ኮሮናቫይረስ፡ ኣብ ህንድን ባንግላድሽን ከቢድ ዝናብ ይሃርም ኣሎ

ኣብ ምብራቓዊ ህንድን ባንግላድሽን ሓያል ንፋስ ዝተሓወሶ ከቢድ ዝናብ ከም ዝሃረመ ይግለጽ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ኣብ ምብራቓዊ ህንድን ባንግላድሽን ሓያል ንፋስ ዝተሓወሶ ከቢድ ዝናብ ከም ዝሃረመ ይግለጽ

ኣብ ምብራቓዊ ህንድን ባንግላድሽን ሓያል ንፋስ ዝሓወሶ ከቢድ ዝናብ ከም ዝሃረመ ይግለጽ። ኣብ ውሽጢ ሒደት ሰዓታት ድማ፡ ብርቱዕ ህቦቡላ ክወርድ እዩ ተባሂሉ ይስጋእ።

ህቦቡላ ኣምፋን ኣብ ህንዲ ኣብ ማይ ቤት ቤንጋል ካብ ዘውርዶ ሓደጋ ንምክልኻል ብሚሊዮናት ዝቑጸሩ ዜጋታትን ካብ ከባቢ ዶብ ክልቲኤን ሃገራት ክወጽኡ ገይረን።

ሜትሮሎጂ ህንዲ፡ ህቦቡላ ኣምፋን "ኣብ ሰዓታት ድሕሪ ቐትርን ኣጋምሸትን" ክወርድ ይኽእል እዩ ክብል ኣጠንቂቑ።

ኣብዚ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ዘለሉ እዋን፡ እዚ ህቦብላ ንመንግስታት ክልቲኤን ሃገራት ካልእ ዓብዪ ሓደጋ ኮይኑዎም ኣሎ።

ህንድን ባንግላድሽን ኣብያተ ትምህርትን ካልኦትን ትካላትን ግዚያዊ መዕቆቢ ማእከላት ኮይኖም ከገልግሎ እዮም'ኳ እንተበላ፡ ኣብዚ ኣካላዊ ርሕቐት ምሕላው ኣገዳሲ ዝኾነሉ እዋን ግን ነዚ ንምእላይ ከም ዘጸግመለን ተገሊጹ።

ኣብ ህንዲ ዞባ ምዕራብ ቤንጋል ዝርከቡ ፖሊስ፡ በዚ ከቢድ ህቦቡላ ክጥቅዑ ከም ዝኽእሉ ብምግላጽ፡ ብዙሓት ሰባት ድማ ብኮቪድ-19 ከይልከፉ ስለ ዝሰግኡ ናብቶም መጽለሊ ቦታታት ንምኻድ ፍቃደኛታት ከም ዘይኮኑ ተሓቢሩ።

ኣብ ምብራቕ ህንዲ ዝተዳለወ መዕቆቢ ማእከል

ምንጪ ስእሊ, AMBARISH NAG BISWAS

ሰበ ስልጣን ህንዲ ብወገኖም፡ ህጹጽ ሃገዝ ዝህቡ ልዕሊ 20 ጉጅለታት ተዳልዮም ኣለው ኢሎም።

ኣምፋን፡ ሓደ ካብቶም ኣብ 10 ዓመት ሓደ ግዜ ዝክሰቱ ከበድቲ ህቦቡላታት ኮይኑ፡ ኣብ ሰዓት 185 ኪሎ ሜትሮ ይውንጨፍ። እዚ ምስ ህቦቡላ ሃሪኬን ማዕረ ይገብሮ።

ብ2007 ዓ.ም [ኣቆጻጽራ ኤውሮጳ] 3500 ሰባት ብዝቐተለ ህቦቡላ ሲድር ተጠቒዓ ዝነበረት ባንግላድሽ፡ እዚ ሓድሽ ህቦቡላ'ውን ከቢድ ስግኣት ከም ዝኾና ሰበ ስልጣን እታ ሃገር ይገልጹ።

ኣብ ህንዲ ዝርግሐ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ንምቁጽጻር ብዝወጽአ ኣዋጅ ዕጽዋ፡ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰራሕተኛታት ካብ ከተማ ናብ ገጠር ይምለሱ ኣብ ዘለውሉ እዋን፡ እዚ ህቦቡላ ምምጽኡ ድማ ካልእ ስግኣት ከም ዝኾነ ይእመን።

እዚኦም ብብዝሒ ናብ ምዕራብ ቤንጋልን ኦሪሳን እዮም ዝምለሱ ዘለው። ይኹን እምበር ግዝኣት ኦሪሳ ነዚ ብምስጋእ መጓዓዝያ ባቡር ደው ክብል ገይራ እያ።

ብኻልእ ወገን ሚኒስትር ምቁጽጻር ሓደጋታት ባንግላድሽ፡ ክሳብ ክልተ ሚሊዮን ሰባት ንምውጻእ መደብ ከም ዘለዎ ንቢቢሲ ገሊጹ።

ኣካላዊ ርሕቐት ንምሕላው ዝሕግዙ መዕቆቢ ማእከላት ከም ዝተዳለውን፡ መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ከም ዝዕደልን እውን ሓቢሩ።

ኣብ ህንዲ ዘለው ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ ግን፡ ከምዚኦም ዝበሉ ቦታታት ንምድላው ይጽገሙ እዮም ዘለው። ንኣብነት ኦሪሳ ካብቶም ዘለውዋ 800 ማእከላት እቶም 250 መወሸቢ ማእከላት ኮሮናቫይረስ ኮይኖም እዮም ዘገልግሉ ዘለው።

ኮሮና