪሎ ሜትር ንውሽጢ ደቡባዊ ምዕራብ ዊልሚንግቶን ብምብጻሕ ጉድኣት የውርድ ኣሎ።
ሃገራዊ ምቁጽጻር ህቦብላ ከም ዝሓበሮ፡ ህቦብላ ኢሳይያስ ኣብ ሰዓት 140 ኪሎ ሜትር እናተሓንበበ’ዩ ኣብ ገማግም ካሮሊና በጺሑ።
እቲ ህቦብላ ኣብ ደሴታት ካሪብያን ምስ ተጋጨወ እኳ ፍጥነቱ እንተነከየ ካብ ሰኑይ ጀሚሩ ኣብ ህቦብላ ደረጃ ሓደ ከም ዝተመደበ ተገሊጹ።
ህቦብላ ኢሳይያስ ኣብ ደሴታት ካሪብያን ክልተ ሰባት ምቅታሉ’ውን ተሓቢሩ።
እዚ ህቦብላ ኣብዚ ዓመት እቲ ታሽዓይ ዘጋጥም ዘሎ ህቦቡላ ኮይኑ፡ ሃገራዊ ምቁጽጻር ህቦብላ ብሰንኪ እዚ ህቦቡላ ብርቱዕ ዝናብ ክስዕብ ከም ዝኽል ኣጠንቂቁ ኣሎ።
ኣብ ሰሜናዊ ምብራቕ ደቡብ ካሮሊናን ደቡባዊ ክፋል ሰሜን ካሮሊናን ዓቢ ዕንወት ከኸትል ከም ዝኽል'ውን ሰብ መዚ ሜትሮሎጂ ገሊጾም።
ኣብ ምብራቓዊ ሸነኽ ምልኣት ውቅያኖስ ብ1.5 ሜትሮ ክውስኽ ከም ዝኽልን ክሳብ 20 ሴንቲ ሜትር ዝዓቐኑ ብርቱዕ ዝናብ ክዘንብ ከም ዝኽእልን ድማ ትጽቢት ተገይሩ ኣሎ።
እቲ ብርቱዕ ንፋስ ድማ ክሳብ ወሽመጥ ቸሳፒክ ክበጽሕ ይኽእል እዩ ተባሂሉ ኣሎ።
እዚ ብፍሎሪዳ ዝሓለፈ ህቦብላ፡ ኣብ ዶሚኒክ ሪፓብሊክን ኣብ ፖርቶ ሪኮን ክልተ ሰባት ክቀትል እንከሎ፡ ኣብ ዘራእቲ ዓቢ ዕንወት ብምውራድ ዕልቅልቅን ምህማም መሬትን ኣኸቲሉ እዩ።
ህቦብላ ኢሳይያስ ናብ ማእከል መስሕብ በጻሕቲ ዝኾነ ኣብ ደቡብ ካሮሊና ዝርከብ ገማግም ባሕሪ ማይርትል’ውን ጉድኣት ከውርድ ከም ዝኽል እዩ ዝግለጽ።
ከተማ ኒውዪርክ’ውን እዚ ህቢቡላ ክጸልዋ ከም ዝኽል እዩ ተሓቢሩ ዘሎ።
ኣመሓዳሪ ሰሜን ካሮሊና ሮይ ኩፐር ኣብታ ግዝኣት ካብ ብዓርቢ ጀሚሩ ኣዋጅ ህጹጽ ግዜ ተግባራዊ ክኸውን ብምእዋጅ ነበርቲ እታ ግዝኣት ጥንቃቐታት ከዛይዱ ጸዊዑ።
ሮይ ኩፐር "ለበዳ ኮሮናቫይረስ ንምምካትን ዘስዓብልና ዕንወት ንምሕዋይን ሓይልና ከነርኢ ጸኒሕና ኢና። ሕጂ ድማ ዝያድኡ ክንጥንቀቕን ክንሕይልን ይግባእ” ኢሉ።
ንህቦብላ ኢሳይይስን ኮሮናቫይረስን ንምምካት ሰባት ርሕቀቶም ሓልዮም ዝዕቆቡሉ ቦታታት ይዳሎ ከም ዘሎ'ውን ገሊጹ።
ኣብ መኸተ ባህርያዊ ሓደጋን ለበዳ ኮሮናቫይረስን
ትካል ምክልኻል ሓደጋታት ኣሜሪካ ምስ ህሉው ለበዳ ኮሮናቫይረስ ብዝተኣሳሰር፡ ነቶም ህቦቡላ ኢሳይያስ ክጥቅዖም ዝኽእሉ ሰባት ኣብ ምውጻእን ናብ ውሑስ ቦታ ኣብ ምውሳድን ጥንቓቐታት ክግበር ከም ዘለዎ ማዕድኡ ለጊሱ።
ስድራ ቤታት ንምክልኻል ለበዳ ኮሮናቫይረስ ዝጠቅሙ ነገራት ካብ ኢዶም ከይፈልዩ እቲ ትካል ገሊጹ ኣሎ።
§ ኣልኮሎ ዘለዎ መጽረዩ ኢድ
§ ሳሙና (ደረቕ ወይ ፈሳሲ)
§ ጸረ ባክተርያ ዘለዎም ጥሉላት በጃ ኢድ
§ ብውሕዱ ክልተ መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን (ንትሕቲ ክልተ ዓመቶም ህጻናት ግን ኣየድልይን እዩ)
ኣብ እዋን ለበዳ ኮሮናቫይረስ ባሕርያዊ ሓደጋ ምስ ዘጋጥም ክንግብሮም ዘለና ጥንቃቐታት
§ አእዳውና ደጋጊምና ምሕጻብ
§ ካብ ኣባል ስድራና ዘይኮነ ብውሕዱ 1.8 ሚትሮ ምርሓቅ
§ እንተተኻኢሉ መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ምግባር
§ ብሓደ ዘይምምጋብን ዘይምስታይብ
§ ነቲ ዘለናዮ ግዝያዊ መዕቆቢ ብጸረ ባልዕን ጸረ ታህዋይስያንን ገይርና ምጽራይ







![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







